Tigrigna


መጽሓፍ፡ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብገዲም ተጋዳላይ ሰመረ ሰሎሞን ዓቢ ውህብቶ ንህዝቢ ኤርትራ እያ። ውህብቶ ንስለ ፍቕርን ሕውነትን ዝውፈ እምነት ብምዃኑ፡ ናብ ናይ ዝለዓለ ብራኸ ንቅሓት ንምብጻሕ ዝልገስ ሓልዮት እዩ። እዛ መጽሓፍ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃቦ ፍቕርን ሕውነትን ብናጽነት ንምኽሓስ ዝተኻየደ ቃልስን መስዋእትን ንምስክርነት ዝተለገሰት ውህብቶ እያ።


ደራሲ ኣቶ ሰመረ፡ ነቲ ሕሉፍ ናይ ቃልሲ ጉዕዞኡ፡ ውልቃዊ ይኹን ውድባዊ ዝንባሌ ንከየሕድረሉ ብምህቃን፡ ካብቲ ዝነበሮ ናይ ቃልሲ ሳንዱቕ ብምውጻእ (out of the box) ብርትዕን ፍትሕን እዩ ተንቲንዎ። ርትዕን ፍትሕን ክብሃል ከሎ፡ ነቲ ጽቡቕን ቅኑዕን ብኣወንታ ሞጎስ ብምሃብ፡ ነቲ ክፉእን ቄናንን ክኣ ብኣሉታ ሰፍ ዘይብል ነቀፈታ ብምሃብ ማለት እዩ።


እዛ መጽሓፍ ኣብ ዝኾነ ይኹን ህሞት ንኩነታትን ፍጻመታትን ኣብ ምግምጋም ከም መወከሲ እትሕግጽ ብልጽቲ መጽሓፍ እያ። እቲ ብውሕሉል ኣቀራርባ ዝተዋህበ ትንታኔ፡ ምስ ኣብ ዓለምና ካብ ዝርከብ ናይ ምሁራትን ክኢላታትን ትንታኒታትን ምስክራዊ ገለጻን እናገናዘበት፡ ፍሉይነቱን ተመሳሳልነቱን ኣትሕብር ብምዃና ኣገዳስነታ ዕዙዝ ይገብራ።


እዛ መጽሓፍ ነቲ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ንምዕዛዝ፡ ንጉዕዞ ሓርነታዊ እግእዞ ክሕለፎም ዝነበሮ መሰጋገሪ መድረኻት፡ ህዝባዊ ምምሕዳር ንምምስራት ክግበር ዝነበሮም ቀደምትነታት ብግቡእ ትትንትን፡፡ እዚ ብዘይ ምግባሩ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ ኣደራዕ እኹል ምስክር’ዩ። ኣብ ሕሉፍ ጥራሕ ደው ከይበለት፡ ሕጂ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ብዘለዎ ክምህ ዘይብል ዓቕሚ፡ ኣብ ምስግጋርን ምምስራትን ህዝባዊ ስርዓት፡ እንታይን ከመይን ክግበር ኣለዎ ዝብል፡ ብግሉጽ
ከም መርሓ ጎደና ክንግልገለሉ እንኽእል ኣቀሚጣ ትርከብ።


እዚ ዓቢ ውህብቶ ብዘይ ውልውል ክንጥቀመሉን ክንምርሓሉን ዝተለገሰ ብምዃኑ ሃየ ብዕትበት ኣንቢብና ክንመያየጠሉ ግዚኡ’ዩ ብሃላይ እየ።

ዓቢ ክብሪ ንደራሲ ሰመረ ሰሎሞን።

ዑቕባይ ፍስሓ – ሳን ዴየጎ ካሊፎርንያ

ኣብ ውሽጢ’ዚ ምሁራዊ፡ ኣዝዩ ዘገርምን ናይ ርእሰ መስዋእትነትን ዛንታ፡ ሰመረ ሰሎሞን ነቲ ዝተሓላለኸ ቅድመን ድሕረን ታሪኽ ናጽነት ኤርትራ ከም’ቲ ዝተሞከሮን ከምኡ እውን በቲ ዝመሰሎ መገድን፡ ብዘደንቕ ንጹርነትን ምስትውዓልን ዳህሲሱዎ ኣሎ። መጋረጃ ካብ ኣዒንትና እናተቐንጠጠ ምስ ከደ፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈና፡ ደሞክራስያዊት፡ ሰላማዊት፡ ብልጽግትን ኤርትራ ንምምስራት ነቲ ሓኒቑ ሒዙዋ ዘሎ መሰናኽላትን ጥውይዋያትን ክንርኢ በቒዕና ኣለና። እቲ ንኤርትራ ወዲቑዋ ዘሎ ሓደጋ ዘጨንቕ’ኳ እንተ ኾነ፡ እታ መጽሓፍ ግን ተስፋ እተስንቕን ራእይ ዘለዋን እያ። ደራሲ፡ ኣብ ልምዓት ሓንቲ ሃገር ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮሰ ፖሊሲታት እንታይ ከፍሪ ከም ዝኽእል ብቐረባ ዝፈልጥን ብኣካል ዝተሞከረን ብዓል ሞያ ኢዩ። ከምኡ እውን እዚ ሓሳብ ወይ ርእይቶ፡ ኣብ ኤርትራ ተኣምራት ክገብር ከም ዝኽእል ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። ከምኡ ዝኸውን ግን እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ካብ’ቲ ኣዕናውን ዝጠፈሸን ክብርታትን እምነታትን፣ ከምኡ እውን ካብ’ቲ ዕንደራዊ ህንጥዩነት መራሕቶምን ዝገላገሉሉ መገዲ ክረኽቡ እንተ ክኢሎም ጥራይ እዩ።

ሰመረ ተስፋሚካኤል ሃብተማርያም ደራሲ

“ኣስተንትኖታት ኣብ ታሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሓበሻ”

ዝኾነ ግዱስ ሰብ፡ ሓንቲ ሃገር ከመይ ገይራ ናብ ነብሰ ዕንወታዊ ናይ ንጹልነት ዕንኪላሎ ከተሽከርከር ከም እትኽእል ንምፍላጥ፡ ነታ ሰመረ ሰሎሞን ዝደረሳ “ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን” እትብል ሓዳስ መጽሓፍ ከንብብ ይግባእ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ደራሲ ኣብ ዓውደ ውግኣት ኤርትራ ከምኡ እውን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዘኻዕበቶ ውልቃዊ ተመኩሮታቱ ዝተመርኮሰ ጭቡጥ ጸብጻባት ተቕርብ ። እዚ መሃሪ ጸብጻብ’ዚ፡ ደራሲ ብሉጽ ጸሓፊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዕምቈት ዝሓስብን ዝትንትንን ምዃኑ እውን ንኣንበብቲ ምስክር ኢዩ። ደራሲ፡ ነቲ ሕመረት ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስ’ቲ ድሕሪ’ቲ ልዑል ዋጋ እተኸፍሎ ሰውራ ዝሰዓበ ኩነታት ንምትእስሳር ዝበቕዐ ናይ ቀረባ ዓይነ ምስክር ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እታ መጽሓፍ ምስክርነት ናይ’ቶም ዝወደቑ ብጾቱ ኢያ፤ ከምኡ እውን ነቲ ሕልሚ ኤርትራ ዝቐተለ መሪሕነት ተሪር መግናሕቲ እተመሓላልፍ እያ።

ዳዊት መስፍን፡ ደራሲ ናይታ “ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ራእይ ዘለዎ ኤርትራዊ ሃገራዊ፡ ታሪኽ ህይወት” ዘርእስታ መጽሓፍ

ትረኻ ሰመረ ሰሎሞን ነቲ ንሱ ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ዝተጓዕዞ ውልቃዊ ጉዕዞ ፍሉይ ስእሊ የቕርብ። ብዕምቆትን ብንጹር መገድን ዝተጻሕፈ ኮይኑ፡ ንውሽጣዊ ኣሰራርሓ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ደሓር ህግደፍ) ኣመልኪቱ ሓድሽ ኣረኣእያ ብምቕራብ፡ ነቲ ናብ’ቲ ምንቅስቓስ ዝተጸንበረ ምሁር ደርቢ ዘጋጠሞ ብድሆታት የብርህ። ሰመረ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ዝተጻወቶ ተራ – ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ማእከላይ ካድረን ናይ መሪሕነት ጽፍሕታትን – ነቲ ዘይንቕነቕ ተወፋይነቱን ርኡይ ኣበርክቶኡን ዘጉልሕ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ሰመረ፡ ኤርትራ ናጽነት ምስ ረኸበት፡ ቁጠባዊ ልምዓት፡ ዲሞክራስያውነትን፡ ኣብ ትምህርቲ ወፍሪ ንክትገብር ዝነበራ ዓቕማን ይጽብጽብ። እዚ ደራኺ ትረኻ’ዚ፡ እቲ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተረኸበ ናጽነት፡ ከመይ ኢሉ ከም ዝተጨውየን ንህዝቢ ኤርትራ ባህግታቱ ከም ዝተመንጠሎን ብትሪ የቃልዕ።

ሕብረት በርሀ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ነበር ኣብ ሽወደን

ሰመረ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ኢዩ ፍቕሪ ናጽነት ተረዲእዎ። ተጋዳላይ ናይ ናጽነት ኮይኑ ከገልግል ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ነዚ ዕማም’ዚ ብኩለንተንኡ ተተሓሒዝዎ። ንነብሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንማሕበረኮሙን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን። ምስ ክሪኤቲቭ ኣሶሽየትስ ኢንተርናሽናል ስራሕ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ሰመረ ከም ሓደ ንህይወት ብዕምቆት ከስተማቕር ዝነብርን ሰብ፡ ከም ሓደ ዓሚቝ ፍልጠትን ተመክሮን ዘለዎ በዓል ሞያ፡ ብዘይካ’ዚ ድማ ከም ናይ ስድራ ቤት ሰብ፡ መራሒ፡ መምህርን ኰስኳሲ መሳርሕቱን ኢና እንፈልጦን እነኽብሮን። ኣብ ነብሱ ክመጾ ዝኽእል ሓደጋታት ብዘየገድስ፡ ሰመረ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሓራ ዝወጽእን ኤርትራ ድማ ሓንቲ ጥዑይ ምሕደራ እተሳስን ብልጽግትን ሃገር ክሳብ እትኸውን ቃልሱ ኣብ ምቕጻል ይርከብ። ሰመረ፡ ንመጻኢ ኣብ ዘቛምተሉ፡ ተመክሮታቱ ንኤርትራውያን መንእሰያትን ናይ መጻኢ መራሕታን ኣብ ዘካፍለሉን ኣብ’ቲ ዝሓሸ ህይወትን ናጽነትን ሰላምን ዝሰፈና ሃገር ንምህንጽ ኣብ ዝገብሮ ጻዕርን ዘሳስዮም ናይ ሓባር ዕላማታትን፡ ኣብ ጎድኑ ምዃና ኣዚና ኢና ንሕበን ወይ ድማ ኩርዓት ይስምዓና።

ቻሪቶ ክሩቫንት

መስራቲትን ኣደ ወንበር ቦርድን

ክሪኤቲቭ ኣሶሽየትስ ኢንተርናሽናል፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

“ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን” ዘርእስታ ብሰመረ ሰሎሞን እተጻሕፈት መጽሓፍ፡ ክንዮ ተራ ስነዳ ታሪኽ ብምኻድ፡ ንሕሉፍን ህሉውን መጻእን ኤርትራ ዝምልከት ሃናጺ ዘተን ነቐፌታዊ ትንተናን መበገሲ ብምዃን እተገልግል መጽሓፍ ኢያ። ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ኣረኣእያታት ብምቕራብን ንገለ ገለ ሰባት ከም ዘይምቹእ ሓቅታት ኮይኑ ንዝረኣዮም ነገራትን ብምግጣምን፡ መሰረት ናይ ሓደ ኣብ ሓበሬታ ዝተሞርከሰን ንውሽጢ ዝጥምትን ኣቀራርባ ህንጸት ሃገር መሰረት ተንብር። ብውልቀይ፡ እታ መጽሓፍ ካብ ትጽቢተይ ሓሊፋ ነቲ ንነዊሕ እዋን ምሳይ ዝጸንሐ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ዝፈታተነት ኮይና ረኺበያ።

ሰመረ ሰሎሞን፡ ውልቃዊ ትረኻታትን ታሪኻዊ ጸብጻባትን ብምቕራብ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ሱር ዝሰደደሉ ኣገባባት ብምቅላዕ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ነቐፌታዊ ትንታነ የቕርብ። እቲ ዘይሻራዊ ገምጋሙ፡ ንኣንበብቲ ናይ ገዛእ ርእሶም መደምደምታ ክገብሩ ይዕድም፡ ንመጻኢ ወለዶታት ከኣ ኣንጻር ምልካዊ ዝንባለታት ጥንቃቐ ክገብሩ ይላቦ።

ዶ/ር. ሽደን ሰሎሞን

ድሕረ ዶክትሬት ተመራማሪ

ሞለኪዩላርን ሴሉላርን ኒውሮ ሳይንቲስት፡ ኪንግስ ኮለጅ፡ ዓባይ ብሪጣንያ

ናይ ሰመረ ሰሎሞን መጽሓፍ፡ ብዛዕባ መግዛእታዊ ታሪኽ ኤርትራን፡ ንነዊሕ እዋን ዝተኻየደ ናይ ናጽነት ቃልስን ከምኡ እውን ነታ ሃገር ድሕሪ ናጽነት ዘጋጠማ ብድሆታትን ብዕምቆት ትድህስስ። ነቲ ታሪኻዊ ትርጉም ዘለዎ ፍጻመታት ምስ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮታት ብምውህሃድ፡ እቲ ናብ ተመራማሪ ዝተቐየረ ውፉይ ተጋዳላይ፡ ትረኻን ትንተናን ብምጽንባር፡ ዝተማህረን ምኩርን ውልቀ ሰብ ጥራይ ክህቦ ብዝኽእል ርድኢት ነታ መጽሓፍ የሀብትማ። ከም ሞያ፡ ናብ ክኢላ ኣህጉራዊ ልምዓት ምስግጋሩ፡ ንትዕዝብታቱ ዝያዳ ዕምቆት ዝውስኸሉ ኮይኑ፡ ነታ መጽሓፍ ንናይ’ቲ ዞባ ዝተሓላለኸ ማሕበረፖለቲካዊ ሃዋህው ንምርዳእ ሃብታም ምንጪ ይገብራ።

ንጽሑፍ ሰመረ ዝፈልዮ ነገር እንተሎ፡ ኤርትራን ኤርትራውያንን ድሕሪ ናጽነት ዘጋጠሞም ዝተሓላለኸ ብድሆታት ንምዝርዛር ዝጥቀመሉ ብልሓታዊ ኣቀራርባ ኢዩ። ታሪኻዊ ሓቅታት ምስ ክልሰ ሓሳባዊ ኣምርን ዓይኒ ምስክርነትን ብምውህሃድ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንሃገር ዘሳቕዩ ዘለዉ መሰረታውያን ጉዳያት ዕሙቕ ዝበለ ምርመራ የካይድ።

እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ክንዮ እቲ ልሙድ ትረኻ ብምኻድ፡ ነቶም ኣብዚ መድረኽ’ዚ ዝዋስኡ ዘለዉ ማሕበረፖለቲካዊ ሓይልታት ሓያል ነቓፊት ኮይና ተገልግል፡ ብዛዕባ ክህሉዉ ዚኽእሉ መፍትሒታት ድማ ልቦና ዘለዎ ሓተታ ተቕርብ። ናይ ሰመረ መጽሓፍ፡ በቶም ንመስርሕ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳትን ህንጸት ሃገርን ግንዛበ ከሕድሩ ዝደልዩ ሰባት ግድን ከትንበብ ዘለዋ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሰፊሕ ትርጉም ውልቀ ምልካዊ ስርዓታት ክምርምሩ ንዝደልዩ ምሁራትን ደለይቲ ፍትሕን ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ብዋጋ ዘይትሽነን ምንጪ ኢያ።

ዶ/ር. ቶማስ ሰሎሞን

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ነዚ ኣገዳሲ ስራሕ ክግምግሞ ዕድል ብምርካበይ ክብሪ ይስምዓኒ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ዓለም ብምልእታ ድሕሪ ኲናት እንታይ ከም ዘጋጥምን ዝፍጸምን ኣብ እትጭነቐሉን፡ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሓሙኽሽቲ ኲናት ክምስረታ ወይ ካብ ሓሙኽሽቲ ኲናት ተላዒለን ንዜጋታተን መዕቆቢ ክፈጥራሉን ናብ መገዲ ልምዓት ክመርሕኦን ዕድል ኣብ ዝረኽባሉ ዘለዋ እዋን ኢያ ትሕተም ዘላ። እዛ መጽሓፍ፡ ብመነጽር ኣብ ሓደ እዋን ተስፋ ዝነበሮ ተጋዳላይ ሓርነት እተደርሰት፡ ዛንታ ናይ’ቲ ዘጋጠመ ኩነታት ብንጹር ኣዘራርባ ትገልጽ። ብሓደ ዕድሚኡን ሞያኡን ኣብ ልምዓታዊ ሞያ ዘወፈየ ሰብ ክትጸሓፍ ከላ፡ ብቐጥታን ብዕምቆትን ኣብ ምርምር ዝተሞርኮሰ ፍልጠት ተመሓላልፍ። ስለምንታይን ብኸመይ መገድን ኢዮም “ነገራት ዚፈርሱ” ንዝብል ሕቶ መልሲ ዝደሊ ሰብ ድማ ነዛ መጽሓፍ ከንብባ ይግባእ። እዚ፡ ልባዊ ምዕዶይ ኢዩ።

ሻሮን ቲ ፍሪማን፡ ፒ.ኤች.ዲ.

ፕረዚደንት፡ ጀምስ ኦፍ ዊዝደም ኮንሰልቲንግ፡ ኢንክ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ከም ብልጽቲ ዕንቊ እየ ዝርእያ፡ ስለ ዝጸሓፍካያ ድማ ምስጋናይ ወሰን የብሉን። የቐንየልና! እዚ ወለዶ’ዚ ንኹሉ እቲ ካብ’ዛ መጽሓፍ ክመሃሮ ዘለዎ ምህሮ ምሉእ ብምሉእ ከስተማቕሮ ተስፋ እገብር። ንሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዝተነጸላ ሃገራት ዝምልከት ኩለንትናዊ ታሪኽ ምስናድ ኣዝዩ ሳሕቲ ኢዩ፣ ብውልቃዊ ጸብጻባት ዝጸሓፍ ከኣ’ሞ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ኣነ፡ ስድራይ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሕብንቲ ኤርትራዊት ኣመሪካዊት እየ። እቲ ናይ’ዛ መጽሓፍ መሳጢ ሸነኽ፡ ታሪኽና፡ ዛንታና፡ ገና ዘይተወደአ ጽሑፍ ምዃኑ ስለ እትሕብር እዩ። ሕልመይ፡ ኣብ ዕድመይ፡ ምስ ደቀይ ብናጻ ናብ ኤርትራ ናይ ምጉዓዝ ዕድል ምርካብን ሃብታምን ዘኹርዕን ባህልና

ድማ ከካፍሎም ኢዩ። ተስፋ ድማ ኣሎኒ፡ ምኽንያቱ ተስፋ ዘይምህላው ብሓቂ መሪር ኢዩ!

ሚርያም ዮሃንስ፡ ሓላፊት ክፍሊ ጉዳያት

ተጠቀምትን ምክፍፋልን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን ብሓቂ ነጸብራቕ ናይ’ቲ ንዳርጋ ዓሰርተ ሓደ ዓመታት ዝፈልጦን ዝኣምኖን ዘድንቖን ሰብ ኢዩ። ብዛዕባ’ቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ቃልሲ ኤርትራ ንናጽነትን፡ ሓድሽ ሃገራዊ መንነት ንምህናጽን ብዝምልከት፡ ሰመረ ኣብ’ቲ ዘይንቕነቕ እምነቱ ኣብ ሓቂ ተሞርኪሱ ንውልቃዊ ጸብጻባቱ ከም ሓደ ራኢ ዘለዎ ሰብን ከም ወተሃደርን የቕርቦ። ዝበዝሕ ግዜ፡ እቶም ኣካል ናይ ሓደ ዓቢ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ ወይ ማሕበራዊ ፍጻመ ዝኾኑ ሰባት፡ መጽሓፍ ክጽሕፉ እንከለዉ ሕነ ንምፍዳይ ወይ ድማ ንናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ድሌታት ንምርዋይ ኢዮም ዝጥቀሙሉ። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ”ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን” ከምኡ ዓይነት መጽሓፍ ኣይኮነትን። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ብዛዕባ ባህጊ፡ ውግእ፡ መስዋእቲ፡ ተስፋ ምግባርን ተስፋ ምቑራጽን እትትርኽ ብሓደ ነቲ ቃልሲ ብኣካል ዝተሳተፎ ሰብ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ኢያ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ብስደት ሰመረ እትውዳእ ኣይኮነትን። ሰመረ፡ ድሕሪ ካብ ኤርትራ ምውጽኡ ንኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ኣብ ዒራቕ፡ ዛምብያ፡ ፓኪስታን፡ ማእከላይ እስያ፡ ኢትዮጵያ፡ ናይጀርያ ከም ሓደ ብሉጽ ክኢላ ኣህጉራዊ ልምዓት ኮይኑ ኣገልጊሉ። ነታ ዝተወፈየላ ኤርትራ – ወትሩ ዓዱ – እንታይ ክትከውን ትኽእል ከም ዝነበረት ይትንትን። ናይ ሓደ ሓቀኛ ራኢ ዘለዎ ሰብ ተስፋን ድሌትን ፈጺሙ ኣይሃስስን ኢዩ።

ማይክል ዛምባ፡ ላዕለዋይ ዳይረክተር ርክባት፡

ክሪኤቲቭ ኣሶሴይትስ ኢንተርናሽናል፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ንውልቃውን ሞያውን ጉዕዞ ደራሲ ብውሕሉል ኣገባብ ምቕራባ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኩነታት ኤርትራን መጻኢኣን ብዘለዋ ዓሚቝ ጽልዋ እውን ከም ኣገዳሲት ስነ ጽሑፋዊት ኣበርክቶ ኢያ እትቑጸር። ሓሳባት ንምምንጫው ዝድርኹ ዘተታት ናይ ምልዕዓልን ኣወንታዊ ተግባራት ናይ ምቕስቃስን ተኽእሎ ድማ ኣለዋ። ናይ ሰመረ ሰሎሞን ተወፋይነት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ ምስ’ቲ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዘለዎ ኣወንታዊ ራእይ ተደሚሩ፡ እዛ መጽሓፍ ከም መነቓቕሒ ትረኻ ተገልግል። ብመሰረቱ፡ እዛ

መጽሓፍ ውልቃዊ ተዘክሮ ጥራይ ዘይኮነስ ንሰፊሕ ስነ ጽሑፋዊ ዳህሳስን ብድሆታትን መፍትሒታትን መበገሲት ኢያ። ጽልዋ ናይዛ መጽሓፍ ክንዮ ገጻታ ብምዝርጋሕ ንካልኦት ኤርትራውያን ትረኻታቶም ከካፍሉን ንተኣፈፍቲ ጉዳያት ግዜና ብዝምልከት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ድማ ኣበርክቶ ክገብሩ ከም እተተባብዖም እምነት ኣሎኒ።

ዩሱፍ ሓሰን

ስቶክሆልም፡ ሽወደን

መጽሓፍካ ኣንቢበ ከም ዝወዳእኩዋ ክሕብረካ እፈቱ፣ ፍጹም ደስ ዘብል’ዩ ነይሩ። ብዓወትካ ካብ’ዚ ንላዕሊ ክሕበን ኣይክእልን እየ። ከም ጸሓፊ ዘለካ ተውህቦ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ጎሊሑ ይርአ፡ እዚ ድማ ንዓኻ ናይ’ቲ ዘደንቕ ስነ ጽሑፋዊ ጕዕዞኻ መጀመርታ ምዃኑ ኣይጠራጠርን። ንመጻኢ፡ መጻሕፍትኻ ልክዕ ከም’ዛ መጽሓፍ’ዚኣ ተኣምራታውያን ከም ዝኾና ስለ ዝፈልጥ ምሕታመን ብሃንቀውታ እጽበ።

ነጋሲ ስ. ኣብርሃ፡

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ሰመረ ሰሎሞን ዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ህይወቱ ነታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር፡ ካብ ኢትዮጵያ ብሰሜን እትርከብ ኤርትራ፡ ንልደታን ምዕባሌኣን ወፍዩ ኢዩ። ንሱ፡ ንኤርትራ ካብ ጎበጣ ኢትዮጵያ ንምውጻእ፡ ናይ ክልቴኦም፡ ማለት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ናይ ህዝባዊ ግንባርን ትብዓትን ጽንዓትን የመስግን። ከምኡ ብምግባር ድማ እተን ግንባራት ኣብ ጉዕዞአን ንዝገበራኦ ጌጋታት ከይተረፈ ኣፍልጦ (acknowledgement) ብምሃብ ኣብ መትከላት ዝተሰረተ ኣማራጺ ፍታሓት የቕርብ። ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ (ጽቡቕን ሕማቕን) ብግልጺ፡ ግን ከኣ ብዕምቈት ብምቕራቡ፡ ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለቱ ዝነኣድን፡ ክቡርን ደራኽን ይገብሮ።

ሰመረ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ፡ ንዝኾነ ውድብ ወይ ውልቀ ሰብ ኣይወቅስን። እዚ ድማ ብዛዕባ እተፈላለየ ሓሳባት ዘለዎም ደቂ ሰባት ብዝምልከት ተነቃፍን ዝተሓላለኸን ኣርእስታት ክንዛተ ከለና ክንጥቀመሉ ዘለና ኣገባብ እዩ። ሰመረ፡ ነቲ ኣንባቢ ካብ 1940ታት ክሳዕ 1990ታት ብምምላስ፡ ብድሕሪኡ ናብ መጻኢ (ወይ ናብ ህሉው) ኩነታት ይሰግር፡ ነቶም ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ኣበርክቶ ዝገበሩ ተለዋወጥቲ ኣጋጣሚታት ድማ ብጥንቃቐ ይትንትኖም። “ከመይ ኢልና ኢና ኣብዚ በጺሕና” ንዝብል ሕቶ ድማ ክምልሽ ይፍትን። እዚ፡ ነቲ ንኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ዓንኬላት ኣእቲዩ ክመራመር ዝደሊ ሰብ ድንቂ ንባብ እዩ።

ኣቶ ሰመረ፡ ነቲ ኣዝዩ ፍሉይን ክቡርን ብዋጋ ዘይሽነንን ኣረኣእያኻ ብኣንደበትን ብቕንዕናን ስለ ዘነጸርካ የቐንየልና። በዚ ድማ ዓለም ትረብሕ።

ሰብለ ሰመረ ሰሎሞን

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ