ኣብ መንጎ ቍጠባዊ ምዕባለን ሰናይ ምሕደራን ዘሎ ተመጋጋቢ (symbiotic) ዝምድና፡ ምስ ክውንነት ኤርትራ ዝናበብ ሓተታ

ኣብ መንጎ ቍጠባዊ ምዕባለን ሰናይ ምሕደራን ዘሎ ተመጋጋቢ (symbiotic) ዝምድና፡ ምስ ክውንነት ኤርትራ ዝናበብ ሓተታ

ብሰመረ ሰሎሞን

25 ግንቦት 2025

መእተዊ

ህንጸት ሃገር ዝተወሳሰበን ኵለንተናዊ ገጽ (multi-faceted) ዘለዎን መስርሕ’ዩ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ክሳቐያ ዝጸንሓ ሃገራት ድማ ነቲ ብድሆ ዝያዳ ከም ዝተሓላለኽ ይገብሮ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ’ዞም ዝሓለፉ ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመታት ቍጠባዊ ዕብየት ዘየርኣየትን መነባብሮ ዜጋታታ ዘየመሓየሸትን ሃገር’ያ እትጽብጸብ። ጠንቂ ድሕረታ ምስ ጐረባብታ ዝተኸስተን ዘሎን ኣይ ኵናት ኣይ ሰላም ኵነታትን ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ዝተጻዕነ ቍጠባዊ ማዕቀብን ዝጠቀሱ’ኳ እንተ ኾኑ፡ ብናተይ መረዳእታ ግን እቲ ቀንዲ ምኽንያት እቲ መንግስቲ ብዛዕባ ልምዓት ዘለዎ ግጉይ ኣመለኻኽታትን ግንዛበን ኣብ ትግባረኡ ዘርእዮ ብኵራት ፖለቲካዊ ድሌትን’ዩ። ከም’ዚ ክበሃል እንከሎ ግን እቶም ክልተ ቀዳሞት ረቛሒታት ጽልዋ ኣይነበሮምን ማለት ኣይኮነን።

ብኵራት ፖለቲካዊ ድሌትን ጽፉፍ ፖሊሲን ነዞም ዝስዕቡ ከጠቓልሉ ይኽእሉ፦ ንቍጠባዊ ወፍሪ ጥጡሕ ባይታ ዘይምፍጣር፣ ዘቤታውያን ኣውፈርቲ ሃጽ ኢሎም ናብ ካልኦት ሃገራት ከም ዝስደዱ ምግባር (ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ዓሰርተታት ሚሊዮናት ርእሰ-ማል ዝውንኑ ዘቤታውያን ኣውፈርቲ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ዝርከቡ ናይ ኣደባባይ ሓቂ’ዩ)፣ ንብሕታዊ ጽላት ኣብ ክንዲ ምትብባዕ ዕንቅፋት ምዃን፣ ዓቕሚ ሰብኣዊ ጸጋታት ናይ’ታ ሃገር በቲ ዝድለ ደረጃ ዘይምምዝማዝ፣ ንምሁራዊ ዓቕሚ ኣፍልጦን መተባብዕን ዘይምሃብ፣ ኣብዝሓ ናይ’ቲ ቍጠባ በቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ፖለቲካዊ ሰልፊ’ሞ? ተሓታትነትን ግሉጽነትን ብዘይብሉ ኣገባብ ምብሓት፣ ኣካል ዓለማዊ ቍጠባ ንምዃን ጻዕርታት ዘይምክያድ፣ ምስ ጐደቦ፡ ዞባን ዓለምን ኣብ መትከል ሽርክነት ዝተመስረተ ጽምዶ ዘይምኹስኳስን ኣካል ዞባዊ ምትሕብባር ክትከውን ዘይምህቃን፣ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይምትእትታው ወዘተ። ነዞም ረቛሒታት፡ ጃምላዊ ፍልሰት ናይ’ቲ ኣፍራዪ ኣካል ናይ’ቲ ሕብረተሰብ (መንእሰይ) እንተ ድኣ ተወሲኽዎ፡ እቲ ኵነታት ክሳብ ክንደይ ኣሰካፊ ምዃኑ ንምርዳእ ኣየጸግምን።

ንኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ዘሰክፍ ቍጠባዊ ኵነታት ኣስተዋጽኦ ዝገበሩን ዝገብሩ ዘለዉን ረቛሒታት ብርክት ዝበሉ’ዮም። ንዅሎም ሓደ ብሓደ ምርኣይ ሰፊሕ ሓተታ ዘድልዮ’ዩ። ኣብ መሰረታውያን ጕዳያት ኣተኲርካ ክዝረብ ግን ዘይከኣል ኣይኮነን።

ምዕሩይን ዘላቕን ዕብየት ኣብ ምንታይ ይምርኰስ?

ምዕሩይን ዘላቕን ዕብየት ሕመረት ቍጠባዊ ልምዓት’ዩ። እዚ ድማ ብዓቐናውን ዓይነታውን ዕብየት ፍርያምነት (productivity) ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሕብረተሰብ ኣብ መነባብሮኡ ብዘርእዮ ለውጢ’ዩ ክዕቀን ዝከኣል። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ደረጃ መነባብሮ ወድ-ሰብ ኣበይ ነይሩ ሕጂኸ ኣበየናይ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ንዝብል ሕቶ መልሲ ክረክብ ምስ ዝኽእል’ዩ። ልምዓት’ምበኣር ብቐንዱ ንሰብኣዊ ድሕንነት (human welfare) ዘማእከለ ኣገዳሲ ኣምር’ዩ። ነዚ ንምግባር ኣብ ጐደና ልምዓት ዝርከባ ሃገራት (እንተላይ ሃገርና ኤርትራ) ክምዕብላን ክስስናን ከም ቅድመ ዅነት ከማልእኦም ዝግብአን ነገራት ኣለዉ። ገለ ገለ ንምጥቃስ ዝኣክል፦

  • ሰናይ ምሕደራ ምርግጋጽ፣
  • ኣብ ምምሕያሽ ህይወት ዘይርኹባት ወይ ነዳያት (underserved) ክፋል ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ዘማእከለ ልምዓታዊ መደባት ምትኳር፣
  • ዕቃበ ኣከባቢ (environmental protection) ምውሓስ፣
  • ንባህግታት ተራ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእቱን ዝምልስን ኵለንተናዊ ወይ ሓቛፊ ቍጠባዊ ፖሊሲ ምሕንጻጽን ምትግባርን፣
  • ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዘረጋግጽ ፖሊሲ ልምዓት ምውዳድ፣
  • ኣብ ልምዓታዊ ጉዕዞ፡ ንባህልን ስርዓተ-ክብርታት ሓደ ሕብረተሰብ ከም ሓደ ኣገዳሲ መሳርሒ ምጥቃም፣
  • ሃገራዊ ድሕነትን (national security) ፖለቲካውን ምርግጋእን ምውሓስ፣
  • ምዕሩይ ምዕባለ ንምርግጋጽ ኣብ ገጠራዊ ልምዓት ዘማእከለ ስትራተጂ ምርቃቕ፣
  • ዝተፈተነ (sound) ፖሊሲ ምምዕባል ሰብኣዊ ዓቕሚ/ጸጋታት (human resource) ምርቃቕን ምትግባርን፣
  • ፍትሓዊ ምምቕራሕ (fair distribution) ሃገራዊ ጸጋታት ምውሓስን
  • ኣብ ሽርክነት ዝተመርኰሰ ዞባውን ኣህጉራውን ቍጠባዊ፡ ንግዳዊ፡ ጸጥታዊ፡ ዲፕሎማስያውን ባህላውን ምትሕብባራት ምጥንኻርን።

ንነፍስ-ወከፍ ናይ’ዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ቕድመ ኵነታት ረርእሶም ዝኸኣሉ ሓተታታት የድልዩዎ’ዮም። ከመይ’ሲ ነፍስ-ወከፎም ኣብ ዕብየት ቍጠባ ሓደ ሃገር ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ስለ ዘለዎምን ኣብ ነንሓድሕዶም ድማ ተመላላእቲ ስለ ዝኾኑን። እዚ ሕጂ ከነልዕሎ ደሊና ዘለና ኣርእስቲ ግን ንኣገዳስነት ሰናይ ምሕደራ ኣብ ቍጠባዊ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ትዅረት ዝገበረን ንተመጋጋቢ ዝምድና (symbiotic relationship) ናይ ኽልቴኦም ባእታታት ንምብራህን ዝዓለመ’ዩ።   

ሰናይ ምሕደራን ቍጠባዊ ልምዓትን

ኣብ ጐደና ልምዓት ዝርከባ ሃገራት ክምዕብላን ክስስናን ምእንቲ፡ ምርግጋእ የድልየን። ምርግጋእ ድማ ኣብ ሰናይ ምሕደራ ዝምርኰስ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ህዝቢ መነባብሮኡ ብሰላም ንኽመርሕ ምቹእ ባይታ ምስ ዝመቻችኣሉ ጥራይ’ዩ። ሰናይ ምሕደራ ነዞም ዝስዕቡ ከጠቓልል ይኽእል፦ ግዝኣተ-ሕጊ፣ ምፍልላይ ሰለስተ ኣዕኑድ መንግስቲ (separation of powers)፣ ተሓታትነት፣ ግሉጽነት፣ ትካላዊ ኣሰራርሓ ወይ ትካላውነት፣ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ዝውከሰሉ ቅዋማዊ ምሕደራ፣ ምሕላው መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላት፣ ተገማትነት ወይ ተተንባይነት (predictability)፣ ሓቛፍነት (inclusiveness)፣ ምምኽኻር (consultation)፣ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ፍልልያት ብሰላማዊ መገድን ልዝብን ናይ ምፍታሕ ትካላዊ ዓቕምን ፖለቲካዊ ባህልን ምውዳድን ምኹስኳስን፣ ንሓላፍነታዊ ትግባረ ፕረስ ባይታ ምጥጣሕ፣ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ጽምዶ ምትብባዕ ወዘተ።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ረቛሒታት፡ ህዝቢ ኣብ መንግስቲ ዘለዎ እምነት (trust) ንኸዕቢ ይሕግዙ። ንፈጠራውነትን ንሃናጺ ነቐፌታን የተባብዑ። ንነዊሕ እዋን ዝጠመተ ልምዓታዊ ውጠና ንኽትግበር ዕድላት ይኸፍቱን ብኣኡ ኣቢሎም ድማ ንዘላቒ ቍጠባዊ ዕብየት ባይታ የጣጥሑን። ቍጠባዊ ዕብየት ናይ ሽቕለት ዕድላት ይኸፍት፣ ርሂጸ-በላዕ ህዝቢ ብቝዕ እቶት ንኽህልዎ የውሕስን ድኽነት ኣብ ምውጋድ ኮነ መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ምምሕያሽን ድማ ዕድላት ይኸፍት። ሰናይ ምሕደራ፡ ናይ ፖሊሲ ተገማትነት ስለ ዘውሕስ ንዘቤታውን ግዳማውን ወፍሪ ዘተባብዕ ሃዋህው (environment) የመቻችእ። ንውልቃዊ ተበግሶታት ድርኺት ይፈጥር። ኣብ መንጎ መንግስታውን ብሕታውን ትካላት ውሑስ ዝምድና ንኽፍጠር ድማ መገዲ ይጸርግ።

ሰናይ ምሕደራ ምዕሩይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኽወሃብ ናይ ህዝቢ ተበግሶታትን ኣበርክቶን ኣብ ምብራኽ ኣስተዋጽኦ ይገብር። ንምዕቡላት ያታውያን ስርዓተ-ክብርታትን ባህልታትን ከም መጐሳጐሲ ተጠቒሙ ምርግጋእ ናይ ሓደ ህዝቢ የውሕስ። ሰናይ ምሕደራ ብዝፈጥሮም ዕድላት፡ ዜጋታት ኣብ ሃሃገሮም (ኣብ መረበቶም) ህይወቶም ክመርሑ የመቻችእ። ዜጋታት ኣብ ዘቤታዊ ጸጋታት ተመርኲሶም ኣብ ዕብየት ሃገሮም ኣበርክቶ ክገብሩ ድማ ባብ የርሑን ብዝረኽብዎ ዕድላት ነጢፎም ኣብ ሃገራዊ ህንጸት ንኽሳተፉ ድማ የተባብዕ። ንስደት’ውን ይገትእ። እንተ ተሰዱ’ውን ምስ መበቆላዊ ዓድታቶም (places of origin) ዘለዎም ምትእስሳር ከም ዘይበትኩን እኳ ደኣ ናይ ወፍሪ ተበግሶታት ወሲዶም ኣብ ህንጸት ሃገሮም ብዝለዓለ ደረጃ ንኽካፈሉን የተባብዕ። ቻይናውያን፡ ግብጻውያን፡ ደቂ ፊሊፒንስን ቱርካውያንን ዲያስፖራ ኣብ ቍጠባዊ ዕብየት ሃገሮም ዘለዎም ኣበርክቶ ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን።

ሰናይ ምሕደራ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ውክልናዊ (representative) ተሳትፎ (ኣብ ናይ ርእሶም ጉዳያት) የተባብዕ። ንሃገራዊ ልዝብ ዕድላት ይኸፍት። ማሕበራዊ ስኒት (social harmony) የውሕስ። ሰናይ ምሕደራ ዋሕስን መሰረትን ጥዕይቲ ስድራ-ቤት’ዩ። ሕብረተ-ሰብኣዊ ጥምረት (cohesion) ድማ የበርኽ።

ብኣንጻሩ፡ ብኵራት ሰናይ ምሕደራ ዘይዕግበት ይፈጥር፣ ካብ ዘይዕግበት ሓሊፉ ናብ ተቓውሞ ወይ ህዝባዊ ናዕቢ ንኽምዕብል ተኽእሎ ኣሎ። ድጕል ስምዒታት ንኽድንፍዑ’ውን ባይታ የንጽፍ። ዘየቕስን ኵነታት ድማ ይፈጥር።

ኣብ መንጎ ሓጋጊ ኣካል፡ ፈጻሚ ኣካልን ፈራድን ናይ ስልጣን ምፍልላይ፡ ልዕልና ሕጊ ምርግጋጽ፡ ምንጻር (definition) ዕማም መንግስትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ንቍጠባዊ ዕብየት ወሰንቲ ረቛሒታት’ዮም። ንውድቀት ፖሊሲን ምርማስ ዕዳጋን ንምውጋድ ድማ ቅድመ-ዅነታት’ዮም። መዝገበ ቃላት ዌብስተር፡ ንምሕደራ ክገልጾ እንከሎ፣ “ኣብ ናይ ሓንቲ ሃገር፡ ንልምዓት ዝጠመተ ቍጠባውን ማሕበራውን ጸጋታት ንምምሕዳር ወይ ንምክያድ ዝዝውተር ናይ ስልጣን ኣገባብ እዩ፡” ይብል። ባንክ ዓለም (World Bank) ንምሕደራ ክገልጾ እንከሎ ድማ ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ ስልጣን በቲ ዘሎ ልምድታትን ትካላትን ክትግበር እንከሎ እዩ ይብል። እዚ ድማ መንግስታት ዝምረጹሉ፡ ዝከታተሉሉን ዝተኻኽኡሉን፡ ጥዑይ ፖሊሲታት ብኣድማዒ መገዲ ናይ ምሕንጻጽን ምትግባርን ዓቕሚ ዝድልቡሉ፡ ከምኡ እውን ዜጋታትን መንግስትን ኣብ መንጎኦም ንዝካየድ ቍጠባውን ማሕበራውን ርክባትን ውዕላትን ኣብ ዘመሓድሩ ትካላት ዘለዎም ኣኽብሮት የጠቓልል። ባንክ ዓለም፡ ምሕደራ ዝዕቀነሎም ሽድሽተ መዳያት (dimensions) ኣቐሚጡ ኣሎ። እዚኣቶም ድማ ድምጽን ተሓታትነትን፡ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ምርግጋጽን ጐነጽ (violence) ናይ ምግታእ ተኽእሎን (ዘይምህላውን ኵነትን)፡ ብቕዓት መንግስቲ፡ ጽፈት ቊጽጽር፡ ልዕልና ሕግን ከምኡ እውን ምቊጽጻር ብልሽውና’ዮም።

ፒተር ሮጀርስን መዳርስቱን ኣብ’ታ መእተዊ ንዘላቒ ልምዓት (An Introduction to Sustainable Development) እትብል መጽሓፍ፣ ድኹም ምሕደራ ንልምዓት ዕንቅፋት ምዃኑ፡ ንመስርሕ ልምዓት ዝጥምዝዝን ኣብ ድኻታት ዘይተመጣጠነ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ዝኽእልን ምዃኑ ይሕብሩ። ሰናይ ምሕደራ፡ ተሓታትነት፡ ህዝባዊ ተሳትፎ፡ ምምሕዳራዊ ዘይምእኩልነት፡ ግሉጽነትን ተገማትነትን ወይ ተነባይነትን (predictability) ከም ዝሓትት ድማ ይምጕቱ።

ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ደረስቲ፡ ተሓታትነት ክብሃል እንከሎ ሰበ ስልጣን በቶም ዘዘውትርዎም ጠባያት (ነውራማትን ቅቡላትን) ተጠየቕቲ ምዃኖም የመላኽት፣ ዘይምእኩልነት፡ ንዅሎም ሰብ ብርኪ (stakeholders) ኣብ መስርሕ ውሳነ ንኽሳተፉ ሃዋህው ይፈጥር፣ ጥዑያት ፖሊሲታት፡ ሕግታትን ስርዓታትን ብጥብቂ ምኽባር ድማ ንተገማትነት (predictability) የውሕሱ ኢሎም ይዛረቡ። ብዘይካ’ዚ፡ ሓደ ስርዓተ-ምሕደራ ግሉጽነት የዘውትር’ዩ ንኽበሃል፡ ዜጋታቱ ብዛዕባ ኵሎም እቲ መንግስቲ ዝወስዶም ስጉምትታትን ፖሊሲታትን ብንጹር ክሕበሩ ይግባእ ይብሉ።

ብመሰረት ካልደረሲ ዝተባህለ ናይ ስነ ቍጠባ ክኢላ፣ ቍጠባዊ ዕብየት ክረጋገጽ ዝኽእልን ናይ ወጻኢ ወፍሪ ኣድማዒ ዝኸውንን፡ መንግስታት ድሮ ኣብ ቅኑዕ መስመር ምስ ዝህሉዉ፡ ቀዳምነታቶም ምስ ዘለልዩን ዘነጽሩን፡ ዘርቀቕዎም ፖሊሲታት ምስ ዘተግብሩን፣ ከምኡ እውን ቍልፊ ትካላት (key institutions) ከማዕብሉ እንከለዉን’ዩ ይብል። እዚ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ወጻኢ ሃገራት ዝርከባ ርእሰ ከተማታት ንዝርከቡ መጽወትቲ ክትምስጥ ምድላይ፡ ናይ ባዕሉ ምኽንያት ዘለዎ ክኸውን ይግባእ ኢሉ ይማጐት። ኮሊየርን ጋኒንግን መብርሂ ንቍጠባዊ ኣፈጻጽማ ኣፍሪቃ (Explaining African Economic Performance) ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ ዓንቀጽ፡ ኣብ መንጎ ቍጠባዊ ዕብየትን፡ መጠን ሓገዝ ልምዓት ወጻኢ ሃገራትን፡ (Overseas Development Aid – ODA) ብሰንኪ ድኹም ፖሊሲታተን፡ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣሉታዊ ዝምድና ከም ዘሎ ይሕብሩ። ፖል ኮሊየር ኣብ’ቲ ንዝወደቐት ሃገር ዳግም ንምህናጽ ዘድልዩ ሓደስቲ ሕግታት – New Rules for Rebuilding a Broken Nation – (ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ እተዋህበ) ብዝብል ኣርእስቲ ዝሃቦ ፍሉጥ ኣስተምህሮኡ፡ ንመንእሰያት ስራሕ ምፍጣርን ኣወሃህባ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝድግፍን ንጹህ መንግስቲ ከም ዘድሊ እውን ኣስሚሩሉ። “እዚ” ይብል ንሱ “ሃገራት ካብ ናይ ስርቂ ፖለቲካ ናብ ናይ ተስፋ ፖለቲካ ክሰጋገራ ክመርሐን ይክእል’ዩ።”

ዕማማት መንግስቲ

ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ ዕማማት መንግስቲ፡ ልምዓታዊ ፖሊሲታት ምሕንጻጽን ንዕኡ ንምፍጻም ወይ ንምትግባር ዝሕግዙ ስትራተጅታት ምንጻርን እዩ። መንግስታት ንተልእኾኦም ብንጹር ክገልጹ ቅሱባት’ዮ። ነቲ ቀንዲ ክብርታቶምን ዕላማታቶምን የነጽሩን ኣብ መወዳእታ ድማ ዕጫ (destiny) ናይታ ሃገር የርቅቑን። እዚ ተልእኾ’ዚ ንዜጋታት ኣገልግሎት ምሃብ፡ ልዕልና ሕጊ ምኽባር፡ ቍጠባዊ ብልጽግና ምብራኽ፡ ድሕነት ዜጋታት ካብ ውሽጣውን ግዳማውን ሓደጋታት ምውሓስ፡ ንቍጠባዊ ዕብየት ኣገዳሲ ትሕተ ቅርጺ ምውዳድ፡ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕና፡ ከምኡ እውን ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ምዕሩይ ብዝኾነ ኣገባብ ምዝርጋሕን ምሃብን፡ ምስ ጐረባብትን ማሕበረሰብ ዓለምን ንሓባራዊ ረብሓን ካልእን ኣወንታዊ ዝምድናታት ምሕብሓብ ዘጠቓልል እዩ። ኵሎም’ዞም ልዕል ኢሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ረቛሒታት፡ ህዝቢ ኣቐዲሙ ዘትዩሎም ኣብ ዝሰፈሩ ማሕበረ ቍጠባዊ ኣቀዋውማ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘእተዉ ናይ ፖሊሲ ሰነዳት ዝጥርንፉን ግሉጻትን ክኾኑ ይግባእ። ኣብ ኵሎም’ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕማማት፡ ምዕሩይነት (equity) ልዑል ኣቓልቦ ክወሃቦ ይግባእ።

ስትራተጂያዊ ውጥን ምርቃቕ እቲ ካልእ ኣገዳሲ እምነ ኵርናዕ ናይ ዝኾነ መንግስቲ ሓላፍነት እዩ። መንግስቲ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕላማታትን ፖሊሲታትን ብኸመይ ከተግብሮም ከም ዝህቅን ብግልጺ ከስፍሮ ኣለዎ። እንታይ ዓይነት ኣገባብ’ዩ ክኽተል? ውሽጣውን ግዳማውን ጸጋታት ብኸመይ ከካትት ወይ ከጎሳጉስ እዩ? ኣብ’ዚ ጻዕሪ’ዚ እቲ ብሕታዊ ጽላት እንታይ ተራ ይህልዎ? ዜጋታት ነዞም ዕላማታት’ዚኣቶም ኣብ ምፍጻም እንታይ ሓላፍነት ይስከሙ? ኣብ መንጎ እቲ ብሕታውን መንግስታውን ጽላላታት እንታይ ዓይነት ሽርክነት የድሊ? ተራ ናይ ግዳም ርእሰማል እንታይ ክኸውን እዩ? ብኸመይከ ናብ ሃገር ይፈስስ? በየናይ መገዲኸ ትጥቀመሉ? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ይጽበዩ።

እቲ ሳልሳይ መሰረታዊ ግደ መንግስቲ፡ ግሉጽነት ዝባህርያቶም ሕጋጋትን ስርዓተ-ምቊጽጻርን (regulatory mechanism) ምውዳድ’ዩ። እዚ ንናይ ዋንነት መሰላትን (property rights) ጸረ-ብልሽውና ስጉምትታትን’ውን ከጠቓልል ይኽእል። ብመሰረት ቍጠባውን ማሕበራውን ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት እስያ ፓሲፊክ (United Nations ESCAP)፡ እዚ ስርዓተ ምቊጽጻር ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፦ ሕጋዊ መሳርሒታት፡ ሕግታት፡ ኣገባባትን ኣሰራርሓታትን፡ መስርሓትን። እዞም ኣገባባት’ዚኣቶም ንብዙሓት ዕላማታት ዘገልግሉ ኮይኖም፡ ህዝባዊ ረብሓታት ምርግጋጽ፡ ንቴክኒካውን ድሕነታውን ጽፈታውን ደረጃታት (quality standards) ንምሕላው፡ ከምኡ’ውን ንልሙዳት ኣገባባት ኣሰራርሓ ተማእዛዚ (compliant) ምዃን ከም ኣብነታት ክጥቀሱ ይኽእሉ።  

ራብዓይ ዕማም መንግስቲ ድማ ንሃገራዊ ዳግመ ህንጸትን ልምዓትን ዘድሊ ክኢላ ዓቕሚ ሰብ ንምህናጽ ዝዕላምኡ ፖሊሲ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ (HDR) ምሕንጻጽ እዩ። ኣብ’ዚ ከይተመለሹ ክሓልፉ ዘይግብኦም ነገራት ኣለዉ። ነዞም ዝስዕቡ ድማ ከጠቓልሉ ይኽእሉ፦ እንታይ ዓይነት ዓቕሚ? እንታይ ዓይነት ክእለት? እንታይ ዓይነት ስነ ምግባር? እቲ ዝውሃብ ትምህርቲ ንናይ መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን ጠለብ ክኢላዊ ዕዮ (skilled labor) የማልእ ድዩ? እቲ ዝውሃብ ትምህርትን ስልጠናን ንምርምርን ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባን ምምርማርን ዘተባብዕ ድዩ? ምስ ፖሊሲታት ዳግመ ህንጸት ሃገር ዝሳነ ድዩ? ወዘተ። ኣብ መጠረሽታ ድማ ምሁር ህዝብን ዝሰልጠነ ዓቕሚ ሰብን ምፍራይ’ዩ።

ሓምሻይ ዕማም መንግስቲ ስሉጥ፡ ብዓይነቱን ጽሬቱን ምስ ዓለም ዝወዳደርን ፖሊሲታት ከተግብርን ክቈጻጸርን ዝኽእል መንግስታዊ ትካል (ቢሮክራሲ) ምህናጽ’ዩ። እዚ ቢሮክራሲ’ዚ ንኻልእ ዘይኮነ ኣገልግሎት ምሃብ’ዩ ስርሑ። ምእካብ ቀረጽ ብኣድማዒ ዝኾነ መገዲ እንተ ድኣ ዝተግበር ኮይኑ፡ ሓደ ዓቢ ክፋል ናይ ሓንቲ ሃገር ጠቕላላ ዘቤታዊ ምህርቲ/ፍርያት (Gross Domestic Product – GDP) ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣታዊታት መንግስቲ ንኽዓብን ኣገልግሎታት ምእንቲ ብኣድማዒ መገዲ ክትግበሩን ስሉጥነትን ግሉጽነትን ዝባህርያቱ ስርዓተ-ቀረጽ ምውዳድ’ምበኣር ኣገዳሲ ዕማም ናይ ሓደ መንግስታዊ መዋቕር’ዩ።  

ሻድሻይ ዕማም መንግስቲ ድልዱልን ዝተራቐቐን ትሕተ-ቅርጺ ምንጻፍ’ዩ። ዘቤታውን ግዳማውን ጸጋታት ኣጐሳጒሱ (እንተስ ብልቓሕ እንተስ ብኻልኦት ዓይነት ውዕላት)፡ ናይ መጐዓዝያ መስመራት (ናይ መሬት፡ ባሕርን ኣየርን)፡ መዓርፎ ነፈርትን ወደባትን ምውዳድ፣ ዘተኣማምን ጸዓታዊ ቀረብ ምምንጫውን ምዕሩይ ዝርጋሐኡ ምርግጋጽን፣ ቀረብ ዝስተ ማይ ምውሓስ፣ ስርዓተ-ፍሳስ (sewage system) ምውዳድ፣ ምሕደራ ጐሓፍ ወይ ዝድርበ ነገር (waste management) ምርግጋጽ፣ ምስ ዓለምና ዝኸዱ ምዕቡላት ስርዓተ-መራኸቢታት [ቅልጣፈ ዘለዎ ኢንተርነትን ተንቀሳቓሲ ስርዓተ-መርበብ (mobile network)] ምንጻፍ፣ ምስ ፋይናንሲያዊ ዓቕሚ ሕብረተሰብ ዝዳረጉ ወይ መጠነኛ ዋጋ ዘለዎም (affordable) መንበሪ ገዛውቲ ምህናጽ፣ ዝተራቐቑ ፋይናንስያውን (ባንክታት፡ ዕዳጋ ኣክስዮን – stock market፡ ኣሃዛዊ መድረኽ ክፍሊት – digital payment platform) ካልኦትን ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላትን ምህናጽ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት’ዩ። እዚኣቶም ብሕታዊ ጽላት ናይ’ቲ ቍጠባ ንኽበራበርን ንኽዓብን ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ቍጠባዊ ዕብየት’ታ ሃገር ዝተዓጻጸፈ ኣበርክቶ ክገብርን ይሕግዙ።

ስርዓተ ምሕደራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ

ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝትግበር ዘሎ ስርዓተ ምሕደራ ንንቡርነት (normalcy) ዘንጸባርቕ፣ ምስ ልሙዳት ስርዓተ-ቅጥዕታት (standrads of parctice) ዝሳነን ንመባእታውያን መትከላት ስርዓተ-ምሕደራ ዝምእዘዝን ምስ ጭውነት ዝናበብን ኣይኮነን። በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት፦

ምፍልላይ ስልጣን፦ ስልጣን ብሓደ ውልቀሰብ ዝተባሕተ’ዩ። ምፍልላይ ስልጣን ናይ’ቶም ሰለስተ መሓውራት መንግስቲ (ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ) ዝውቱር ኣይኮነን። ሃገራዊ ባይቶ ስርሑ ካብ ዘቋርጽ ወይ ካብ ዘይእከብ ርብዒ ዘመን ኮይኑ፡ ቤት ፍርዲ ናጽነት ናይ ስራሕ የብሉን። ከም ፍሉይ ቤት ፍርድን (special court)፡ ካልእ ቀጸላ (layer) ናይ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ዝተደኮነ ቤት ፍርድን ኣብ ስራሓት ቤት ፍርዲ ጣልቃ ይኣትዉን ይግባይ ዘይበሃሎም ጉዳያት ይርእዩን። ፈጻሚ ኣካል በብእዋኑ ተኣኪቡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጕዳያት ካብ ዘይዝቲ መዋእል ኮይኑ። ሓደ ነቲ ሓደ ዘይቈጻጸረሉ ኵነታት ሳዕሪሩ።

ተሓታትነት፦ ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ዝተማእከለ’ዩ። ንዝኾነ ካልእ ኣካል ድማ ተሓታቲ ኣይኮነን። ብሃገራዊ ባይቶ ይኹን ብፕረስ ዘይሕተት ኣከያይዳ የዘውትር። ተግባራት መንግስቲ ምጽብጻብ ኣይግበረሉን። ኣጠቓቕማ መንግስታዊ ጸጋታት ብዕምሉግሉግ ዝበለ መገዲ ይፍጸም። ቍጠባ ተመሓይሹዶ ኣይተመሓየሸን? ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተዋሂቡዶ ኣይተዋህበን፣ ምዕሩይዶኸ ነይሩ? ጽሬቱኸ? ህዝቢ ብመነባብሮኡ ዓጊቡዶ ኣይዓገበን? ደቁኸ ጽሬት ዘለዎ ትምህርቲ ይባጽሖምዶ ኣሎ? ዝምድናታት ሃገር ምስ ጐደቦ፡ ምስ ዞባን ዓለምን ተመሓይሹዶ ደልዲሉዶ? ኣምሳያ ናቱኸ ረብሓታት ሃገር ኣብ ምቕዳም ኣበየናይ ደረጃ ተበጺሑ? ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ንህዝቢ ዝህብዎ ኣገልግሎት ኣዕጋቢ ድዩ? ብመንፍዓቶምን ድኽመታቶምንከ ተሓተትቲ ድዮም? ንዝብሉ ሕቶታት ዝምልስ ኣይኮነን።

ሰብኣዊ መሰላት፦ ብኵራት ሓርነታት እምነት፡ ኣምልኾ፡ ምሕሳብ፡ ምዝራብ፡ ምውዳብ፡ ምጽሓፍ፡ ነጻ ምንቅስቓስ፡ ዋንነትን ሓሳብካ ምግላጽን፡ ብዘይ ጭቡጥ መርትዖ ምእሳር፡ ብኵራት ብኣካል ኣብ ፍርዲ ናይ ምቕራብ መሰል (habeas corpus): ንቤት ፍርዲ ተሓታትነት ዘይብለን ኣብያተ ማእሰርትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘውርድኦ ግፍዕን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንባህሪ ናይ’ቲ መንግስቲ ዝገልጹ ተግባራት’ዮም።

ትካላውነትን ትካላዊ ኣሰራርሓን፦ ኣብ ኤርትራ ትካላትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ካብ ዝበርስን ውልቀ-ምልኪ ሱር ካብ ዝሰድድን ሓያለይ ኮይኑ’ዩ። ውልቀ-ምልኪ፡ ቅጥዕን ኣሰራርሓን መንግስቲ ዝቦኽሮ ኣከያይዳ መለለዪ ባህርይ ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት’ዩ። ብሕጽረት ተሓታትነት፡ ሰንኮፍ ትካላትን፡ ብልሽውናን ብኩልነትን ዝልለ ድኹም ምሕደራ፡ ንምርግጋእ ሃገር ኣስጋኢ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ብግዴኡ ኣብ ዜጋታት ተስፋ ናይ ምቝራጽ መንፈስን ዘይምትእምማንን ፈጢሩ ኣሎ።  እዚ ትካላት ናይ ምብሕጓግን ምልማስን መስርሕ፡ ናብ’ቲ ሓጋግን ፍርዳውን ኣዕኑድ መንግስቲ’ውን ልሒሙ’ዩ። ናይ መወዳእታ ኣኼባ ሓጋጊ ኣካል (ሃገራዊ ባይቶ) ካብ ዝጽዋዕ ዕስራን ክልተን ዓመታት ኮይኑ። እቲ ኣብ ሓደ ሰብ ዝተማእከለ ምሕደራ፡ ንትካላት ብፍላይ ድማ ንዝተነጸረ ዕማምን ፖሊሲን ዘለዎም መንግስታዊ ኣካላት የቆናጽብን ይንዕቅን። እዘን ትካላት’ዚኣተን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰበ-ስልጣን ህግደፍ ይስገራ እየን። ካቢነ ሚኒስተራት ዳርጋ ኣይእከብን እዩ፣ ኣብ ዝተኣከበሉ እዋን እውን እንተ ኾነ ካባ ምስጢር ተጐልቢቡ’ዩ ዝሰርሕ፣ እቲ ህዝቢ ድማ ፈጺሙ ሓበሬታ ኣይረክብን።  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንትካላት ኣዳኺምዎ’ዩ። መሽሚሾም’ዮም እዮም እንተ ተባህለ ከም ምግናን ክቑጸር የብሉን። እዚ ብግዴኡ ኣብ’ቶም ትካላት እምነት ከም ዘይህሉ ኣኽኢሉ’ዩ። ብዘይካ’ዚ ሚኒስትሪታት መንግስቲ ኣድማዒ ብዝኾነ መገዲ ንኸይሰርሑን ዓቕሚ ንኸይድልቡን ኣስተዋጽኦ ገይሩ’ዩ።  

ግሉጽነት፦ ባጀት (ኣታውን ወጻእን)፡ ተደጋጋሚ/ስሩዕ ባጀት (recurrent budget)፡ ኵናት ምእዋጅ፡ ልምዓታዊ ውጥናት ምትግባር፡ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት (national security)፡ እቶት ዕደና፡ ካብ ዲያስፖራ ዝእከብ 2%ን ካልእን፡ ዓመታዊ ዕብየት ቍጠባ ኣብ በበይኖም ጽላታት (ሕርሻ፡ ምስናዕ፡ ኣገልግሎታት) (GDP)፡ ኣታዊታት ሃገር ካብ ቀረጽ (tax)፡ ግሉጽነት ኣብ ሊቸንሳ ኣውሃህባ፡ ኣታዊታት ብህግደፍ ዝመሓደራ ዋኒናት (ዋኒነ-ትካላት)፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ወዘተ ዝበሃሉ ነገራት ኣብ መዝገበ ቃላት ናይ’ቲ ስርዓት ልሙዳት ኣይኮኑን።

ምምኽካር (consultation)፦ ልምዲ ናይ ምምኽኻር የለን እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ጉዳያት ሃገር ምስ ህዝብስ ይትረፍ ምስ ባይቶ’ውን ምውኽኻስ ዘይግበረሉ፡ ምስጢራዊ ኣሰራርሓ ሳዕሪሩ፡ ህዝቢ ክጸናጸን እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ፍልጠት ወይ ሓበሬታ ተመርኲሱ ኣብ ዝምልከቶ ጉዳይ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ኣይፈልጥን። ውግእን ሰላምን ብዊንታ ሓደ ሰብ ይፍጸሙ። ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት’ውን ከምኡ።

ሳዕቤናት ብኵራት ሰናይ ምሕደራን ክትኰረሎም ዝግባእ ንጽባሕ ዘይበሃሉ ቀደምትታትን

ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ኤርትራ ኣብ ኣሰካፊ ኵነታት ትርከብ። ናይ ክልተ ወለዶ ዓቕሚ ባኺኑ፣ ማሕበራዊ መዋቕር (social fabric) ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ንምዕናው ለይትን መዓልትን ብመደብ ተሰሪሑሉ፣ ኣብ ነዊሕ ዓመታት ዝተነድቀ ብብዙሕነት ዝልለ ባህሊ ዓንዩ ወይ በሪሱ፣ ዘይግቡእ ምግፋዕን ምቊጽጻርን ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ግኑን ኮይኑን ግዝኣተ ሕጊ ተረጊጹ ሕገ-ኣልቦነት ሳዕሪሩን ዝኾነ ተቓዋሚ ድምጺ/ታት ብሓይሊ ወይ ብጐነጽ ተዓፊኑ።

መንእሰያት ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ድፋዓትን መዳጐኒ ቦታታትን ተሓዪሮም፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብጃምላ ናብ ስደት ኣምሪሖም፣ ምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ልሙድ ኮይኑ፣ ነባራት ተጋደልቲ ተዋሲኖም (marginalized)፣ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ሓይልን ምትላልን ብዝተሰነየ መገዲ ኣብ’ቲ እቲ ስርዓት ዝደልዮ ብኲል ትረኻ (narrative) ከም ዝርዕም ንምግባር ጻዕርታት ክግበር ጸኒሑን ኣሎን።

ኤርትራ ካብ ጐረባብታን ዓለምን ተነጺላ። እቲ ፖለቲካዊ ኵነታት ብዘሰክፍ ደረጃ ተበላሽዩ እዩ። ፖለቲካዊ ምርግጋእ ንማለቱ እውን የለን። ዜጋታት፡ መራሕቶም ነቲ መንግስቲ ብብቕዓት ንምምራሕ ብዘይምኽኣሎም ናይ ተስፋ ምቚራጽን ዘይምትእምማንን ስምዒት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ምዕስካር መላእ ሕብረተሰብ (militarization of society) ሓደ ካልእ መለለዪ ባህርይ ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኵነታት’ዩ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መላኺ ስርዓት ነቲ ሕብረተሰብ ንምቍጽጻር ዝጥቀሙሉ ሜላ’ዩ። ፋይዳ ድማ የብሉን። ከመይሲ ዕጫ ዝተፈላልዩ ወለዶታት ስለ ዘባኽንን ሃገር ናይ ዜጋታታ ተበግሶን ፈጠራነትን ንኸይትጥቀም ስለ ዝገትእን። 

ሓደ ካልእ ኣገዳሲ ባህሪ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ንዝተፈላለዩ ኮማት ኣሲሩ ዝሕዝ ዝነበረ መጣበቒ (ሓያል ፈትሊ) ተዳኺሙ ምህላዉ እዩ። ኣብ ትካላት ዝነበረ እምነት ማህሚኑ፡ ኣብ መንጎ ዜጋታት ድማ ምፍልላያት ፈጢሩ። ማሕበራዊ ምፍልላይ እናዓሞቐ ብምምጽኡ፡ ናይታ ሃገር ብዙሕነት ኣብ ክንዲ ንሃገራዊ ሓበን፡ ንፖለቲካዊ መኽሰብ ህግደፍ ተመዝሚዙ።    

ከም ሳዕቤን ናይ’ዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ብኵራታት፡ ኣብ ቍጠባዊ መዳይ ሽቕለት ዝፈጥሩ ቊጠባዊ ትካላት ይትረፍሲ ክዕምብቡ፡ እቶም ዝርካቦም’ውን እናተዳኸሙ ይመጹ ከም ዘለዉ’ዩ ዝፍለጥ። እቶም ዝርካቦም ካብ ዕደናን ኮንትሮባንድን ካልኦት ብህግደፍ ዝውነኑ ትካላትን ዝምንጭዉ ኣታዊታት ከም ወትሩ ኣብ ምሕያል ናይ’ቲ ሰራዊት (ኣጽዋር፡ ስልጠና፡ ሎጂስቲክ ወዘተ)፡ ምድልዳል ጸጥታውን ስለያውን ትካላትን ምድንፋዕ ናይ ፕሮፓጋንዳ ትካላትን (እንተላይ ፈስቲቫላትን በዓላትን) እዮም ዝውዕሉ። ብኣጠቓላሊ ድማ ኣብ ምሕያል’ቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት።

ህዝቢ መነባብሮኡ ዝመሓየሸሉ ኵነታት ክፍጠረሉስ ይትረፍ ናይ ሽቕለት ዕድላቱ’ውን ዝማህመነ’ዩ። ውሕስነት ምግቢ ዛጊት ኣይተረጋገጸን ዘሎ። ውሕስነት ምግቢ ክንብል እንከለና ዝተመጣጠነ ምግቢ ማለት’ዩ። ድኹም ብሕታዊ ጽላትን ብኵራት ውሽጣውን ግዳማውን ንወፍሪ መለለዪ ባህሪ ናይ’ቲ ቍጠባ’ዩ። ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ዝግበር ወፍሪ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።  ንውልቃዊ ተበግሶ ዘዳኽም እንተ ዘይኮይኑ ዘተባብዕ ባይታ የለን።  ኣብ መንጎ መንግስታውን ብሕታውን ጽላታት ዘሎ ዝምድና ኣብ ዘይምትእምማን ዝተሞርኰሰ’ዩ።

ቍጠባ ኤርትራ ብኣብዝሓ ኣብ ቃጽዖ ዝተመስረተን መጠነ-ንኡስን (small scale) ሕርሻ ዝተመስረተ’ዩ። ዘመናዊ ሕርሻ ጌና ኣይተኣታተወን ዘሎ። ምስናዕ (manufacturing) ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ጽላት’ዩ፣ ግንከ ከም’ቲ ዝድለ ዘይማዕበለ ጽላት። ከም ቱሪዝምን ፋይናንሲያዊ ኣገልግሎታትን (services) ዝህብ ጽላት ጌና ኣብ እግረ ተኽሉ’ዩ ዘሎ እንተ ተባህለ ከም ምግናን ኣይቁጸርን። ብኣጠቓላሊ ክርአ እንከሎ፡ ናይ ኤርትራ ቍጠባ ብዕንጋሎ ቍጠባ (subsistence economy) እዩ ዝግለጽ። እቲ እንኮ ንሰደድ ዝበቕዐ ናይ ምስናዕ ጽላት ዕደና ወርቂ፡ ነሓስን ዚንጎን (zinc) እዩ። ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ናይ ፖታሽ ሰደድ ክጅመር ድማ ትጽቢት ይግበረሉ። ኤርትራ ሓደ ሽሕ ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ እትውንን ሃገር’ያ። ምዝመዛ ሃብቲ ባሕሪ ግን ጌና ዘይተጀመረ ጽላት ቍጠባ’ዩ። ብዘይካ’ዚ ከም ዓሳ፡ እርያ ክቡራት ዕንቍታት፡ ነዳዲ ወዘተ ዝኣመሰሉ ጸጋታት ክትድህስስን ክትጥቀመሎምን ዝነበራ ሃገር’ያ። ብኣማእታት ሚሊዮናት ዝትመን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣታዊ ክገብር ዝኽእል ናይ ቱሪዝም ኢንዱስትሪ’ውን ከምኡ። ምስ’ዚ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ምውዳድ ፋይናንሲያዊ ኣገልግሎት’ውን ኣሎ። እዚ’ውን እንተ ኾነ ዛጊት ኣይተመዝመዘን። ኤርትራ ወደባታ ክህብዎ ካብ ዝኽእሉ ኣገልግሎታት ክትረኽቦም እትኽእል ረብሓታት’ውን ነይሮም’ዮም። ንኣብነት ኣብ 1994/95 ዓ.ም. ወደብ ዓሰብ 73% ናይ ኢትዮጵያ እታውን (imports) 51.7% ሰደድን ከተእንግድ እንከላ ጂቡቲ ግን 0.8% ናይ ኢትዮጵያ ኣታዊታትን 3.2% ሰደድን ተአንግድ ነይራ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ወደብ ጂቡቲ 95% ናይ ኢትዮጵያ ሰደድን እታውን (import) ተአንግድ። ኢትዮጵያ ድማ ኣምሳያ ናይ’ቲ ካብ ጂቡቲ እትረኽቦ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ንጂብቲ ኣብ ዓመት ኣስታት ሓደ ቢሊዮን ዶላር ትኸፍል። እዚ ክፍሊት’ዚ ናይ ኤርትራ ኣታዊ ነይሩ እንተ ዝኸውን እታ ሃገር ክንደይ ዝኣክል ክትጥቀም ከም እትኽእል ንምግማቱ ዘሸግር ኣይኮነን።

ሓደ ካልእ ዘይነዓቕ ምንጪ ቍጠባ ናይ’ታ ሃገር እቲ ካብ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብመልክዕ ክልተ ካብ ሚእቲ ብኣስገዳድ ዝእከብ ገንዘብን ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብመልክዕ ሓዋላ (remittance) ናብ ኤርትራ ዝልእኽዎ ገንዘብን’ዩ። ቍጠባ ኤርትራ ኣብ ሓዋላ (remittance) ዝምርኰስ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ’ቲ እቲ ህዝቢ ዝጥቀሞ እቲ ስርዓት ዝጥቀሞ ይመዝን።  እዚ ብሰሪ’ቲ መንግስቲ ዝጥቀመሉ ዘይፍትሓዊ ዝኾነ መጠነ-ሸርፊ’ዩ።  ዘይከም ካልኦት ሃገራት ግን፡ ኤርትራ ንዓቕሚ ዲያስፖራ ብዝግባእ ዘይተጠቕመትሉ ሃገር’ያ። ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፦ ሎሚ፡ ብዝሒ ናይ’ቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ-ዓለማት ዝነብሩ ቬትናማውያን ዲያስፖራ ሓሙሽተ ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። እዚኣቶም ኣብ ዓመት ክሳብ ዓሰርተ ሽዱሽተ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ብመልክዕ ሓዋላ ንሃገሮም ኣታዊ ይገብሩ። ልዕሊ’ዚ መጠን ናይ ገንዘብ’ዚ ግን ነታ ሃገር ኣብ ምልዋጥ ዓቢ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለዉ። ሃብቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ደገ ዝቐሰምዎ ክእለትን ትምህርትን ሒዞም’ዮም ናብ ዓዶም ዝመለሱ። ሓደ ሚልዮን ዝብዝሑ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ኣሎ ኢልና እንተ ድኣ ንሓስብ ኴንና፡ እቲ ብመልክዕ ሓዋላ ንኤርትራ ኣታዊ ዝኸውን ዓቐን ሸርፊ ወጻኢ ክሳብ ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ንዓመት ክኸውን ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ሕቶ ግን ካልእ’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጸጋ’ዚ ኣብ ልምዓት የውዕሎ ድዩ ኣየውዕሎን ዝብል’ዩ። እቲ መልሲ ንጹር’ዩ።

ኵሎም’ዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ሓቅታት ንዘላቒ ዕብየት/ልምዓት ዘውሕሱ ረቓሒታት ኣይኮኑን። ኣብ ኤርትራ ምዕሩይ ዝርጋሐ ድኽነት ጥራይ’ዩ ዘሎ ክበሃል ይከኣል።

ንናይ ኤርትራ GDP per capita ኣመልኪቱ ብጭቡጥ ክዛረብ ዝኽእል ዓለምለኻዊ ውድብ ኣይተረኽበን። ሓበሬታ ከም ምስጢር ስለ ዝተሓዝ። ዓለማዊ ባንክ ኣብ ናይ 2011 ጸብጻቡ፡ ናይ ኤርትራ ጂዲፒ ፐር ካፒታ (GDP per capita) $643.8 ኢሉ የቕርብ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ – IMF ብዛዕባ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ይጠቅስ። “ዘ ዎርልድ ፋክት ቡክ” (The World Fact Book) ዝተባህለ ብሲ.ኣይ.አይ. (CIA) ዝልቀቕ ጸብጻብ ኣብ 2017 ዓ.ም. ናይ ኤርትራ ጠቕላላ ዘቤታዊ ምህርቲ/ፍርያት ንውልቀሰብ (GDP per capita) $1,600 ከም ዝነበረ ይጠቅስ። እዚ ጸብጻብ’ዚ ጠቕላላ ዘቤታዊ ምህርቲ/ፍርያት ንውልቀሰብ ናይ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ነዞም ዝስዕቡ ኣሃዛት ይህብ፤ ኢትዮጵያ $ 2,440 (2022 ዓ.ም.)፡ ሱዳን $ 3,600 (2022 ዓ.ም.)፡ ጅቡቲ $ 5,000(2022 ዓ.ም.)፡ ቦትስዋና ድማ $1 5,000 (2022 ዓ .ም.)።

ብመሰረት ትረይድ ኢኮኖሚክስ (Trade Economics) ዝበሃል ናይ መጽናዕቲ ትካል፡ ኣብ 2023 ዓ.ም. ናይ ኤርትራ ጃምላዊ ዘቤታዊ ፍርያት ዕብየት 2.9% ነይሩ። ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ 7.9% ጂቡቲ ድማ 5.7% ኣመዝጊበን። ብመሰረት ጸብጻብ ናይ ኣፍሪቃ ልምዓት ባንክ (African development Bank) ሓቀኛ ናይ GDP ዕብየት ኣብ 2022 ናብ 2.3% ከም ዝወረደ ይእምት።

ኣብዞም ዝሓለፉ ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ይትረፍሲ ድልዱልን ዝተራቐቐን ትሕተ-ቅርጺ ከንጽፍ፡ ነቲ ካብ መግዛእቲ ዝተረከቦ ትሕተ-ቅርጺ’ውን ምዕቃብ ዓቕምን ፖለቲካዊ ድሌትን ዘይብሉ መንግስቲ ኮይኑ’ዩ ተጋሂዱ። መንግስቲ ክሳዕ ሕጂ ዘተእማምን ጸዓታዊ ቀረብን ማይን ክቕርብ ዘይምኽኣሉ፣ ጽርግያታት ብዝግባእ ክጽግን፡ ከግፍሕ ወይ’ውን ሓደስቲ ክሰርሕ ዘይምኽኣሉ፣ እቶም ዝርካቦም ክልተ ወደባት ከምቲ ዝድለ ክዓብዩን ጠለባት ሃገር ከማልኡን ዘይምግባሩ፣ ኢንተርነት ክዋድድ ዘይምኽኣሉ (ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕብረት ተሌኮሙኒኬሽን፡ ኣብ 2021 ዓ.ም. ካብ 100 ነበርቲ እተገብረ ምዝገባ ሞባይል ሴሉላር፡ 50 ሚእታዊት ነይሩ። ኣብ ገዝኦም ኢንተርነት ዝጥቀሙ ስድራቤታት ኤርትራ 1.92 ሚእታዊት ኮይኑ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ዝነጻጻር (18%)፡ ጂቡቲ (52.6%)፡ ኬንያ (24.1%)፡ ሱዳን (16.2%)፡ ሩዋንዳ (18.5%) እዩ (ITU, n.d.) ነይሩ።) መንበሪ ገዛውቲ ዘይምህናጽን ንህዝቢ ዘገልግሉ ፋይናንስያዊ ትካላት ዘይምውዳድን ሓደ ካልእ ኣሰካፊ ክስተት’ዩ።   

ቀዳምነታት ናይ ሓንቲ ድሕሪ ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመታት ኣብ ጐደና ምዕባለ ምዕይ ዘይበለት ሃገር፡ ነቲ ናይ ምሕደራ ጉዳይ ትኹረት ምሃብ እዩ። እዚ ድማ ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፤ ልምዓታዊ ስትራተጅኣ ንዅሉ ዝሓቁፍ ንክኸውን ጻዕሪ ምግባር፣ ንፍሉይ ኵነታታ ዝምልሱ ሃገር-ቦቀል (homegrown) ፖሊሲታት ምሕብሓብ፡ ድልዱላትን ግሉጽነት ዝመለለይኦም ትካላት ምህናጽ፡ ፖሊሲታታ ንምትግባር ዘኽእላ ስርዓተ-ኣሰራርሓ (standards of parctice) ምምዕባል፡ ከምኡ እውን ናይ ሕጊ ኣልቦነት ባህርያት ምውጋድ።

ዕማማት መንግስቲ ብንጹር ክቕመጡ ግዴታ’ዩ። ነቲ መነባብሮ ሕብረተሰብ ንምቕያር ክግበር ዘለዎ ኣስተዋጽኦ ድማ ግሉጽነት ብዘለዎ መገዲ ናብ ህዝቢ ዝባጻሓሉ ኵነታት ክፍጠር ይግባእ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ብንቡር መገዲ ንምምሕዳር ዘኽእሎ ፍሉይ ተልእኾ ኣለዎ። እዚ ድማ ፍሉይ ጠመተ የድልዮ። ምኽንያቱ ድማ ናይ ሓደ መንግስቲ ዓወት ወይ ውድቀት ኣብ ናይ’ዞም ተልእኾታት ኣተሓሕዛ፡ ምሕደራን ምምእዛንን ስለ ዝምርኰስ።

መንእሰያት ኣፍረይቲ ክኾኑ ብፍልጠት ዝሰነቑ፡ ምስ’ቲ ዓለም በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ምዕባለ (ስነ-ፍልጠት፡ ተክኖሎጂ፡ ስነ ጥበብ፡ ስፖርት ወዘተ) ክላለዩ ጥራይ ዘይኮነስ ክመልክዎምን ክጥቀሙሎምን ከም ዝኽእሉ ምግባር፡ ልዑል ስነ-ምግባርን ማሕበራዊ ክብርታትን ዘሳስዩ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ድማ ዘተግብሩ፡ ሃገሮምን ህዝቦምን ዘፍቕሩ፡ ብሃገሮም ዝንየቱ፡ ንመሰሎም ንምጥባቕ ድሕር ዘይብሉ፡ ንምርምርን ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባን (critical thinking) ዘጋልጾምን ዘላልዮምን ትምህርቲ ክቐስሙን ስልጡናትን ፍልልያት ዝጻወሩን ንክኾኑ ዘኽእሎም ትምህርቲ ከም ዝቐስሙ ምግባር ኣገዳሲ ናይ ፖሊሲ ባእታ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ዘይተፈተነ ኣይኮነን። ክንደይ ሰብ ሞያ ንትምህርትን ስልጠናን ንወጻኢ ዘይተላእኩ። ክንደይ ተመሃሮ ንልዑል ትምህርቲ ናብ ከም ብዓል ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰላ ሃገራት ዘይተላእኩ። ውጽኢቱ ግን ኣዕጋቢ ኣይነበረን። ተማሂርካ መጺእካ መተባብዒ (ብመልክዕ ደሞዝ፡ ሓላፍነት፡ ናይ ስራሕ ርውየት፡ ወዘተ) ዘይትረኽበሉ እንተ ዄንካ፡ ብሞያኻ ንኽትሰርሕ ወይ እውን ከተገለግል ዘመቻችው ትካላዊ ኣሰራርሓ እንተ ዘየልዩ፡ ወይ እውን ከም ብዓል ሞያ መጠን ዝግበኣካ ኣኽብሮት ዘይትረክብን መተባብዒ (incentive) ዘይብልካን ምስ እትኸውን፡ ሞያኻ ኣብ መዓላ ምውዓል በዳሂ እዩ። በዞም ዝተጠቕሱ ምኽንያታት ከኣ’ዩ ውጽኢቱ ኣዕጋቢ ኣይነበረን ዝበሃል።

ሰሪቲ ብኩል ስርዓተ-ምሕደራ፡ ድሕሪ ምእላይ ምልኪ’ውን እንተ ኾነ፡ እቲ ሕብረተሰብ ናብ ዓሚቝ ፖለቲካዊ ምክፍፋልን (ንስልጣን፡ ስነ-ሓሳብን ዕጫ ሃገርን ኣብ ዝምልከቱ ሕቶታት) ምውጣጥን ከምርሕ ይኽእል’ዩ። እምበኣርከስ ሓደ ሕጋዊ ዝኾነ ርጉእ ስርዓተ-ምሕደራ ምውዳድ፣ ጽባሕ ዘይበሃሎ ጉዳይ ክኸውን’ዩ። እዚ ብግዴኡ፡ ንዝተፈላለዩ ተራጸምቲ ዝመስሉ ኣተሓሳስባታት ምትዕራቕ፡ ውጥጥ/ምሽማው ስልጣን ምምሕዳርን ህዝቢ ኣብ ትካላት እምነት ከም ዝህልዎ ምግባር ጻዕርታት ክሓትት’ዩ።

ምልካውያን ስርዓታት መብዛሕትኡ ግዜ ንቍጠባ ሃገር ኣብ ሕንፍሽፍሽ፡ ብኩልነትን ምውሳን (marginalization) ናይ ኣገደስቲ ጽላታት ናይ’ቲ ቍጠባን የምርሑ’ዮም። እዚ ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ግሁድ’ዩ። ትሕተ-ቅርጺ ምህናጽን ቍጠባዊ ምርግጋእ ምርግጋጽን ሓደ ኣዝዩ ዓቢ ብድሆ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ጉዳይ ሽቕለተ-ኣልቦነትን ዝቕባበን ብዕቱብ ምፍታሕን ዋኒነ-ትካላት ንኽህነጻ ምጽዓርን ወፍሪ ምትብባዕን ክሓትት’ዩ። እዚ ኣዝዩ ዘገም ዝብል መስርሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ።  

ኣብ ግዜ ምልኪ ዝተዘርአ ዘይምትእምማን ክቕጽል ተኽእሎ’ውን ኣሎ። እዚ ብግዴኡ ማሕበራዊ ስኒት ንኸተውሕስን ሃገራዊ መንነት ንምስራጽን ርእሱ ዝኸኣለ ብድሆ ክኸውን’ዩ።

ብዛዕባ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ኢፍትሓዊ ዝኾኑ ተግባራትን ግቡእ ኣቓልቦን መልስታትን ምርካብ ድማ ኣዝዩ ጥንቃቐ ዝሓትት ጉዳይ ክኽውን’ዩ።

ብሰንኪ እቲ ውልቀ-ምልኪ ዝኽተሎም ዝነበረ ግጉያት ናይ ወጻኢ ፖሊሲታት ዝተበላሸዉ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ንምዕራይን ኣህጉራዊ ምትሕብባር ንምውሓስን ብድሆታት ክህልዉ’ዩም። ኣብ ከባቢና ክህሉ ዝኽእል ዘይምርግጋእ ኣብ ልዕሌና ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ኣብ ግምት ምእታውን ከመይ ጌርና ከም እነማሕድሮምን እንሰግሮምን ምሕሳብን ከድልየና’ዩ። ምስ ጐረባብቲ፡ ከባብን ዓለም ከመይ ጌርና ከም እንዋሳእ ምፍላጥ’ውን ከድለየና’ዩ።

ናይ ምጽውዋር ባህሊ ብምትእትታው ጸጥታ ምውሓስን ጐነጽ ምውጋድን’ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕማም ክኸውን’ዩ።

መደምደምታ

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝርኤናዮ፡ ተመጋጋቢ ዝምድና ሰናይ ምሕደራን ቍጠባዊ ምዕባለን ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ። ብግሉጽነት፡ ተሓታትነትን ሓያላት ትካላትን ዝልለ ኣድማዒ ምሕደራ ንዘላቒ ቍጠባዊ ዕብየት ምቹእ ሃዋህው ይፈጥር። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ትርኑዕ (robust) ቍጠባዊ ምዕባለ ነቲ ንምሕደራ ዘድሊ መዋቕራት ንምሕያል ዘኽእሉ ጸጋታት ከቕርብ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ብሓባር ድማ ነንሓድሕዱ ዝመላላእ፡ ብልጽግና፡ ማሕበራዊ ምዕሩይነትን (social equity) ብቐሊሉ ናብ ንቡር ዝመልስ ኵነት-መነባብሮን (resilience) የውሕሱ።    

ነዚ ሲነርጂ ንምውሓስ ደይ መደይ ኢልካ (deliberately) ናይ ፖሊሲ ሕርያታት፡ ሓቋፊ መሪሕነትን ንጡፍ ህዝባዊ ተሳትፎን ይሓትት። ምስ ቍጠባዊ ስትራተጂ ኣትሓሒዘን ምሕደራዊ እረማ (governance reform) ከም ቀዳምነተን ዝሰርዓ ሃገራት፡ ውሽጣዊ ዓቕመን ብዝለዓለ ደረጃ ክምዝምዛ፡ ዘይምዕሩይነት ክንክያን ሓባራዊ ገስጋስ ከውሕሳን ብልጫታት ኣለወን። ግሎባውያን ብድሆታት እናዓበዩን እናተመሓላለኹን ኣብ ዝመጹሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ኣብ መንጎ ምሕደራን ቍጠባዊ ገስጋስን ዘሎ ዝምድና እናዓሞቐ ክኸይድ’ዩ። እዚ ብግዴኡ ንሓድሕዳዊ ዝምድንኦም ጠቓሚ ጥራይ ዘይኮነስ ንርጉእን ብሩህ መጻኢን ውሕስነት’ዩ።  

መወከሲታት

African Development Bank, https://www.afdb.org/en/countries/east-africa/eritrea/eritrea-economic-outlook  Accessed on June 21, 2024

Calderisi, Robert, The Trouble with Africa, Why Foreign Aid is not Working, New York, Palgrave Macmillan, 2006, p. 160

Central Intelligence Agency, https://www.cia.gov/the-world-factbook/field/real-gdp-per-capita/countrycomparison/ Accessed on June 21, 2024

Collier, Paul and Jan Willem Gunning, “Explaining African Economic Performance, Journal of Economic Literature 37, no. 1, 1999, p. 64, 111

Collier, Paul Collier, New Rules for Rebuilding a Broken Nation, TED Global, 2009

Guled, Ahmde, Djibouti needs a Plan B for the post-Guelleh era, Middle East Institute, July 20, 2021, https://mei.edu/publications/djibouti-needs-plan-b-post-guelleh-era  Accessed on May 24, 2025

Rogers, Peter P, Kazi F Jalal, and John A Boyd, An Introduction to Sustainable Development, London, Earthscan, 2009, p. 62

Solomon, Semere, ኣበርክቶ ንመርሓ-ጐደና ቍጠባዊ ልምዓት ኤርትራ፡ ብመንጽር ምርኰሳ ኣብ ዘቤታዊ ጸጋታትን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን, April 2025, USA

Solomon, Semere, ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን, Jan. 2025, USA

Solomon Semere, ኤርትራ፡ ንቕድመ-ለውጥን ድሕረ-ለውጥን ዝምልከቱ ገለ ገለ ሓሳባት ካልኣይ ክፋል (ናይ ክትዕ ወረቐት), March 2025, USA

Tazebew, Tezera, Ethiopia’s Quest for Utilizing the Port of Berbera, Somaliland, since 2010: Drivers, Processes, and Challenges, JES Vol LVI, No. 1 (June 2023)

The Economist, Vietnam’s diaspora is shaping the country their parents fled – As well as sending remittances, many are returning to their homeland, May 22, 2025|

TradeEconomics, https://tradingeconomics.com/country-list/gdp-per-capita-pppp?continent=africa  Accessed on June 21, 2024

United Nations Economic and Social Commission for Asia and the Pacific, https://www.unescap.org/ttdw/ppp/ppp_primer/51_functions_of_a_regulator.html  Accessed on September 25, 2023

Webster’s II New Riverside University Dictionary, Boston, The Riverside Publishing Company, 1984

World Bank, https://data.worldbank.org/indicator/NY.GDP.PCAP.CD Accessed on June 21, 2024

World Bank, Worldwide Governance Indicators, A global compilation of data capturing household, business, and citizen perceptions of the quality of governance in more than 200 countries and territories, http://info.worldbank.org/governance/wgi/index.asp  Accessed on October 11, 2023

Comments

  1. Brilliant and well thought through articles. Thank you Semere for your continuous effort to enlighten the state of our state and how we can get out of the quagmire we’ve found ourselves in.

Leave a Reply

XHTML: You can use these tags: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <s> <strike> <strong>