ኣበርክቶ ንመርሓ-ጐደና ቍጠባዊ ልምዓት ኤርትራ

ኣበርክቶ ንመርሓ-ጐደና ቍጠባዊ ልምዓት ኤርትራ

ብመንጽር ምርኰሳ ኣብ ዘቤታዊ ጸጋታትን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን  

ብሰመረ ሰሎሞን

10 ሚያዝያ 2025

መእተዊ

ንቍጠባዊ ልምዓታዊ መርሓ-ጐደና ንምርቃቕ ዝሕግዙ ገለ ገለ መርሓ-ሓሳባት ቅድሚ ምቕራብ፡ ብዛዕባ ልምዓት ከም ኣምር መጠን ምዝራብ፡ ልምዓታዊ ወፍርታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኵነታት ከም ዝካየዱ ምርኣይ፡ ዘቤታዊ ልምዓት ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ስርዓተ-ቍጠባ ተነጻጺሉ ክርአ ከም ዘይብሉ ምግንዛብን ኣብ መጨረሽታ ድማ ዘቤታዊ ልምዓታዊ ወፍሪ ንምክያድ ኣብ ዓለም ክሳብ ሕጂ ዝተጠርዩ ተመክሮታትን ምህሮታትን ገናጺልካ ምስትምቓርን ምዅምሳዕን ዘድለ መሲሉ ይርኣየኒ።

ልምዓት ከም ኣምር

ሕብረተ-ሰባት ብባህሪኦም ኣብ ህይወቶም ኣዎንታዊ ለውጥን ምምሕያሽን ንኸምጽኡ ይጽዕሩ፣ ነዚ ንምዕዋት ድማ ራእይታቶም ንምቕራጽ ኣብ ዝካየድ ናይ ምምኽኻር መስርሕ ብንጡፍ ይሳተፉ። ነፍስ-ወከፍ ሕብረተሰብ ናይ ባዕሉ ፍሉያት ባህርያት ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ዝብህጎ ለውጢ ንምግሃድ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ መገዲ ወይ ስትራተጂ ይመርጽ። እዞም ስትራተጅታት’ዚኣቶም፡ ምስ ፍሉያት ኣብ’ቲ ሃገር ዝተዀስኰሱ ዕላማታትን ኵነታትን ዝቃደዉን ዝናበቡን’ዮም። ናህሪ ኣሰጓጕማ ናይ’ቲ ልምዓታዊ መስርሕ ድማ ባዕሎም ይቆጻጸርዎን ይውስንዎን።  

ልምዓት እምበኣር መሰረታዊ ድሌታት ኣማሊኡ ውሑስ ህይወት ንምምራሕ ዕድል ዘቕርብ ወይ ዝህብ ዳይናሚካዊ ኣምር እዩ። ልምዓት ናይ ፈጠራን ምህዞን ዓቕሚ የዕቢ፡ ዝሓሸ መጻኢ ንምውሓስ ድማ ማዕጾ ይኸፍት። ብቐንዱ፡ ልምዓት ንዘቤታዊ ባህግን ጠለባትን ዘማእከለ፡ ብዘቤታዊ ተበግሶ ዝድረኽ፡ ብህዝብን፡ ባዕሉ ብዝመረጾም መራሕቱን ዝተሓቚፈ ክኸውንን እውን ይግባእ። ልምዓታዊ ተበግሶ ዝተሓላለኸ መስርሕ ብምዃኑ፡ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ኣብ ግብሪ ኽውዕል ዘኽእል እንኮ መፍትሐ-ግድል (formula) ወይ ድማ ንዅሉ ዝመጣጠን ሓደ ዓይነት ዓቐን (one size fits all) መፍትሒ የለን። እቶም መፍትሒታት፡ መምስ’ቲ ኵነታት ዝዛመዱን ምስ ፍሉያት ድሌታትን ኵነታትን ነፍስ ወከፍ ሕብረተ-ሰብ ዝሰማምዑን ክኾኑ ይግባእ።

ቍጠባዊ ዕብየት ዘላቒ ምእንቲ ክኽውን ሓቛፊ፡ ንዅሉ ብማዕረ ዘሳትፍ፡ ካብ’ዚ ሓሊፉ ድማ ምዕሩይ ዝርጋሐ ጸጋታት ሃገር ዘውሕስን ኣከባብያዊ ጸጋታት ንኽዕቐቡን ከይበርሱን (depeletion) ድማ ብሓላፍነታዊ ዝኾነ መገዲ ምጥቃምን ኣገዳሲ’ዩ። ከም’ቲ ሓደ ሓደ ናይ ስነ-ቍጠባ ክኢላታት ዝብልዎ፡ ልምዓት ከም ሓደ ንማሕበራዊ መዋቕራት፥ ህዝባዊ ኣመለኻኽታታት፡ ሃገራው ትካላት፡ ቅልጣፈ ቍጠባዊ ዕብየት፡ ምንካይ ዘምዕሩይነትን ንድኽነት ካብ ሱሩ ናይ ምምሓውን ተግባራት ዘጠቓለለ ዅለንተናዊ መስርሕ’ዩ። ብቐንዱ ድማ ካብ ሓደ ዘየዕጋቢ ኵነታት መንባብሮ ህዝቢ ናብ ዝሓሸ ኵነታት ንምምራሕ ዘኽእል ናይ ለውጢ ጉዕዞ’ዩ።

ኣህጉራውያን፡ ዞባውያንን ኮኑ ናይ ጐደቦ መሻርኽትን፡ ተክኖሎጂያዊ፡ ተክኒካዊን ፋይናንስያውን ሓገዛትን ንልምዓት ደገፍ ኣብ ምሃብ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉ’ዮም። እዚ ደገፍ’ዚ ግን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኵነታት ነቲ ናይ ተጠቃሚ ማሕበረ-ሰብ መሪሕነት፡ ውሽጣዊ ጸጋታት፡ ጻዕርታትን ተወፋይነትን ክትክእ ከም ዘይክእልን ከም ዘይብሉን ምግንዛብ ግን ግድን እዩ። ሓንቲ ሃገር እትስስንን እትብልጽግን፡ ናይ’ቲ ህዝቢ ብልጫታት፡ ጻዕርን መሃዝነትን ክበራበርን ክዕንብብን ምቹእ ባይታ ምስ ዝፍጠረሉ እዩ። ሰናይ ምሕደራ ምጥያስ’ምበኣር ኣፍራይነት (productivity) ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበጽሕ ውሕስነት ይህብ። ወፍሪ ልምዓት፡ ናይ ውልቀ ሰባት ፈጠራነትን ናይ’ቲ ብሕታዊ ክፋል ኣበርክቶን ከም ቀንዲ ረቛሒ ይጠልብ።  

እቲ ብዩ.ኤን.ዲ.ፒ. (UNDP) ዝቐረበ ጸብጻብ ሰብኣዊ ልምዓት 2011 ዓ.ም.፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ልምዓታዊ መስርሕ፡ ንምዕሩይነትን ዘላቕነትን ኣብ ቅድሚት ይሰርዕ። እዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዘላቕነት በቲ ሓደ ወገን ጉዳይ ምዕሩይነት ድማ በቲ ሓደ ዘሎ ዝተሓላለኸ ምትእስሳር የጕልሕ። እዚ መትከል’ዚ፡ ልዑል ደረጃ ዘለዎ ህይወት ንምስትምቓርን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽን ዘማእከለ ኢዩ። ዘላቕነት ክብሃል እንከሎ ብንቕሓት፡ ህይወትና ከመይ ጌርና ክንመርሖ ከም እንመርጽን፡ ከምኡ ድማ ኵሉ’ቲ እንገብሮ ኣብ’ቶም ከማና ዝኣመሰሉ ሸውዓተ ቢልዮን ህዝብን ኣብ’ቶም ዝስዕቡ ካልኦት ብቢልዮናትን ዝቚጸሩ ተካእቲ ወለዶታትን ሳዕቤን ከም ዘለዎ ምግንዛብ ከም ዝጠልብ እቲ ጸብጻብ የስምረሉ።

ንጠለባትን ቀዳምነታትን ሕብረተሰብ ብዝበለጸ ንምርዳእን ንምትብባዕን ዝግበር ጻዕሪ፡ መብዛሕቴኡ ግዜ ኣገዳስን ጽልዋ ዘለዎን ውጽኢት ንምርካብ ዝቐለለ ከም ዝኸውን ይገብሮ። ከምኡ ብምግባር፡ መሻርኽቲ ልምዓት፡ ኣብ ዘላቕነት ዘለዎም ተበግሶታት ክነጥፉን ከም መሻርኽቲ ዘለዎም ግቡኣት ክፍጽሙን ይኽእሉ። ብመሰረቱ፡ ዕላማ ልምዓታዊ ተበግሶታት፡ ንዜጋታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ኵነታቶም፡ ናብ’ቲ ባዕሎም ኣብ ኣእምሮኦም ዝሰኣልዎ መጻኢ ንኽበጽሑን ኣብ ፍረ ንኸብጽሑዎን ምሕያል እዩ።

ባህሊ ኣብ ግስጋሰ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ጸላዊ ረቛሒ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ባህሊ፡ መንነት ሓደ ሕብረተ-ሰብ መንነት ይቐርጽ። ንዘቤታዊ ግስጋሰ ዝሕግዝ ናይ ሕብረተ-ሰብኣዊ ኣባልነት (belongingness) ስምዒት ድማ ይፈጥር። ባህሊ ማሕበራዊ ስጥመትን ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስን የደንፍዕ። ብባህሉ ዝንየትን ብመነንቱን ትሪኹን ዝሕበን ሕብረተ-ሰብ ወላ’ዃ ቅልጣፈ እንተ ዘይሃለዎ፡ ውጽኢት ጻዕሩ ውሑስ ከም ዝኸወን ግን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከመይሲ ባህሊ ንመንኰርኮር ታሪኽ ዝደፍእ ኣገዳሲ ባእታ ስለ ዝኾነ።  እዚ ድማ ሕብረተ-ሰባት፡ ንመስርሕ ልምዓት ንምምራሕ፡ ያታውያንን (traditional) ዘመናውያንን መዋቕራቶምን እምነታቶምን ስርዓተ-ክብርታቶምን ንኽጥቀሙን ህቀናታቶም ዘላቒ ንክኸውንን ይሕግዞም።    

ካብ ኣህጉራዊ ረድኤት ናብ ልምዓታዊ ምትሕብባር (development cooperation) 

ልምዓታዊ ሽርክነት፡ ኣብ መንጎ ሃገራት (ዝማዕበላን ኣብ ጐደና ልምዓት ዝርከባን) ኣማን (genuine) ዝኾነ ምትሕብባር ወይ ምትሕጋግዝ ንኽድንፍዑ ዝሕግዝ ኣምር ወይ መትከል’ዩ። እዚ ኣምር’ዚ ንሓቛፍነት የተባብዕ፡ ናይ ተጠቀምቲ ሕብረተ-ሰባት ድሌታት፡ ባህግታትን ቀዳምትነታትን ስለ ዘቐድም ድማ ንዘላቒ ልምዓትን ኣብ ተግባር ንዝገሃዱ ብድሆታት ንምፍታሕ ድማ ዕድላት ይፈጥርን። ኣብ ምቕራጽ ልምዓታዊ ኣጀንዳ ንዘቤታዊ (local) ቀዳምትነታት ኣብ ቅድሚት ምስራዕ’ምበኣር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ዘይግብኦ ግድነታዊ ዕማም’ዩ።   

ልምዓታዊ ሽርክነት፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ሓጺር እዋን፡ ንነዊሕ ዝጠመተ ፍታሓት ንምንዳይ ዘኽእሉ ኣገባባት ሃሰው ንምባል ይሕግዝ። ከም ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብ ምምዕባል፡ ኣብ ምውዳድ ትሕተ-ቅርጺ ዘተኮረ ወፍሪ ምግባርን ንዅለንተናዊ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ዘተባባዑ ስትራተጅታት የተኵር። ኣብ’ዚ ጥራይ ከይተሓጽረ ንፈጠራውነትን ንኣብ ባይታ ዘለዉ ሓቅታትን ኣብ ግማት ዘእትዉ ፍታሓትን ንምውሓስ’ውን የተባብዕ። እዚ ብግዴኡ ንኣዝዮም ዝተሓላለኹ ልምዓታውያን ብድሆታት ንምግጣምን ንምስጋርን ዘኽእል ሃዋህው ይፈጥር። 

ልምዓታዊ ጻዕርታት ንምቅልጣፍን ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ ንምብጻሕን ምእንቲ ኽከኣለ፡ ልምዓታዊ ምትሕብባር ንዋኒናውነት (entrepreneurship) ዘማእከለ ዝምድና ክኹስኩስ የግባእ። እዚ ድማ ኣብ ምጽወታን ጽቡቕ ድሌትን ዘይኮነ፡ ኣብ ምምልላእ ሓድሕዳዊ ረብሓ ክምርኰስ ይግባእ። እዚ ብግዴኡ፡ ኣብ መንጎ ተሻረኽቲ ኣብ ተሓታትነትን ሓባራዊ ሓላፍነትን ግዴታን ዝተሞርኰሰ ዝምድና ንኽህነጽ ድርኺት ይፈጥር። ልማዕታዊ ምትሕብባር፡ ወፍሪ ምስ ኣብ ዋኒን ዝተመስረተ ስነ-መጐት (business logic) ከም ዝናበብ ብምግባር ዘላቒ ዝኾነ ቅርጻ-መቓን (framework) ንምድንፋዕ ይሕግዝ። 

ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ወፍሪ (foreign direct investment – FDI) ሓደ ኣገዳሲ መዳይ ናይ’ዚ ምትሕግጋዝ’ዩ። ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ብምትብባዕ፡ ልምዓታዊ ተበግሶታት ቍጠባዊ ንጥፈታትን ሽቕለትን ከዕብዩ ተኽእሎ ኣሎ። ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ወፍሪ፡ ርእሰ-ማል ኣብ ዘቤታዊ (local) ቍጠባ ምውጋእ (inject ምግባር) ጥራሕ/ይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምስጋግር ተክኖሎጂ፡ ሞያዊ ዓቕምን ተበጽሓነት ዕዳጋን (market accessibility) ኣብ ምስላጥ’ውን ይሕግዝ’ዩ። እዚ ብግዴኡ ቍጠባዊ ዕብየት ከረጋግጽ ተኽእሎ ኣሎ። 

ልምዓታዊ ምትሕግጋግዝ፡ ኣብ መንጎ ምዕቡላትን ኣብ ጐደና ልምዓት ዝርከባ ሃገራትን ዝግበር ንግዳዊ ልውውጣት ንምትብባዕ ኣበርክቶ ኣለዎ። ንኣብ ጐደና ልምዓት ዝርከባ ሃገራት፡ ኣብ’ቲ ግሎባዊ ሳፕላይ ቸይንን (supply chain) ዕዳጋን ንኽወሃሃዳ ዕድላት ይኸፍት። ንግዲ ድማ ብዙሕነታዊ ቍጠባ (diversified economy) ንኽድንፍዕ፡ መንባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽን ሓያል ግሎባዊ ሽርክነትን ንምውሓስን ይሕግዝ።

ክንየው’ቲ ያታዊ (traditional) ናይ ውሃብን ተቐባልን ዳይናሚክ፡ ልምዓትዊ ምትሕግጋዝ ኣብ መንጎ’ቶ ሰብ ብርኪ (stakeholders) ማዕርነትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን የውሕስ። እዚ ለውጢ’ዚ (transformation)፡ ኵሎም ሰብ ብርኪ ካብ በበይኖም፡ እናተመላልኡ ሓባራዊ ፍትሓት ንምንዳይ ዝኽእሉሉ ሃዋህው ይኸስት።       

ናይ “ሓባር መጐዓዝቲ” (travel companions) ዝብል ብሂል ንከምዚ ዝዓይነቱ ሽርክነት ይገልጽ። ልምዓታዊ ምትሕግጋዝ’ምበኣር ምትሕብባር’ዩ ዘሳሲ። ብኣጠቓላሊ ክርአ እንከሎ ድማ ናይ ምትእምማን መንፈስ ይዅስኵስን ኣብ ነዊሕ ዝጠመተ ዝምድና የጣጥሕን። እዚእቶም ድማ እቶ ቀንዲ ቅድመ-ኵነታት ናይ ዘላቒ ዕብየትን ፈጠራውነትን’ዮም።

ተወሳኺ ብልጫ ናይ ልምዓታዊ ምትሕግጋዝ፡ እቲ ንዅሎም ሰብ ብርኪ ብሓባርን ብማዕረን ንኽሰርሑ ዝፈጥሮ ምቹእ ባይታ’ዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅርጻ-መቓን (framework) ነብሲ ወከፍ ድምጺ ንክስማዕ ዘሎ ዕድለ ዓቢ’ዩ። እዚ ብግዴኡ፡ ንእሽቱ ወይ ኣብ ጐደና ልምዓት ዝርከባ ሃገራት ኣብ ግሎባዊ ዕዳጋ ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ንኽወዳደራን ኣብ’ቲ ዘይሚዛናዊ ዝኾነ ግሎባዊ ቍጠባ ኣበርክቶ ክገብራን ዕድል ይረኽባ።  

እቲ ካልእ ፍታሕ፡ ዋንነት ዘቤታዊ ወፍሪ ምትብባዕ’ዩ። ዘቤታውያን ሰብ-ብርኪ ዋንነት ናይ’ቶም ዘማሕድርዎን ልምዓታዊ መደባት ከረጋግጹ እንከለዉ መብዛሕተኢኡ ግዜ እቶም ተበግሶታት ምስ ናታቶም ድሌታትን ቀደምትነታትን ይናበቡ’ዮም።  ዋነንት ድማ ንተወፋውይነትን ዘላቒ ዕብየትን የበረኽ፣ ልምዓታዊ መደባት ውጽኢታውያን ንክኾኑ ዘሎ ተኽእሎ ድማ ብዝተዓጻጸፈ መገዲ የዕቢ። እዚ ንኽረጋገጽ ግን ምስ ግዜን ኵነታትን ዝናበብ ማክሮ-ኤኮኖምያዊ ፖሊሲ ምርቃቕን ምትግባርን ይሓትት። እዚ ማክሮ-ኤኮኖምያዊ ፖሊሲ ንዋኒናውነት (entrepreneurship)፡ ውህለላን ወፍርን፡ ከምኡ ድማ ንሰደድ ዘተባብዕ ክኸውን ይጥለብ። ብዘይካ’ዚ፡ ንኣድላይነት ሓያል ንግዳዊ ዝምድናን ምስ ጐረባብትን ካልኦት ሃገራትን ንምድንፋዕ ይእምም። ከምኡ’ውን ዞባዊ ምትሕብባር።     

ዘቤታዊ ጸጋታት ምምዝማዝ መሰረታዊ ባእታ ናይ ልምዓታዊ ተበግሶ’ዩ። ዘቤታዊ ዓቕምታትን ጸጋታትን እንተድኣ ብግቡእ ተዀስኲሶምን ተተባቢዖምን፡ ወፍርታት ኣድማዕቲ ክኾኑን ዜጋታት ድማ ወነንቲ ልምዓትዊ ጉዕዝኦም ዘይኾኑሉ ምኽንያት የለን። እዚ ንዘላቒ ዕብየት ምቹእ ሃዋህው ዝፈጥር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኣድማዕን ትርጕም ዘለዎን ልምዓታዊ ተበግሶ መሰረት’ውን የንጽፍ’ዩ።     

ሓደ ካልእ ኣገዳሲ ባእታ ናይ ልምዕት፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ፍትሓውን ምዕሩይን ምክፍፋል ሃገራዊ ጸጋታት ምትተባብዕ ኮይኑ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ሰፊሕ ጋግ ንኸይፍጠር ጥንቃቐ ክዝውተር ይግባእ። ኣብነታት ንምጥቃስ ዝኣክል፦ ናይጀሪያ ኣብ መዓልቲ 1.8 ሚሊዮን በራሚል ነዳዲ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዋ ኣብ ምምዕባል እትርከብ ሃገር’ያ፣ ግንከ 40.1% ናይ ህዝባ ትሕቲ መስመር-ድኽነት (below poverty line) ይነብር። ኣብ መዓልቲ ትሕቲ $2.15 ዝእቶቱ ሰብ ወይ ስድራ-ቤት ከም ኣብ ትሕቲ መስመር-ድኽነት ከም ዝንበር ዘሎ’ዩ ይጽብጸብ። ሓንቲ ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር – ጋቦን – ብባህርያዊ ጸጋታት ሃብታም ካብ ምዃን ዝተላዕለ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ እተነጻጽራ ልዑል ዝኾነ ውልቃዊ ብጽሒት ጃምላዊ ዘቤታዊ ፍርያት (GDP per capita – $8,017) ኣለዋ። ከም’ዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግን 33.4% ህዝባ ብድኽነት ይነብር። መጠን ሽቕለተ-ኣልቦነት ድማ 28.8% ይበጽሕ። ኽልቴኦም ኣብነታት ንሓደ ነገር የመላኽቱ፦ ተሓታትነትን ሰናይ ምሕደራን ኣብ ዝቦኸረሎም ሃገራት፡ መጠነ-ጸጋታት ብዘይገድስ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ዲቕ ዝበለ ድኽነት ናይ ምንባር ተኽእሎ ኣሎ። 

ልማዓታዊ ጐደና ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት: ሓደ ሓደ ምህሮታት

ቍጠባ ኤርትራ ብኣብዝሓ ኣብ ቃጽዖ ዝተመስረተ መጠነ-ንኡስ (small scale) ሕርሻ ዝተመስረተ’ዩ። ዘመናዊ ሕርሻ ጌና ኣይተኣታተወን ዘሎ። ምስናዕ (manufacturing) ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ጽላት’ዩ ግንከ ከም’ቲ ዝድለ ዘይማዕበለ ጽላት’ዩ። ከም ቱሪዝምን ፋይናንሲያዊ ኣገልግሎታትን (services) ዝህብ ጽላት ጌና ኣብ እግረ ተኽሉ’ዩ ዘሎ እንተ ተባህለ ከም ምግናን ኣይቁጸርን። ብኣጠቃላሊ ክርአ እንከሎ፡ ናይ ኤርትራ ቍጠባ ብዕንጋሎ ቍጠባ (subsistence economy) እዩ ዝግለጽ። እቲ ኡንኮ ንሰደድ ዝበቕዐ ናይ ምስናዕ ጽላት ዕደና ወርቂ፡ ነሓስን ዚንጎን (zinc) እዩ። ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ናይ ፖታሽ ሰደድ ክጅመር ድማ ትጽቢት ይግበረሉ። ሓደ ካልእ ዘይነዓቕ ምንጪ ቍጠባ ናይ’ታ ሃገር እቲ ካብ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብመልክዕ ክልተ ካብ ሚእቲ ብኣስገዳድ ዝእከብ ገንዘብን ዲያስፖራ ብመልክዕ ሓዋላ (remittance) ናብ ኤርትራ ዝልእክዎ ገንዘብን’ዩ።

ኤርትራ ሓንት ካብተን ኣብ’ዞም ዝሓለፉ ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመታት ቍጠባዊ ዕብየት ዘየርኣየትን መንባብሮ ዜጋታታ ዘየመሓየሸትን ሃገር’ያ እትጽብጸብ። ምስ ጐረባብታ ዝተኸስተን ዘሎን ኣይ ኵናት ኣይ ሰላም ኵነታትን ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ዘተጻዕነ ቍጠባዊ ማዕቀብን ከም ምኽንያታት ዝጠቀሱ’ኳ እንተኾኑ፡ ብናተይ መረዳእታ እቲ ቀንድ ምኽንያት ናይ’ቲ መንግስቲ ብዛዕባ ልምዓት ዘለዎ ግጉይ ኣመለኻኽታትን ግንዛበን ኣብ ትግባረኡ ዘርእዮ ብኵራት ፖለቲካዊ ድሌትን’ዩ። እዚ ነዞም ዝስዕቡ ኸጠቓልል ይኽእል፦ ንግዳማዊ ወፍሪ ጥጡሕ ባይታ ዘይምዝፍጣር፡ ዘቤታውያን ኣውፈርቲ ሃጽ ኢሎም ናብ ካልኦት ሃገራት ከም ዝስደዱ ምግባር፡ ንብሕታዊ ጽላት ኣብ ክንዲ ምትብባዕ፡ ዕንቅፋት ምዃን፡ ዓቕሚ ሰብኣዊ ጸጋታት ናይ’ታ ሃገር በቲ ዝድለ ደረጃ ዘይምምዝማዝ፡ ንምሁራዊ ዓቕሚ ኣፍልጦን መተባብዕን ዘይምሃብ፡ ኣብዝሓ ናይ’ቲ ቍጠባ በቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ፖለቲካቂ ሰልፊ’ሞ ተሓታትነት ብዘይብሉ ኣገባብ ምብሓት፡ ኣካል ዓለማዊ ቍጠባ ንምዃን ጻዕርታት ዘይምክያድ፡ ምስ ጐደቦ፡ ዞባን ዓለምን ኣብ መትከል ሽርክነት ዝተመስረተ ጽምዶ ዘይምእታውን ኣካል ዞባዊ ምትሕብባር ዘይምኳንን፡ ወዘተ። ነዞም ረቛሕታት፡ ጃማላዊ ፍልሰት ናይ’ቲ ኣፍራዪ ኣካል ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብ (መንእሰይ) እንተድኣ ተወሲኽዎ፡ እቲ ኵነታት ክሳብ ክንደይ ኣሰካፉ ምዃኑ ንምርዳእ ኣየጸግምን።

ኤርትራ፡ ወይ ካልኣት ምስ ናይ ኤርትራ ዝለሳሰል ቍጠባ ዘለወን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ምስ ቀዳምነታተን ወይ ድሌታተን ዘይሰማማዕ ኣገባብ ሓገዝ፡ ብመልክዕ ልቓሕ ይኹን፡ ብመልክዕ ሓገዝ፡ ወይ ካልእ፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ረድኤት ጽግዕተኛ ክኾና ኣይጣበቕን እየ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ኤርትራ ትኹን ካልእ ኣአንጋዲት (host) ኣብ ጐደና ልምዓት እንትርከብ ሃገር፡ ዋንነትን መሪሕነትን ናይ’ቲ ብናይ ወጻኢ ሓገዝ ዝምወሉ መደባት ክትወስድ ኣገዳሲ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ዘላቒ ሓገዝ ኵሉ ግዜ ንድሌትን ባህግን ማሕበረ-ሰባት ዘማእከለ ክኸውን ስለ ዝግባእ።

ኤርትራ ትኹን ካልእ ኣብ ምምዕባል እትርከብ ሃገር፡ ኣብ’ዛ ነንሓድሕዳ ዝተጠናነገት ዓለም፡ ሓንቲ ሃገር ተነጺላ ክትነብር ከም ዘይትኽእል ክትርዳእ የድሊ። ሓንቲ ሃገር፡ ምስ ከምኣ ዝእመሰላ ልዑላውያን ሃገራት ኣብ ጽመዶ ክትእቱን ኵሎም ሰብ-ብርኪዝረብሑሉ ፍታሓት ሃሰው ክትብልን ሓላፍነት ኣለዋ። እዚ ኣገባብ ጽምዶ’ዚ፡ ብኣንጻር’ቲ ናይ ዜሮ ድምር ጸወታ (zero sum game)፡ ብመንፈስ ምትሕብባርን ልዝብን ኽካየድ ከም ዘለዎን ሓባራዊ ፍታሕ ንምርካብ ድማ ጻዕሪ ከም ዝሓትትን’ዩ ዘጕልሕ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ነዚ ዝተሓላለኸ ግሎባዊ ብድሆታት ንምብዳህ ብዘይካ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሜላ’ዚ ካልእ ኣማራጺ ኣይህሉን።

ኤርትራ፡ ንረብሓታት ዘቤታዊ ዓቕማን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ኽትጥቀም ዘይከኣለትሉ ምኽንያት፡ ብዓቢኡ ምስ’ቲ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሳ ዝፈረደቶ ተነጽሎ ክዛመድ ይኽእል። ሽድሽተ ክሳብ ሸውዓተ ዓመታት ዝወሰደ ናይ ድሕረ-ናጽነት እዋን ኤርትራ ዘቤታዊ ዓቕማን ጸጋታትን ኣብ ምብርባርን ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ብምትሕብባር ሃገራዊ ቀዳምነታታ ንምውሓስ ዝገብረቶ ጻዕሪ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ ምስክር እዩ።

እዚ እናወሓደን እናተጸንቀቐን ዝመጽእ ዘሎ ኣህጉራዊ ደገፍ (foreign aid) ንኤርትራን ካልኦት ኣብ ጐደና ልምዓት ዝርከባ ሃገራትን ከም መጸዋዕታ ደወል (wake-up call) ክውሰድ ኣለዎ።  ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዝተኸስተ ምዕባለን (ምዕጻው ብUSAID ዝፍለጥ ናይ ረድኤት ውድብ)፡ ገለ ገለ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ (ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን) ንረድኤት ዝስልዕዖ ዝነበራ ባጀት ምንካዩን ንኽንክይ ዘሎ ህቀናታትን (ዓባይ ብሪጣንያ ብ40%፡ ፈረንሳ ብ35%፡ ጀርመን’ውን ነዚ ዝመጣጠን ኣሃዝ) ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል’ዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ምዕባለታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ’ምበኣር፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንኣህጉራዊ ሓገዝ ከም መመላእታ ደኣ’ምበር ከም ቀንዲ ደፋኢ ወይ ደራኺ ሓይሊ (catalyst) ናይ ለውጢ ገይረን ክወስድኦ ከም ዘይብለን’ዩ ዝእምት።

ልምዓታዊ ጕዕዞአን ኣብ ምምራሽ ኣብ ዝርከባሉ እዋን፡ እዘን ሃገራት’ዚኣተን ምስ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን መሻርኽቲ ኣብ ጽምዶ ምእትው ክሰግርኦ ዘይክእላ ግድነት’ዩ። እዚ ግን ኣብ መትከል ሽርክነት ዝተመስረተ ክኸውን ይግባእ። እዚ ኣገባብ ጽምዶ’ዚ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ይጠልብ። ልምዓታዊ ምረሻ’ምበኣር ነዞም ዝስዕቡ መተሓሳሰብታት ኣብ ግምት ምእታው ከድልዮ’ዩ።

  • ሰናይ ምሕደራ ንምውሓስ ጻዕርታት ምክያድ  

ሰናይ ምሕደራ፡ ንቁጠባዊ ዕብየት ወሳኒ ረቛሒ እዩ። ንውድቀት ፖሊሲን፡ ምርማስ ዕዳጋን ንምውጋድ ድማ ቅድመ ኩነት እዩ። ባንኪ ዓለም ንምሕደራ ክገልጾ እንከሎ ድማ ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ ስልጣን በቲ ዘሎ ልምድታትን ትካላትን ክትግበር እንከሎ እዩ ይብል። እዚ ድማ መንግስታት ዝምረጹሉ፡ ዝከታተሉሉን ዝተኻኽኡሉን፡ ጥዑይ ፖሊሲታት ብኣድማዒ መገዲ ናይ ምሕንጻጽን ምትግባርን ዓቕሚ፡ ከምኡ እውን ዜጋታትን መንግስትን ኣብ መንጎኦም ንዝካየድ ቁጠባውን ማሕበራውን ርክባትን ውዕላትን ኣብ ዘመሓድሩ ትካላት ዘለዎም ኣኽብሮት የጠቓልል። እዚኣቶም ድማ ብኣረእእያ ክኢላታት እዚ ዓውዲ’ዚ ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፦ ሀ) ተሓታትነት፡ እዚ ሰበ ስልጣን በቶም ዘዘውትርዎም ጠባያት (ነውራማትን ቅቡላትን) ተጠየቕቲ ምዃኖም የመልክት፣ ለ) ዘይምእኩልነት፡ እዚ ንኹሎም ሰብ ብርኪ (stakeholders) ኣብ መስርሕ ውሳነ ንኽሳተፉ ሃዋህው ይፈጥር፣ ሐ) ጥዑያት ፖሊሲታትን ሕግታትን ስርዓታትን ብጥብቂ ምኽባር ድማ ንተገማትነት (predictability) የውሕስ። ብዘይካ’ዚ፡ ሓደ ስርዓተ ምሕደራ ግሉጽነት የዘውትር’ዩ ንኽበሃል፡ ዜጋታቱ ብዛዕባ ኩሉም እቲ መንግስቲ ዝወስዶም ስጉምትታትን ፖሊሲታትን ክሕበር ከም ግዴታ ምስ ዝወስዶ’ዩ።  ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ናይ’ዚ ዕማም’ዚ’ምበኣር ብምፍልላይ ናይ ስልጣን (separation of powers)፡ ተሓታትነት፡ ግሉጽነት፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ምህናጽ ሓያላት ትካላት ዝልለ ሰናይ ምሕደራ ምዅስኳስን ምህናጽን’ዩ።

  • ምስ ባይታ ዝናበቡ ፖሊሲታት ምርቃቕን ምትግባርን

ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ናብ ምዕቡል ቍጠባ ከብጽሐን ዝኽእል ዘይተጠቕማሉ ዓቕሚ ኣለወን። ነዚ ዓቕሚ’ዚ ንምምዝማዝ ድማ ምውህሃድ ዘቤታዊ ፖሊሲታት በቲ ሓደ ወገን፡ ናይ ወጻኢ ወፍርን ተክኖሎጅን ንምስሓብ ዝሕግዝ ስትራተጂን ድማ በት ካልእ የድሊ። እዚ ድማ ብሕታዊ ጽላት ብምሉእ ሓይሉ ንኽነጥፍ ክሕግዝ ይኽእል። እዚ፡ ብኽልተኣዊ ንግዳዊ ውዕላት ምኽታም ዝፍጸም ኮይኑ ንዝተፈላለዩ መሻርኽቲ ወገናት ዘሳትፍ፡ ንኽልቲኡ ወገናት ዝጠቅም ንግዳዊ/ዋኒናዊ ሽርክነት የማዕብል። ንባህግታት ኣህዘበን ዘዕግቡ ወይ ዝምልሱ ኣብ ሃሃገረን ዝተዀስኮሱን ዝማዕበሉን ፖሊሲታት ምርቃቕን ምትግባርን’ምበኣር ኣገዳሲ’ዩ። ከም’ዚ ንምግባር ንብብልሽውና ወይ ግዕዝይና (corruption) ካብ ሱሩ ምምሓው ከድሊ’ዩ። ንልምዓት ዝድርትን ዝገትእን ተርእዮ ምዃኑ ዝተፈልጠ ስለ ዝኾነ። እዚ ንኣድማዒ ምሕደራ ጸጋታት ኣበርክቶ ይገብሩ ጥራይ ዘይኮነስ ንብለሽውና ንምብዳህ ይሕግዙ። በሃራት ፖለቲካ (political elites) ኣፍሪቃ’ምበኣር ናይ ዜጋታቶም ባህግታት ንምምላስ ብሓድሽ ኣጠማምታ ክብገሱ ኣለዎውም።

  • ካብ ኡንኮ-ሽርክነት ናብ ብዙሕነታዊ ሽርክነት

ኣብ ኣህጉራዊ ደገፍ ምሒር ምምርኳስ ንተለዋዋጢ ኵነታት ቍጠባ ዓለም ከም እትቃላዕ ይገብረካ። ከምኡ ክንዲ ዝኾነ ድማ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ሽርክነተን ብዙሕነታዊ ጠባይ (diversify) ከም ዝህልዎ ምግባር ወይ’ውን ንዝሰፍሐ ምትሕግጋዝ ወይ ጽምዶ ምስ ዝተፈላለዩ ሰብ ብርኪ (ዞባውያን ውድባት፡ ብሕታዊ ጽላትን ሲቪካዊ ማሕበረ-ሰብን) ከም ኣማራጺ ዘይኮነስ ከም ግድነታዊ ክግበር ዘለዎ ዕማም ገይረን ክወስድኦ የግባእ። እዚ ድማ ዘቤታዊ ዓቕምታትን ክእለታትን ምዕባይ፡ ስርዓተ ትምህርቲ ንጠለባት መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ- ዘመን ከም ዝምልስ ጌርካ ምቕያስን (design) ሰብኣዊ ርእሰ-ማል (human capital) ምብራኽን ዝኣመሰሉ ተበግሶታት ምውሳድ ከድሊ’ዩ። እዚ ገጸ-ኵነት’ዚ (scenario) ንመንኰርኮር ልምዓት ዝደፍእ ዝሰልጠነ ዓቕሚ ሰብ ንምህናጽ ግደ ይህልዎ።   

  • ብሕታዊ ጽላት ቍጠባ ምብርባር

ናይ ሓደ ህዝቢ ምዕባለ፡ ኣብ’ቲ ናይ ዜጋታቱ መሃዝነትን ኣብ ናይ’ቲ ብሕታዊ ጽላት (private sector) ሓይልን ዓቕምን (potential) ጽንዓትን ተበግሶን እውን’ዩ ዝምርኰስ። ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ንኽልቲአን (ንመወልትን ተመወልትን) ብዝጠቅም ንግዳዊ ሽርክነት ኣቢለን ካብ ተቐበልቲ ሓገዝ ምዃን ሰጊረን ናብ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ተዋሳእቲ ክሰጋገራ ይኽእላ እየን። ብቍጠባ ዝማዕበላ ሃገራት፡ ኣብ ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት ዘርብሕ ናይ ወፍሪ ዋኒናት ንምህናጽ ተበግሶታት ክወስዳ ይኽእላ እየን፣ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ኣአንገድቲ መንግስታት ድማ ነቲ ኣብ ሽርክነት ዝተመስረተ ወፍሪ ምቹእ ሃዋህው ክፈጥራ ይኽእላ እየን። እዚ ድማ፡ ኵሎም ወገናት ዝዕወቱሉ ኵነታት ክፈጥር ይኽእል። ቍጠባዊ ግስጋሰን ዕብየትን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ኣብ ጥዕና ዘለዎ፡ ፉሕፉሕ ዝብልን (vibrant) ሓያልን ብሕታዊ ጽላት ዝምርኰስ’ውን እዩ። ሃገራት ካብ ተጸባይነት (ንኣህጉራዊ ደገፍ) ወጺአን ኣብ ግሎባዊ ቍጠባ ተዋሳእቲ (players) ክኾና ምእንቲ ኣብ ሓድሕዳዊ ምምልላእ ዝተመርኮሰ ንግዳዊ ሽርክነት ምስ ዝኣትዋ’ዩ። እዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ብሕታውን መንግስታውን ጽላታት ዘሎ ሽርክነት ምምዕባልን ኣብ ስትራተጅያውያን ጽላታት ወፍርታት ንምግባር ደገፍ ምሃብን ይጠልብ። እዚ ብግዴኡ ንዘላቒ ዕብየት፡ ብልጽግናን ዝሓሸ መነባብሮ ህዝቢ ንምጥጣሕን ይሕግዝ።   

  • ሽርከነት መንግስታውን ብሕታዊ ጽላታት (public-private partnership)

መንግስታውን ብሕታውን ጽላታት ንነሓድሕዶም ከም ጸላእቲ ክረኣኣዩ ኣይግባእን፡። ኣብ ልምዓታዊ ወፍሪ፡ መንግስትን እቲ ብሕታዊ ጽላትን ስትራተጅያውያን ነንሓድሕዶም ዝመላልኡ መሓዙት ወይ ሰብ-ኪዳን (allies) እዮም።  መንግስቲ ብሕታዊ ጽላት ንኽስስን ምቹእን ተዓጻጻፍን ሃውህው ይፈጥር። ብሕታዊ ጽላት ብግዴኡ ኣብ’ቲ ቍጠባ ወፍሪ ብምግባር፡ ሽቕለት ብምፍጥርን መሃዝነት ብምትእትታውን ኣብ ቍጠባ ሓደ ሃደ ሃገር ሰፍ ዘይብለ ኣስተዋጽኦ ይገብር። ናይ ብሕታዊ ጽላትን ናይ መንግስትን ሽርክነት (public-private partnership) ምሕብሓብ፡ ኣብ ስትራተጂያዊ ጽላታት ንዝግበር ወፍሪ ድማ ምድጋፍ፡ ኣብ ዝምዕብላ ሃገራት ዘላቒ ቍጠባዊ ዕቤት የመቻችእን ብልጽግናን ዝሓሸ መነባብሮን ድማ የደንፍዕን። እዚ ዓይነት ናይ ምትሕብባር ኣገባብ ንረብሓታት ዝተፈላለዩ መሻርኽቲ ኣካላት ዝሰማምዕ ኮይኑ፡ ነቲ ሰፊሕ ለውጢ ዘምጽእ ዘቤታዊ ዓቕሚ ናይ ምብርባር ተራ ይህልዎ።   

  • ገለ ገለ መድረኻት ምዝላል

ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ተክኖሎጅን ሰብ-ሰርሖ ብልሕን (artificial intelligence – AI) ተጠቒመን ቍጠባዊ ዕብየት ንምምችቻእን ንምቅልጣፍን ዘሎ ተኽእሎ ክድህስስኦ ይግባእ። እዚ መስርሕ’ዚ እንሓብንሳእ “ዝላ እንቅርዖብ”  (leapfrogging) ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ። ዘመናዊ ተክኖሎጂ ተጠቒምካ ክግበር ከም ዝከኣል ድም ዓለም ኣመስኪራ’ያ። ነዚ ተኽእሎ’ዚ ንምውሓስ፡ ዲጅታላዊ ትሕተ-ቅርጺ ምውዳድን ኣብ ትምህርቲ ድማ ወፍሪ ምግባርን ከድለየን’ዩ። ምስ ግሎባውያን ናይ ተክኖሎጂ ኩባንያታትን መንግስታትን ኣብ ጽምዶ ምእታው ነቲ እዚ ጽላት ዝጠልቦ ጸጋታትን ክእለታትን (ዓቕምምታትን) ንምድላብን ምውሓስን ይሕግዝ። ኣብ ምምዕባል ተንቀሳቕሲ ርኽክብን (mobile connectivity) ትምህርትን (ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ) ወፍርታት ምግባር ድማ ከድሊ’ዩ። ዲጂታላዊ ኤለክትሮኒክ ንግዲ (e-commerce)፡ ዘቤታውያን ዋኒናት ዝሰፍሐ ዕዳጋ ንክረኽባ ይሕግዘን። ንዋኒናውነትን ቍጠባዊ ብዙሕነትን ንምምዕባል ድማ የደነፍዕ። ተንቀሳቓሲ ስርዓተ ክፍሊትን (mobile payment system) ማይክሮ ፋይናንስን ኣብ’ቶም ያታውያን ፋይናንሲያውያን ስርዓታት ተበጻሕነት (access) ንዘይብሎም ዜጋታት፡ ኣብ ሃገራዊ ቍጠባ ንክሳተፉ የመቻችኣሎም። ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ተበግሶታት ኣብ ልዕዓታዊ ጉዕዞ ኣርባሒ ሓይሊ (multiplier effect) ክህልዎም ይኽእል’ዩ።

  • ዞባዊ ምትሕብባር ምድንፋዕ

ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ኣብ’ዛ ዝተወሳሰበት ዓለም፡ የትረፍዶ ክስስና፡ ህላዌአን ከረጋግጻ’ውን እንተኾነ ብርቱዕ ምዃኑ ክግንዘባ የድሊ። ምስ ካልኦት ኣብ ጽምዶ ምእታውን ንኵሉ ዘርብሕ ፍታሕ ምንዳይን ድማ ኣገዳሲ’ዩ። እዚ ኣገባብ ጽምዶ’ዚ ንምትሕብባርን ልዝብን የተባብዕ። ንዝተወሳሰቡ ዓለማዊ ብድሆታት ንምግጣም ድማ ይሕግዝ። ዞባዊ ምትሕብባር፡ ኣብ ዝሰፍሐ ዕዳጋ ተበጻሕነት (accessibility) ኣብ ምርካብን ናይ ወፍሪ ክሊማ ንምምሕያሽን’ውን ይሕግዝ። ኣውፈርቲ፡ ርጉእ፡ ዝተወሃሃደ ዕዳጋ፡ ውሑዳት ሓጹራትን ዝተሓተ ቀረጽን (tariff) ይጠልቡ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ምውዳድ ሓያል ትሕተ-ቅርጽን ተገማቲ (predictable) ዝኾነ መቆጻጸሪ ሃዋህውን (regulatory environment) እውን ይሓቱ።   

  • ካብ ኡንኮ-ቍጠባ ናብ ብዙሕነታዊ ቍጠባ

ቍጠባ ብዙሕነታዊ ጠባይ (diversify) ከም ዝህልዎ ምግባር ንሓንቲ ኣብ ምምዕባል እትረክብ ሃገር ጠቓሚ’ዩ። ጽግዕተኛ ናይ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ምንጪ ናይ ኣታዊ ዝምርኰስ ቍጠባ ካብ ምዃን የገላግልን ካብ ከጋጥም ዝኽእል ቍጠባዊ ነውጺ (economic shock) ንምክልኻልን ድማ ይረድእ። ከም ማውሪሽስን (ኣብ ኣፍሪቃ) ከምኡ ድማ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያን ዝርከባ ሃገራትን ነዚ ብድሆ’ዚ ብውሕለነት ከም ዝገጠምኦ ምጥቃስ ኣኻሊ’ዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ሃገራት ኣብ ምውህሃድ ዕዳጋ ኽደፍኣን ክንየው ምዅዓት ጥረ ማዕድናት (ንዋት) ሓሊፈን ድማ ኣብ ሰድደ ዝተመስርሑ ጥረ ናውቲ ከተኵራን ይግባእ። ኣብ ስነ-ቍጠባ እዚ ተርእዮ’ዚ ወሰኽ-ክብሪ ተባሂሉ ይግለጽ።

ቀረጽ ንባዕሉ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ምንጪ ናይ ኣታዊ (revenue) እዩ። ምሕያል ስርዓተ ቀረጽ’ምበእር ካልእ ውዓል-ሕደር ዘይበሃሎ ጉዳይ’ዩ። ድልዱል ስርዓተ ቀረጽ ዘተኣታተዋ ሃገራት፡ መብዛሕቴኡ ግዜ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንክህባ ኣየጸግመንን። ኣብነታት ንምጥቃስ፦ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት፡ ኣበርክቶ ቀረጽ ንGDP ኣብ መንጎ 30% – 50%፣ ኣብ ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት ድማ ኣብ መንጎ 10% – 25% ይበጽሕ።

  • ሽቕለት ምፍጣር

እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባህሪ ናይ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ማክሮ ፖሊሲ’ምበኣር ዳይናሚክ ዝኾነ ብሕታዊ ጽላት ሃኒጽካ ሽቕለት ምፍጥር ክኸውን ኣለዎ። ርእሱ ዝኽእል ቍጠባ ንምፍጥር፡፡ ሰብኣዊ ባህግታት ንምርዋይን ጠለብ ሃለኽቲ እቕሑ ንምርዋይ ሽቕለት ምፍጣር ኣገዳሲ’ዩ። መሰረታውያን ጠንቕታት ገበን፡ ተሰባርነትን (fragility) ናይ ሃገራትን ጃምላዊ ፍልሰትን (mass migration) ብምግታእ ድማ ግሎባዊ ምርግጋእ ኣብ ምውሓስ ግደ ይህልዎ። 

መወከሲታት

African Development Bank, https://www.afdb.org/en/countries/central-africa/gabon/gabon-economic-outlook  Accessed on March 5, 2025

Beacon, C. (2018). “Mobile Money and Financial Inclusion in East Africa.” *Yale Global Online*. Retrieved from [Yale Global](https://yalebooks.yale.edu/yale-global-online/mobile-money-and-financial-inclusion-in-east-africa)

Burnside, C., & Dollar, D. (2000). “Aid, Policies, and Growth.” American Economic Review, 90(4), 847-868.

Calderisi, Robert. (2006) The Trouble with Africa, Why Foreign Aid is not Working, New York, Palgrave Macmillan 

Chen, S., & Yang, R. (2020). “Digital Economy Empowering Rural E-commerce Development in China.” *Computers in Human Behavior*, 108, 105147. doi:10.1016/j.chb.2020.105147

Easterly, W. (2006). The White Man’s Burden: Why the West’s Efforts to Aid the Rest Have Done So Much Ill and So Little Good. New York: Penguin Press.

Financial Times (2025). “Development is how we compete, grow and stay secure Private investment flows only where the right conditions exist and where there’s a clear probability of return” by Ajay Banga https://www.ft.com/content/3e5d55bb-0c0d-40e6-a15c-5187c8a021b2

Hudson, A. (2000). “Foreign Aid: A Key to Development?” International Development Review, 42-43.

International Monetary Fund. (2023). World Economic Outlook Database. Retrieve data on government finances, including tax revenues. Available at: [IMF World Economic Outlook] (https://www.imf.org/en/Publications/WEO)

Kharas, H. (2011). “Trends and Issues in Development Aid.” Global Economy & Development Working Paper 1. Brookings Institution.

Kharas, H. (2008). “Measuring the Effectiveness of Development Assistance.” World Bank Policy Research Working Paper 4664. Washington, DC: World Bank.

Mercy Corps. (2020). “The Importance of Foreign Aid and Development Assistance in Responding to Humanitarian Crises”. Available at: https://www.mercycorps.org/research/global-aid

Morris, M., & E. J. W. V. D. (2016). “The Role of International Trade in Sustainable Development: A Review of the Literature.” Journal of International Trade and Economic Development.

Moyo, D. (2009). “Dead Aid: Why Aid Is Not Working and How There Is a Better Way for Africa.” New York: Farrar, Straus and Giroux.

Nigeria Bureau of Statistics, Nigeria launches its most extensive national measure of multidimensional poverty, Press Release, 17 November 2022 – Abuja

OECD (2018). Development Cooperation Report 2018: Joining Forces to Leave No One Behind. Paris: OECD Publishing.

OECD (2011). The Busan Partnership for Effective Development Cooperation. Paris: OECD Publishing.

OECD Development Assistance Committee (DAC). (2020). “Beyond the Tipping Point: The future of development assistance”. Available at: https://www.oecd.org/development/dac/

OECD. (2023). Revenue Statistics 2023. This publication provides comprehensive data on tax revenues among OECD countries. Available at: [OECD Revenue Statistics](https://www.oecd.org/tax/revenue-statistics-26121331.htm)

Riddell, R. (2007). Does Foreign Aid Really Work? Oxford: Oxford University Press.

Riddle, L. (2014). “The End of Aid? How Development Cooperation Is Changing the Game.” Global Policy, 5 (4), 477-486.

Rogers, Peter P, Kazi F Jalal, and John A Boy. (2009) An Introduction to Sustainable Development, London, Earthscan.

Runde, Daniel, (2023) The American Imperative, Reclaiming Global Leadership through Soft Power, New York · Nashville, Post Hill Press

Solomon, Semere (2024). “Eritrea’s Hard-won Independence and Unmet Expectations”. USA, KDP

Solomon, Semere (2003) “Being Responsive to Locally Led Development: Beyond Channeling Funds to Local Organizations”. Creative Associates International. USA.

Solomon, Semere (2022) “U.S.-Africa Leaders Summit: How Can the US Contribute to Africa’s Development?”. Creative Associates International. USA.

The Economist (2025). “The Demise of Foreign Aid Offers an Opportunity – Donors Should Focus on What Works. Much aid currently does not.” The Economist.

The Economist (2025). “Aid Cannot Make Poor Countries Rich.” The Economist.

The Economist (2025). “Why Some Africans See Opportunity in Foreign-aid Cuts.” The Economist.

Todaro, Michael P. and Stephen C. Smith (2003). Economic Development-8th ed. Boston: Addison Wesley,

UNCTAD. (2023). Investment Policy Reviews and other related publications. Offers insights into tax policies in developing countries. Available at: [UNCTAD Publications](https://unctad.org/webflyer/world-investment-report)

UNESCO. (2020). *Education and the Digital Revolution: How technology can support learning*. Retrieved from [UNESCO](https://en.unesco.org/themes/education-and-digital-transformation)

UNDP (2011), “Human Development Report 2011, Sustainability and Equity: A better Future for All”

United Nations Development Programme (UNDP). (2019). UNDP Strategic Plan 2018-2021: Priorities and Programmatic Approaches for Development Cooperation.

United Nations Office for the Coordination of Humanitarian Affairs (OCHA). (2021). “Global Humanitarian Overview”. Available at: https://www.unocha.org/global-humanitarian-overview

World Bank. (2012). World Development Report 2012: Gender Equality and Development. Washington, DC: World Bank Group.

World Bank. (2021). “The Role of Foreign Aid in Global Development”. Available at: https://www.worldbank.org/en/topic/aid

World Bank. (2016). Digital Dividends: World Development Report 2016”. Retrieved from [World Bank] (https://www.worldbank.org/en/publication/wdr2016)

World Bank. (2023). World Development Indicators. Data on tax revenue as a percentage of GDP. Available at: [World Bank Data] (https://data.worldbank.org/indicator/GC.TAX.TOTL.GD.ZS)

World Bank. (2022). Tax Revenue (% of GDP). Access and view tax revenue statistics by country. Available at: [World Bank Tax Revenue] (https://data.worldbank.org/indicator/GC.TAX.TOTL.GD.ZS)

Comments

  1. “ ልምዓት ከም ሓደ ንማሕበራዊ መዋቕራት፥ ህዝባዊ ኣመለኻኽታታት፡ ሃገራው ትካላት፡ ቅልጣፈ ቍጠባዊ ዕብየት፡ ምንካይ ዘምዕሩይነትን ንድኽነት ካብ ሱሩ ናይ ምምሓውን ተግባራት ዘጠቓለለ ዅለንተናዊ መስርሕ’ዩ።” ኣዝያ ዝመሰጠትን ንመጀመርታ እዋን ንልምዓትን ዘለዎ ስፍሓትን እትገልጽ ኣበሃህላ ኮይና ረክበያ:: ኣምራት ግቡእ ትርጉሞም ምሃብ ንስሓት ኣእምሮን ንኣጠማምታን ምስፋሕ ዓቢ ተር እዩ ዘለዎ:: እቲ ካልእ ትሕዝቶ ከይተዛረብኩ እዚ ንልምዓት ተዋሂባ ዘላ ትርጉም ጥራይ ብዙሕ ንከተስተንትን ትድርክ ነጥቢ ኮይና ረኪበያ::

Leave a Reply

XHTML: You can use these tags: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <s> <strike> <strong>