ናይ’ታ ውልዶ ሃገር ቀዳምነታት እንታይ ክኾኑ ነይሩዎም?
ናይ’ታ ውልዶ ሃገር ቀዳምነታት እንታይ ክኾኑ ነይሩዎም?
ሰመረ ሰሎሞን
19 መጋቢት 2025
(ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)
ድኽነት፡ ውሑድ ዓቕሚ ቍጠባን ዋሕዲ ህዝብን፡ ነቲ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ዝነበረ ናይ ኤርትራ ክውንነት ይገልጹ ነይሮም። እዚ ክውንነት ወይ ብድሆ ብዘየገድስ ግን፡ ኤርትራ በቲ ንመጻኢኣ ኣብ ምቕራጽ ብዋጋ ዘይሽነንን ሃብታ (ዘይሕለልን ክምህ ዘይብልን ተበላሓትን ጸዋርን ዓቕሚ ህዝባ) ትምካሕ ነበረት። ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ዝቐጸለ ብድሆታት ኲናት ተጻዊሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናጽነቱ ኣብ ምውሓስ እውን ተዓዋቲ ኮይኑ ወጺኡ። እዚ መዘና ዘይብሉ ዓወት’ዚ፡ ነቲ ተስፋ ዘለዎ ልምዓታዊ ጒዕዞ፡ መድረኽ ኣዳልዩሉ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ድማ ብዙሓት ተዓዘብቲ፡ ንኤርትራ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ “መብራህቲ ተስፋ” ኢሎም ሰይሞምዋ።
ኤርትራ ኣብ ወሰን ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ፡ ምስ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጂቡትን እትዳወብ ንእሽቶ ሃገር እያ። ኣብ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣቀማምጣ ብምህላዋ፡ ጂኦፖለቲካ ኣብ ልዕሊ ጒዕዞ ኤርትራ ነዊሕ ጽላሎት ከም ዘውድቕ ርዱእ’ዩ ነይሩ።
ኣብ’ዚ ዝተሓላለኸ ጂኦፖለቲካዊ ኩነታት፡ ካብ ደቡብ ቀጻሊ ስግኣት ይመጽኣ ነይሩ። ዓባይ ጐረቤት ኤርትራ ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ንወደባት ባጽዕን ዓሰብን ዘጠቓለለ ፖለቲካዊ ባህግታት ዓቂባ ጸኒሓ። ነዛ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ 120 ሚልዮን ህዝቢ ዝሓዘት ኢትዮጵያን፡ ናይ’ቶም ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ልሂቃን ኣምሓራ ጥሙሕን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ’ዚ ከባቢ፡ ኤርትራ ኣዝዩ ጥንቃቐ ዝመልኦ ኣገባብ ፖለቲካ ከተካይድ የገድዳ ነይሩ።
ንጉሳውያን ኣምሓራ ንዘመናት ዝዀስኰስዎን ዝሓብሓብዎን ሱር ዝሰደደን ጽውጽዋይ፡ ሃጸያዊ ግ ዝኣት ኢትዮጵያ ሕ ጋዊ ወ ናኒ ገማግም ባ ሕሪ ኤ ርትራ (ብፍላይ ድማ ባጽዕን ዓሰብን) ከም ዝነበረት ይትርኽ። ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ታሪኻውን ባህላውን ምትእስሳር ካብ ዘመነ ኣኽሱም ዝነቐለ ምዃኑ ዘይከሓድ’ኳ እንተ ኾነ፡ ሓደ ክጉሰ ዘይግብኦን ዘይከሓድን ታሪኻዊ ክውንነት ከም ዘሎ ግን ክፍለጥ ይግባእ። እዚ ድማ እቲ ሓምሳ ዓመታት ብኢጣልያ፡ ተወሳኺ ዓሰርተ ዓመታት ብብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተገብረ ጐበጣን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ሃገራዊ መንነት ንምፍጣር ምኽንያት ዝኾነን ፍጻመታትን እዩ።
ካልእ ኣብ’ቲ ዞባ ዝጸንሐ ቀጻሊ ስግኣት፡ እስላማዊ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት እዩ ነይሩ። ቀርኒ ኣፍሪቃን ጐረቤት ማእከላይ ምብራቕን ነዚ ዘሰክፍን ዘጨንቕን ተርእዮ’ዚ ጓኖት ኣይነበራን፣ ኤርትራ እውን ካብ’ዚ ነጻ ኣይነበረትን።
ኲናት ናጽነት መጠነ ሰፊሕ ስደት ኣስዒቡ፣ እዚ ድማ ብግዲኡ ነቲ ኣፍራዪ ህዝባ ኣባዲሙ’ ዩ።
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቀዳምነታት ኤርትራ እንታይ ክኸውን ነይሩዎ?
ምጅማር መስርሕ ሕውየት
ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝተራእየን ዘሎን ፖለቲካዊ ፍልልያት ወይ ዘይምርድዳእ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ጉድኣት ኣስዒቡ እዩ። እቲ ውሽጣዊ ጸጋታት፡ (ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተኸፍለ መስዋእቲ ወይ ክሳራ ድማ ብፍላይ)፡ እቲ ዘጋጠመ ናይ ዕድላት ምብኻን፡ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ክልቲኦም ውድባት ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ዘይምስምማዕን ወጥርን፡ ከምኡ እውን እቲ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝማዕበለን ዝሰረጸን ምረትን ቂምን ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ነቲ ወጥሪ ዘዝሕልን ነቲ መስርሕ ሕውየት ዘበጋግስን መሪሕ መትከላትን ኣገባባትን ክረቅቕን ክትግበርን እዋኑ ዝጠልቦ ሕቶ’ዩ ነይሩ።
ከም’ቲ ፖለቲካዊ ዕብለላ ኣብ ዘጋጥመካ እዋን ( ከም ውሑዳን – minority) ኣብ እትፍለጠሉ እዋን)፡ መለለዪ ባህሪኻ ጽንዓትን ተወፋይነትን ክኸውን ዘድሊ፡ ብዝሒ ወይ ጸብለልትነት ኣብ ዝህልወካ እዋን ድማ ከም ውርዙይነት፡ ጭውነት፡ ተጻዋርነትን ሓቛፍነትን ዝኣመሰሉ መለለዪ ባህርያት ክህሉውኻ ይግባእ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣብ ድሕረ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ግብሪ ክውዕል ነይሩዎ። ህዝባዊ ግንባር ነቲ መስርሕ ሕውየት ብዝሓሸ መገዲ ንምጅማር፡ ጥበብ፡ ጥንቃቐ፡ ኣርሒቕካ ምርኣይ፡ ሓቛፊ ምዃን፡ ተጻዋሪ ምዃን ዝኣመሰሉ ጠባያት ከርኢ ይኽእል ነይሩ። ወሳኒ ቀዳማይ ስጉምቲ፡ ነቶም ንናጽነት ህይወቶም ዝ ሰውኡ ኩ ሎም ዜ ጋታት ኣፍልጦ ም ሃብ ክኸውን ነ ይሩዎ። ስ ዒቡ ድ ማ፡ ፖለቲካዊ ጸግዖምን ኣባልነቶምን ብ ዘየገድስ፡ ንኹሎም ኤ ርትራውያን ሰማእታት ናይ ሰማእትነት ምስክር ወረቐት ክዕደል ነይሩዎ።
ብተወሳኺ፡ ከም’ቲ ንወለዲ ሰማእታት ህዝባዊ ግንባር ዝተዋህበ ካሕሳ (30 ሽሕ ናቕፋ)፡ ነቶም ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣብ ትሕቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ህይወቶም ዝኸፈሉ ስዉኣት እውን ብማዕረ ክውሃብ ይኽእል ነይሩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኵሎም ተጋደልቲ ንሃገሮም ዝኸፈሉዎ መስዋእቲ ንምዝካር፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ምእዋጅ፡ ኣብ መስርሕ ሕውየት ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎ ይኽእል ነይሩ።
ስርዓት ህግደፍ ነቲ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝኸፈሉዎ መስዋእቲ ኣፍልጦ ክህብ ኣይከኣለን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኣባላት ምንቅስቓስ 1973 (መንካዕ) እውን ከይተረፈ ከም ሕጋውያን ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ምዃኖም ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ሓንጊዱ’ዩ። ኣሳእል ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ኮነ ኢልካ ዝተደምሰሰሉ ናይ ጉጅለ ስእልታት ምርኣይ ብሓቂ ዘገርም’ዩ ነይሩ። ነፍስሄር በራኺ (ወዲ ፈንቅል)፡ መሓሪ ዑቕባዝጊ፡ ከምኡ እውን ነፍስሄር ተወልደ ኢዮብ፡ ነፍሲ ወከፎም ኤ.ኬ-47 (ካላሺንኮቭ) ተሓንጊጦም ዝተሳእሉዎ ስእሊ እዝክር። እንተ ኾነ ግን ኣብ ሓደ ካብ ናይ መጀመርታ 1990ታት ሕታማት ሓዳስ ኤርትራ ዕለታዊ ጋዜጣ ዝወጸ ስእሊ፡ ስእሊ ተጋዳላይ ተወልደ ኢዮብ ኮነ ኢሉ ጸሊም ቀለም ተቐቢኡ ነ ይሩ። እ ዚ ድማ ነቲ ጆሴፍ ስታሊን ፎቶ ኤዲቲንግ ከም መሳርሒ ተጠቒሙ ንብጾቱ ዝነበሩ ካብ ታሪኻውያን ኣሳእል ይድምስሶም ዝነበረሉ ዘመነ ሶቭየት ሕብረት የዘኻኽር። ብተወሳኺ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዝተሳዕረ እዚ (command) ኢትዮጵያ (ዉቃው) ኣብ ዝተሰነደ ሰፊሕ ቪድዮ ክሊፕ፡ ብዛዕባ ዑቕበ ኣብርሃ ዝኾነ ኣሰር ዘይምህላዉ ብሓቂ ተስፋ ዘቚርጽን ዘሰንብድን ፍጻመ’ዩ ነይሩ። ዑቕበ ኣብርሃ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ’ቲ ምስ ጉጅለ 15 ዝነበሮ ምትእስሳር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝምህምን ዘሎ ሓደ ካብ’ቶም መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ እዩ። እዚ ኣገዳሲ ፍጻመ’ዚ፡ ኣዛዚ ናይ’ቲ ግንባር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተፈጸመ ክሕከኽ ዘይግባእ ታሪኽ’ዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ናይ ካልኦት ታሪኽ ዝሰርሑ ጀጋኑ ኣስማት ንምጥፋእ ዝግበር ወፍሪ እውን ህግደፍ ስርሐይ ኢሉ ተታሒዙዎ ከም ዘሎ ክንዝክር ይግባእ።
መስርሕ ሕውየት ንምስላጥን ኣብ መደመደምታ ምብጻሕን ዘኽእሉ ተመክሮታት ምውካስ ይከኣል ነይሩ እዩ። እቲ መሰረታዊ ዕላማ ድማ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ኲናት ሰኣን ውርጹጽ ኣተኣላልያ ዝበጽሑ ጉድኣታትን ቊስልታትን ምፍዋስ ክኸውን ነይሩዎ።
ሃገራዊ ናይ ዕርቂ መንግስቲ ንምቛም መገዲ ብምጽራግ ምርግጋእ ምውሓስ
ጒዕዞ ናጽነት ኤርትራ ብኣዝዩ ዝተሓላለኸ ድምር ናይ ዘቤታውያን ናይ ለውጢ ሓይልታትን (ዳይናሚክ) ግዳማዊ ጽልዋታትን’ዩ ተቐሪጹ። ብዝተፈላለየ ስነ ሓሳባትን ቅዲ ኣመራርሓን ዝልለዩ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ውዳበታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስ ግዜ ተቐልቂሎምን ገሊኦም ድማ ሓቒቖም ተሪፎምን። ምፍጣር ናይ’ዚ ተርእዮ’ዚ፡ ብዙሕ ረቛሒታት ክህሉዎ ይኽእል። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፤ ማሕበረ ቍጠባዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ናይ 1940ታትን 1950ታትን ፖለቲካዊ ሃዋህው፡ ከምኡ እውን ዓለማዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ወዘተ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ማሕበርነታዊ ደምበ ዝነበረ ምፍልላይ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ሕብረት ሶቭየትን ቻይናን ዝነበረ ወጥሪ፡ ከምኡ እውን ጽልዋ ናይ’ቲ ኣብ 1960ታትን 1970ታትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰፊኑ ዝነበረ ምንቅስቓስ ህዳሰ ዓረብ (Arab Renaissance)፡ ንፖለቲካዊ መልክዕ ኤርትራ ኣብ ምቕራጽ ልዑል ተራ ተጻዊቱ እዩ። ናይ’ዚ ፍልልያት’ዚ ጽልዋታት ብዘየገድስ፡ ምዕዋት ናጽነት ኤርትራ ብቐንዱ ብምኽንያት’ቲ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ዘርኣዮ መዘና ዘይብሉ ተወፋይነትን ዝኸፈሎ ክቡር መስዋእትን ምዃኑ ክከሓድ ዘይከኣል ሓቂ እዩ።
እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ውዳበታት ኤርትራ ዝነበረ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ብሰላማውን ደሞክራስያውን ዘተ ክፍታሕ ዘይምኽኣሉን’ዩ። እዚ ድማ ፖለቲካዊ ብስለትን ዓቕምን ድሌትን ዘይምንባሩን’ዩ ዘመልክት። ምሕቃቕ ናይ’ቲ ብሓራካ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዞባ ሳሕል፣ እቲ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝቐጸለ ትርጉም ኣልቦ ኲናት ሓድሕድን ፖለቲካዊ ረጽምን (ክሳዕ’ቲ ምውጻእ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ኤርትራ ዘኸተለ ተርእዮ)፡ ከምኡ እውን ካብ 1981 ክሳዕ 1991 ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዝተፈላለዩ ዝተበታተኑ ጉጅለታት ተጋድሎ ሓርነት ኤ ርትራን ሓሓሊፎም ዝተኻየዱ ወ ተሃደራዊ ግጭታት ከም ኣብነታት ክጥቀሱ ይኽእሉ። እዚ ኣብ መንጎ ግንባራት ዝነበረ ፍልልያት’ዚ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ (ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን) ከፋፋሊ ጽልዋ ስለ ዘሕደረ፡ ኣብ መንጎ ናይ ዝተፈላለዩ ውድባት ደገፍቲ ወጥሪ ፈጢሩ’ዩ።
ብመንጽር’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኩነታት፡ እቲ ብፖለቲካውን ወተሃደራውን ዓብላልነቱ ስልጣን ዝሓዘ ስርዓት ህግሓኤ፡ ቀዳማይ ትኹረቱ፡ ፖለቲካዊ፡ ርእዮተ ዓለማዊ፡ ሃይማኖታዊ ወይ ቀቢላዊ ጸግዒ ወይ ድራኸ (motivation) ብዘየገድስ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥርናፍ ዝዓለመ ናብ ሰላምን ሃገራዊ ዕርቅን ዳግመ ህንጻን ዝጥምት፡ ንኹሉ ዝሓቊፍ መድረኽ ምምችቻው ክኸውን ነይሩዎ። እዚ ተበግሶ’ዚ፡ ከም ም ልክት ፖ ለቲካዊ ብ ስለትን ና ይ ኣ ተኣላልያ ጥ በብን ተ ወሲዱ ሰ ላምን ሃ ገራዊ ዕርቂ ዝዕላምኡ መንግስቲ ብምቛም ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ይኽእል ነይሩ። ነዚ ተበግሶ’ዚ ብምውሳድ፡ ህዝባዊ ግንባር ብርክት ዝበለ መኽሰብ ክረክብን ንዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ድማ ኣብ ከባቢኡ ከም ዝዓስል ክገብርን ምኽኣለ ነይሩ።
እቲ ናይ ፖለቲካዊ ምስግጋር መድረኽ ወይ ገጽ፡ ብኣባላት ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ውዳበታት (ብውክልና ደረጃ)፡ ልምዳውያንን (traditional) ሃይማኖታውያንን መራሕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ወከልቲ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ከምኡ እውን ዲያስፖራ ሓዊሱ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝመጽኡ ወከልቲ ብዘካተተ መገዲ ብሃገራዊ ዋዕላ ኣቢሉ ክሕንጸጽ ይከኣል ነይሩ። ናይ ከም’ዚ ዝዓይነቱ ምትእኽኻብ ዕላማ፡ ንመሰጋገሪ እዋንን ንመጻኢ ሃገርን ዝምልከት ኩለ መዳያዊ መርሓ ጐደና (roadmap) ምሕንጻጽ ምኾነ ነይሩ። ከም ቀዳማይ ገጽ ናይ ሕውየት መስርሕ ኮይኑ እውን ከገልግል ይኽእል ነይሩ። እዚ መርሓ ጐደና’ዚ፡ በብእዋኑ እናተገምገመን እናጸፈፈን ዝኸደሉ ዕድል እውን ነይሩ እዩ።
ምስ ጐረባብቲ ምዉቕን ልባውን ዝምድና ምምስራት
ሃገራት፡ ጐረባብተን ክመርጻ ኣይክእላን እየን። ዕጫ ጐረባብቲ ሃገራት ድማ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ እዩ። ኣብ’ቲ ጐረቤት ዝፍጠር ለውጢ፡ ንውልቃውያን ሃገራት ክጸልወን ተኽእሎ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ጐረባብቲ ሃገራት ተመሳሳሊ ብድሆታት የጋጥመን እዩ። ክሊማዊ ለውጢ፡ ሕቶ ስደተኛታት፡ ዝተፈላለየ ቅርጽን መልክዕን ዘለዎ ፖለቲካዊ ጥሩፍነት ምቅላስ፡ ከምኡ እውን ወፍሪ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ዕጸ ፋርስን ካልኦት ዘይሕጋውያን ናይ ንግዲ ንጥፈታትን ከም ኣብነታት ክጥቀሱ ይኽእሉ።
ኣብ መትከላት ሽርክነትን ኣብ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን፡ ምኽባር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዝተሰረተ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝካየድ ምዉቕን ልባውን ዝምድናታት ምፍጣር ንርግኣት ዝኾነት ትኹን ሃገር ወሳኒ እዩ። እዚ ኩነት’ዚ፡ ካብ ምውሓስ ሃገራዊ ድሕነት ሓሊፉ፡ ነተን ኣብ ሓደ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ርጉእን ብልጹግን መጻኢ ንኽፈጥራ መሰረት ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዞባ፡ ብዘይ ርጉእነት (instability) ዝልለ ምስ ዝኸውን፡ ነቲ ኩነታት ንምምእዛንን ንምምራሕን ንምብዳህን ንምጽዋርን ዘኽእል ዓቕሚ ንምድላብ ተወሳኺ ጻዕሪ የድሊ።
ስለዚ፡ ኤርትራ ቀዳምነት ክትህቦ ዝነበራ፡ ብዛዕባ ዓለማውን ዞባውን ፖለቲካ ናይ ርድኢት ዓቕማ ምኽዕባት፡ ምስኡ ጎኒንጎኒ ድማ ዞባዊ ስኒት ንምርግጋጽ ዝዓለመን ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ምትፍናን ንምዝሓል ዝሕግዝ ፖሊሲ ወጻኢ ምሕንጻጽን ምትግባርን ክኸውን ነይሩዎ። “ሓደ መዓልቲ ካብ ምውጋእ ንሓደ ሽሕ መዓልቲ ዘተ ምክያድ ይምረጽ” ይብል ሱን ትሱ ዝተባህለ ዓቢ ቻይናዊ ናይ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ክኢላ። ሕመረት ናይ’ቲ ጥቕሲ ዘጉልሖ እንተልዩ፡ ዲፕሎማሲን ልዝብን ምውጋድ ግጭትን፡ ልዕሊ’ቲ ብባህሪኡ ኣዕናዊ ዝኾነ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዝያዳ ብልጫ ከም ዘለዎ እዩ።
እቶም ኣብ መ ንጎ ኤርትራ በቲ ሓ ደ ወገን፡ ጐረባብታ (የመን፡ ጂቡቲ፡ ኢትዮጵያ ብገለ ደረጃ እውን ሱዳን) ከኣ በቲ ካልእ፡ ዝተኸስቱ ወተሃደራዊ ረጽምታት ብፍጹም ኣድላይነት ኣይነበሮምን። ኵሎም’ዞም ክስተታት’ዚኣቶም ነናይ ባዕሎም ጠንቅታት’ኳ እንተ ነበሮም፡ ኣብ መኣዲ ዘተ ክፍትሑሉ ዘይክእሉሉ ምኽንያት ግን ኣይነበረን።
ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ሃገራት እንተስ ዶብ፡ እንተስ ካልኦት ረቛሒታት ዝድረኽዎም ምስሕሓባት ክህልዉ ታሪኽ ናይ ዓለምና ዝምስክሮ ጉዳይ እዩ። ኣብ ኣህጉራዊ ሕግን ደምብን ክንምርኮስ እንተ ዄንና ድማ ውግእ እቲ ናይ መጨረሽታ ኣማራጺ’ዩ ክኸውን ዝግብኦ። ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ዘለወን ሃገራት ውሑዳት ኣይኮናን። ልዝበን መንጎኛነት ሳልሳይ ኣካላት እናቐጸለ ግን ካብ ጐደና ልምዓት ኣይተኣልያን። መስርሕ ዕብየተን ድማ ኣይጐሰይኦን።
እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸፈተ’ሞ እዚ ዘይበሃል ዕንወት ዘብጽሐ ኲናት፡ ብመሰረቱ ክኸውን እውን ኣይነበሮን። ከም’ቲ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ በበይኖም ኣጋጣሚታት ዝገለጽዎ እቲ ኲናት “ትርጉመ ኣልቦ ኲናት” እዩ ነይሩ። ኣብ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ጥራይ ዝተሓጽረ ግን ኣይነበረን። ብናተይ መረዳእታ፥ ካብ ዶብ ሓሊፋ ኣብ’ቲ ጀዮፖለቲካ ወይ ዞባ መን ዓብለለ፡ መን ዝያዳ ጸለወ፡ ብፖለቲካን ቍጠባን ወተሃደራውን መን ሓያል ኮይኑ ወጸ ኣብ ዝብሉ ምስምሳት ዝተመርኮሰ’ዩ ነይሩ። ከም ናይ ንግዲ ልውውጣት፡ ባጤራ፡ ካልኦት ንዕኦም ዝመስሉ ረቛሒታት እውን ኣብ’ቲ ምስስሕሓብ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ኣብ መጨረሽታ ድማ ኣብ ጠረጴዛ ክጅመርን ኣብ ጠረጴዛ ክዛዘምን’ዩ ነይርዎ። ክልቲኦም ስርዓታት ነዚ ብድሆ’ዚ ብሜላን ውሕልነትን ክኣልዩ ዘምፍታኖምን ዘይምኽኣሎምን ነጸብራቕ ናይ ፖለቲካዊ ዘይብስለቶም (immaturity) እዩ። ስርዓት ኢትዮጵያ ነቲ ይግባይ ዘይበሃሎ ብይን ዶብ ሕቡራት ሃገራት ዘይምቕባሉ ይቕረ ዘይበሃሎ ፖለቲካዊ ጌጋ’ዩ ፈጺሙ። እቲ ኩነታት ከም ዝብእስ ኣብ ምግባር ድማ ዓቢ ተራ ነይርዎ። ዓለም ነዚ ምዕባለ’ዚ (ናይ ስርዓት ኢትዮጵያ እምቢታ) እናረኣየት ምጽቃጣ ድማ ብዝለዓለ ደረጃ ዝግለጽ ምስሉይነት ኣንጸባሪቓ። ብኵሉ መለክዒታት ድማ ክኹነን ዝግብኦ ተግባር እዩ።
ብዛዕባ ዝምድና ኣብ መንጎ’ቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዝነበረ ስርዓት ኢህኣደግን (ወይ እውን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ) ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን (ደሓር ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲ ንፍትሕን) ሓደ ከስምረሉ ዝደሊ ጉዳይ ኣሎ። ኣብ ታሪኽ ምልስ ኢልና እንተ ርኢናዮ፡ እቲ ዝምድና ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ብዙሕ ሓላፍ ዘላፍ ዝ ነበሮን ብ ዙሕ ው ረድ ደ ይብ ዝ ሓለፈን እ ዩ። እዞም ክ ልተ ውድባት ክንደይ ግዜ ብሓባር ዘይሰርሑ፡ ክንደይ ግዜኸ ዘይተሰሓሓቡ። ክንደይ ግዜ ናይ ሓባር ጸላኢ ዝነበሮም ክነሶም፡ ናይ ቃላት ውግእ ዘየካየዱ። ክንደይ ናይ ፕሮፓጋንዳን ጸለመን ዘመተ ኣብ ነንሓድሕዶም ዘይተኻየደ። እዚ በቲ ሓደ ወገን ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ድማ ክንደይ ናይ ሓባር ስራሕ ዘይሰርሑ። ሰራዊት ህወሓት ኣብ ሻድሻይ ወራር ከም ዝተሳተፈን፡ ናይ ክልቲኦም ውድባት ኣባላት ብሓባር ኣብ ጎቦታት ሳሕል ከም ዝተሰውኡን ዝኾነ ይኹን ሰብ ክኽሕዶ ዘይክእል ሓቂ እዩ። ተ.ሓ.ኤ. ካብ ሜዳ ከም እትለቅቕ ኣብ ምግባር ክልቲኦም ውድባት ብሓባር ኣይሰርሑን ድዮም? ድሕሪ ምድምሳስ እዚ ናደው፡ ክሳብ ምሕራር ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ውድባት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝነኣድ ሓባራዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ስርሓት ኣይተሰርሐን ድዩ? ሸውዓተ ዓመታት ድሕሪ ምሕራር ኤርትራን ኢትዮጵያንከ (ኣነ ናይ ፖለቲካ ሕጽኖት ኢለ ዝጽውዖ) ብድሆታቱን በብእዋኑ ዝኽሰቱ ዝነበሩ ሽግራትን ብዘየገድስ፡ ኣብ ሰናይ ጉርብትና ዝተመርኮሰ ናይ ሓባር ጻዕርታት (ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ቍጠባዊ፡ ዲፕሎማሲያዊ፡ ማሕበራዊ፡ ወዘተ) ኣይተኻየደን ድዩ? ሰበ ስልጣናት ክልቲኤን መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ብሓባር ኣየውደኽደኹን ድዮም? ኣብ ፈቐዶ ኣዝማሪ ቤት፣ (ኣብ ኣዲስ ኣበባ)፣ እንዳ ሪታ፡ ቦሎኛ ቤት ምግቢ ወዘተ (ኣብ ኣስመራ) ከም ሕሱም ኣይተሰትየን ድ ዩ? እዚ ኵሉ ክ ርሳዕ ዝግብኦ ኣይመስለንን። ብድሕሪ’ዚ ከኣ’ዩ ኣብ ኲናት ተኣትዩ። መበገሲኡ ከኣ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘርዚረዮ ዘሎኹ ምኽንያታት ይመስለኒ። ኣብ መጨረሽታ ሓደ ክብሎ ዝደሊ መሰረታዊ ሓቂ ኣሎ፣ ንሱ ድማ እዚ ዝስዕብ ኢዩ። ዝምድና ናይ ክልቲኦም ውድባት ምስ ረብሓታት ናይ ክልቲኦም ወድባት ብምዝማድ’ዩ ክርአ ዝግብኦ። ረብሓታቶም ኣብ ዝተረኣኣሰሉ (overlap) ዝነበረ እዋን ብሓባር ክሰርሑ ርኢና፡ ኣብ ዝጋራጨወሉ እዋን ድማ ክናቖቱ ክንርኢ ጸኒሕና። ባህርይ ናይ ፖለቲካ ስለ ዝኾነ። ክልቲኦም ንዝነበሮም ዘይምርድዳእ ወይ ፍልልያት ረብሓ ናይ ክልቲኡ ህዝብታትን ናይ’ቲ ዞባን ኣብ ግምት ብምእታው ብልዝብን ብሰላማዊ መገድን ከፈትሕዎ ነይርዎምዶ? እወ። ይኽእሉኸ ነይሮምዶ? ብዘይ ጥርጥር። ሰሪ ፖለቲካዊ ዘይብስለቶም (political myopia) ግን ኣይገበረዎን። እዚ ኣዝዩ የሕዝን። ንብድሕሪ ሕጂከ? ፖለቲካ ዘይገብሮ የብሉን። ኮፍ ኢሎም ክዘራረቡ እንተ ርኢና ክገርመና የብሉን። ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መረዳእታ ወጺእና፡ ንነገራት ኣብ ስምዒት ተሞርኲስና ክንርኢ ምስ እንጅምር ግን ኣብ እንበጽሖ የብልናን ዝብል መረዳእታ ኣለኒ።
ኣህጉራዊ ደገፍ ንምርካብን ግዳማዊ ስግኣታት ንምምካንን ዝተራቐቐ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ምግባርን
ዓለም ቅድሚ ሕ ጂ ዘ ይነበራ ም ትእስሳር ፈጢራ ኣላ። ግሎባውነት ( globalization)፡ ውልቀ ሃገራት ነንበይነን ብምዃን ክስስና ይትረፍ፡ ክነብራ እውን ዘየፍቅድ ሃዋህው ፈጢሩ ኣሎ። ሓንቲ ሃገር፡ ኣብ’ዛ ግሎባላዊት ዓለም ክትህሉ፡ ሕግታት ተሳትፎ (rules of engagement) ክትርዳእ ኣለዋ ወይ ድማ ክትዳኸምን ካብ ዓለም ክትንጸልን ዘለዋ ተኽእሎ እናዓበየ ይመጽእ። ብዛዕባ ሕግታት ኣከያይዳ ዓለም ኩለ መዳያዊ ግንዛበ ወይ ርድኢት ምምዕባልን ኣብ’ቲ ዓለማዊ ስርዓት ንምጉዓዝ ዘድሊ ጥበባት ምኽዕባትን ፈቲና ጸሊእና ክንሰግሮ ዘይንኽእል ሓቂ እዩ። እቲ ልሙድ ግሎባዊ ኣካይዳ (ወላኳ ኩለን ሃገራት ኣየተግብርኦ)፡ ረብሓ ካልኦት ከይጠሓስካ ወይ ንኻልኦት ከይዓመጽካ ሃገራዊ ረብሓኻ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ስራሕ ምስራሕ ማለት እዩ። ኣብ ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ፡ ኵሎም ተቐናቐንቲ ኣካላት መኽሰብ ዝረኽቡሉ (win-win solution) ኩነታት ምፍጣር ማለት እዩ። ሓደ ሓደ ኣህጉራዊ ደምብታት (norms) ብምግንዛብን ብምኽባርን ናይ ሓባር ባይታ ብምልላይን ብምምችቻእን፡ ሃገራት፡ ዞባዊ ስኒትን ምርግጋእን፡ ዕብየትን ብልጽግናን ከበጋግሳን ካብ ነንሕድሕደን ዝመሃራሉ መገዲ ክፈጥራን ክናበባን ይኽእላ እየን። ኤርትራ በዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ መትከላት ዝኽተል ፖሊሲ ክትረብሕ ምኸኣለት ነይራ።
ሰባት ዘማእከለን ኣብ መትከል ሽርክነት ዝተመስረተን ውጥናትን መደባትን ልምዓት ምሕንጻጽ
ዘላቒ ዕብየት፡ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ርጉእን ጥዑይን ቍጠባዊ ሰረታት ይሓትት፣ ከምኡ እውን ኣብ ኵሉ ዓውድታት ንቍጠባዊ ወፍሪ ዘመቻችእ ጥዑይ ሃዋህው ይጠልብ። ነዚ ንምፍጻም ድማ ብሃገራዊ ዘተን ልዝብን ዝምዕብል (ዝረቅቕ)፡ ድኽነት ንምንካይ ዝዓለመ ሃገራዊ ልምዓታዊ ስትራተጂ ምሕንጻጽ የድሊ። ዋኒናውነት (entrepreneurship) ዘደንፍዕ፡ ውህለላ ርእሰ ማልን ወፍርን ዘተባብዕ፡ ሰደድ ዘዕቢ፡ ምስ ጐረባብትን ምስ ግዳማዊ ዓለምን ድልዱል ንግዳዊ ዝምድናታት ከም ዘድሊ ዝርዳእ፡ ዞባዊ ምትሕብባር ዘቐድም ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ፖሊሲ (ጥዑይ ፊስካላውን ገንዘባውን ፖሊሲ ሓዊሱ) ምሕንጻጽ ድማ ይሓትት።
መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጣዊ ዕዳጋአን ናይ ብሕታዊ ጽላት ምውድዳር ከተባብዓ ከለዋ፡ ናይ ወጻኢ ወፍርን ህዝባዊ ኣገልግሎትን ንኸዕብያ ሓጊዙወን እዩ። ከመይሲ እቲ ብሕታዊ ጽላት ንተዓጻጻፍነትን ፈጠራን ስለ ዘተባብዕ። ሞሪሸስ በቲ ዘረጋገጸቶ ናይ መንግስታውን ብሕታውን ጽላታት ኣብነታዊ ሽርክነት፡ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ረኺባ ኣላ። ኬንያ እውን ብዙሕ ግዜ ብሰደድ ሆርቲካልቸር ማለት፡ ዕንባባታትን ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ከም ኣብነት ትጥቀስ። ኣብ ውሽጢ ሰላሳ ዓመታት፡ ሰደድ ሆርቲካልቸር ዓብዩ፡ ናይታ ሃገር ካልኣይ ዝዓበየ ናይ ወጻኢ ሸርፊ እቶት ኮይኑ ኣሎ።
ማሕበረሰባት፡ ድሌታቶም እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዝዕወቱሉን ንምፍላጥ ኣብ ኣዝዩ ዝሓሸ ኩነታት ስለ ዝርከቡ፡ ነቶም ማሕበረሰባት (local communties) ዘማእከለ ናይ ል ምዓት መደባት ክ ሰፍሕ ይግባእ። ይኹን’ምበር ናይ’ዞም ተ በግሶታት ቀ ጻልነትን ዘላቕነትን ንምውሓስ፡ ትካላዊ ለውጢ የድሊ እዩ። ስለዚ መንግስታት ተሓታትነት ንምዕባይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዘለዉ መንግስታውያን ትካላት ብኣድማዕነት ተልእኾኦም ምእንቲ ክፍጽሙ ቅጥዒ ዘትሕዙሎም መገዲ ከናድዩ ኣለዎም። እዚ ድማ ንዘይተማእከለ (decentralized) ኣገባብ ምሕደራን ፖለቲካዊ ስልጣንን፡ ምዕሩይ ዝርጋሐ ጸጋታትን ዘካተተን ንተሓታትነትን ግሉጽነትን ከም ኣገባብ ዘቐድምን ክኸውን ይግብኦ። ከም ህንድን ሞሪሸስን ዝኣመሰላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ናይ’ዚ ኣገባብ’ዚ ግሩም ኣብነታት እየን። እቶም ትካላት ንጹራት ዝኾኑ ሓላፍነታትን ስልጣንን ክወሃቦም ድማ ይግባእ።
ከም ፖሊሲ፡ ኣብ ብዙሓውነት (diversification) ቍጠባዊ ምንጪ ሃገር ምትኳር፡ ኣብ በይናዊ ምንጪ ቍጠባ (uni-economy) ዘተኮረ ቍጠባ ንከይትቑረን ይሕግዘካ። ብብዙሕነት ዝልለ ቍጠባ (diverisified economy) ከም ፖሊሲ ዘየተኣታትዋ ሃገራት፡ ቍጠባዊ ነውጺ ክገጥመን ዘሎ ተኽእሎ ቅልውላው እናዓበየ ይመጽእ። ሞሪሸስ ካብ እንኮ ቍጠባ (ምፍራይ ሽኮር) ጥራይ ዝተመርኮሰት ሃገር፡ ናብ ዝያዳ ዝተፈላለየን ናብ ሰደድ ዝቐንዐን ቍጠባ እተሳሲ ሃገር ብምዃን ነዊሕ መገዲ ተጓዒዛ ኣላ። ብኣንጻሩ፡ ዋላ’ኳ ጽቡቕ ቍጠባዊ ኣፈጻጽማ እንተ ሃለዎ፡ ቍጠባ ቦትስዋና ግዳይ ምልውዋጥ ግሎባዊ ዕዳጋ ኣልማዝ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ስክፍታታት ኣሎን ጸኒሑን። ቍጠባዊ ውድቀት ኣርጀንቲና፡ ቍጠባኣ ብዙሕነት ብዘይምህላዉ ግዳይ ከም ዝኾነት እውን ይግለጽ እዩ። ስለዚ ቍጠባ ሓደ ሃገር ብዝሓዊ ጠባይ ከም ዝህልዎ ምግባር ከም ስትራተጂ ልምዓት ብዕቱብ መገዲ ክሕሰበሉ ይጥለብ (Liebenthal, 2006)።[i]
ቍጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ምስ ኣህጉራውያንን (multilateral) ክልተኣውያንን (bilateral) ትካላት ፋይናንስ ምትሕብባር የድልዮ ነይሩ። ቍጠባ ሃገር ንምድልዳል ንብሕታዊ ጽላት መተባብዒታት ክቐርበሉ ነይሩዎ። ኤርትራ ንኽትዕወት፡ ድልዱል ቍጠባ፡ ብዓለም ደረጃ ተቐባልነት ዘለዎ ብሉጽ ዲፕሎማሲ፡ ምስ ጐረባብታን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣወንታዊ ዝምድና፡ ምሁርን ዝሰልጠነ ሕብረተሰብን ተባላሓቲ መንእሰያትን ምዕቡል ብሕታዊ ጽላትን የድልያ ነይሩ።
ምህናጽ ትካላት – ኣብ መንጎ ሓጋጊ ኣካል፡ ፈጻሚ ኣካልን ፈራድን ናይ ስልጣን ምፍልላይ፡ ልዕልና ሕጊ ምርግጋጽ፡ ምንጻር (definition) ዕማም መንግስቲ
ሰናይ ምሕደራ፡ ንቍጠባዊ ዕብየት ወሳኒ ረቛሒ እዩ። ንውድቀት ፖሊሲን፡ ምርማስ ዕዳጋን ንምውጋድ ድማ ቅድመ ኩነት እዩ። መዝገበ ቃላት ዌብስተር፡ ንምሕደራ ክገልጾ እንከሎ፥ “ኣብ ናይ ሓንቲ ሃገር፡ ንልምዓት ዝጠመተ ቍጠባውን ማሕበራውን ጸጋታት ንምምሕዳር ወይ ንምክያድ ዝዝውተር ናይ ስልጣን ኣገባብ እዩ” ይብል።[ii] ባንኪ ዓለም ንምሕደራ ክገልጾ እንከሎ ድማ ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ ስልጣን በቲ ዘሎ ልምድታትን ትካላትን ክትግበር እንከሎ እዩ ይብል። እዚ ድማ መንግስታት ዝምረጹሉ፡ ዝከታተሉሉን ዝተኻኽኡሉን፡ ጥዑይ ፖሊሲታት ብኣድማዒ መገዲ ናይ ምሕንጻጽን ምትግባርን ዓቕሚ፡ ከምኡ እውን ዜጋታትን መንግስትን ኣብ መንጎኦም ንዝካየድ ቍጠባውን ማሕበራውን ርክባትን ውዕላትን ኣብ ዘመሓድሩ ትካላት ዘለዎም ኣኽብሮት የጠቓልል። ባንኪ ዓለም (WB) ምሕደራ ዝዕቀነሎም ሽድሽተ መዳያት (dimensions) ይገልጽ። እዚኣቶም ድማ ድምጽን ተሓታትነት፡ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ምርግጋጽን ጐነጽ (violence) ናይ ዘይምህላውን ኩነትን፡ ብቕዓት መንግስትን፡ ጽፈት ቊጽጽርን፡ ልዕልና ሕግን ከምኡ እውን ምቊጽጻር ብልሽውና (Bank T. W., World Governance Indicators, n.d.) ኢዮም።[iii]
ፒተር ሮጀርስን መዳርስቱን ኣብ’ታ መእተዊ ንዘላቒ ልምዓት (An Introduction to Sustainable Development) እትብል መጽሓፍ፣ ድኹም ምሕደራ ንልምዓት ዕንቅፋት ምዃኑ፡ ንመስርሕ ልምዓት ዝጥምዝዝን ኣብ ድኻታት ዘይመጣጠን ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ዝኽእልን ምዃኑ ይሕብሩ። ሰናይ ምሕደራ፡ ተሓታትነት፡ ህዝባዊ ተሳትፎ፡ ምምሕዳራዊ ዘይምእኩልነትን፡ ግሉጽነትን ተገማትነትን (predictability) ከም ዝሓትት ድማ ይምጉቱ (Peter P. Rogers, 2009)።[iv]
ተሓታትነት ክብሃል እንከሎ ሰበ ስልጣን በቶም ዘዘውትርዎም ጠባያት (ነውራማትን ቅቡላትን) ተጠየቕቲ ምዃኖም የመልክት፣ ዘይምእኩልነት፡ ንኹሎም ሰብ ብርኪ (stakeholders) ኣብ መስርሕ ውሳነ ንኽሳተፉ ሃዋህው ይፈጥር፣ ጥዑያት ፖሊሲታትን ሕግታትን ስርዓታትን ብጥብቂ ምኽባር ድማ ንተገማትነት (predictability) የውሕስ። ብዘይካ’ዚ፡ ሓደ ስርዓተ ምሕደራ ግሉጽነት የዘውትር’ዩ ንኽበሃል፡ ዜጋታቱ ብዛዕባ ኵሉም እቲ መንግስቲ ዝወስዶም ስጉምትታትን ፖሊሲታትን ክሕበሩ ይግባእ (Peter P. Rogers, 2009)።[v]
ብመሰረት ካልደረሲ ዝተባህለ ናይ ስነ ቍጠባ ክኢላ፣ ቍጠባዊ ዕብየት ክረጋገጽ ዝኽእልን ናይ ወጻኢ ሓገዝ ኣድማዒ ዝኸውንን፡ መንግስታት ድሮ ኣብ ቅኑዕ መስመር ምስ ዝ ህሉዉን፡ ቀዳምነታቶም ም ስ ዘ ለልዩን ዘ ነጽሩን፡ ፖሊሲታት ም ስ ዘ ተግብሩን፣ ከምኡ እውን ቁልፊ ትካላት ከማዕብሉ ከለዉን እዩ ይብል። እዚ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ወጻኢ ሃገራት ዝርከባ ርእሰ ከተማታት ንዝርከቡ ሰባት ክትምስጥ ምድላይ፡ ናይ ባዕሉ ምኽንያት ዘሎዎ ክኸውን ይግባእ (Calderisi, 2006)።[vi] ኮሊየን ጋኒንግን መብርሂ ንቍጠባዊ ኣፈጻጽማ ኣፍሪቃ (Explaining African Economic Performance) ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ ዓንቀጽ፡ ኣብ መንጎ ቍጠባዊ ዕብየትን፡ መጠን ሓገዝ ልምዓት ወጻኢ ሃገራትን፡ (Overseas Development Aid – ODA) ብሰንኪ ድኹም ፖሊሲታተን፡ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣሉታዊ ዝምድና ከም ዘሎ ይሕብሩ (Gunning, 1999)።[vii] ፖል ኮሊየር ኣብ’ቲ ንዝወደቐት ሃገር ዳግም ንምህናጽ ዘድልዩ ሓደስቲ ሕግታት – New Rules for Rebuilding a Broken Nation – (ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ እተዋህበ) ብዝብል ኣርእስቲ ዝሃቦ ፍሉጥ ኣስተምህሮኡ፡ ንመንእሰያት ስራሕ ምፍጣርን ኣወሃህባ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝድግፍን ንጹህ መንግስቲ ከም ዘድሊ እውን ኣስሚሩሉ። “እዚ” ይብል ንሱ “ሃገራት ካብ ናይ ስርቂ ፖለቲካ ናብ ናይ ተስፋ ፖለቲካ ክሰጋገራ ክመርሐን ይኽእል’ዩ (Collier, 2009)።[viii]
ሓደ ካብ’ቲ ናይ ሓንቲ ውልዶ ሃገር ቀንዲ ቀዳምነታት፡ ነቲ ናይ ምሕደራ ጉዳይ ትኹረት ምሃብ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፤ ልምዓታዊ ስትራተጅኣ ንኹሉ ዝሓቁፍ ንክኸውን ጻዕሪ ምግባር፣ ንፍሉይ ኩነታታ ዝምልሱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝማዕበሉ (homegrown) ፖሊሲታት ምሕብሓብ፡ ድልዱላትን ግሉጽነት ዝመለለዮም ትካላት ምህናጽ፡ ፖሊሲታታ ንምትግባር ዘኽእላ ስርዓት ኣሰራርሓ (standards of parctice) ምምዕባል፡ ከምኡ እውን ናይ ሕጊ ኣልቦነት ባህርያት ምቕናስ ወይ ምውጋድ።
ሓንቲ ውልዶ ሃገር (ወይ እውን ዝኾነት ሃገር)፡ ንዕማም መንግስቲ ብንጹር ከተቐምጥ ግዴታ ኣለዋ፣ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ እትጻወቶ ተራ ድማ ብንጹር ከተቕርቦ ይግባእ። መንግስታት ብሓፈሻ፡ ብውጽኢታዊ መገዲ የተግብርኦ ወይ ኣየተግብርኦ ብዘየገድስ፡ ፍሉይ ተልእኾ ኣለወን – እዚ ድማ ፍሉይ ጠመተ የድልዮ። ምኽንያቱ ድማ ናይ ሓደ መንግስቲ ዓወት ወይ ውድቀት ኣብ ናይ’ዞም ተልእኾታት ኣተሓሕዛን ምሕደራን ስለ ዝምርኮስ።
ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ሓላፍነታት መንግስቲ፡ ልምዓታዊ ፖሊሲታት ምሕንጻጽን ንዕኡ ንምፍጻም ወይ ንምትግባር ዝሕግዙ ስትራተጅታት ምንጻርን እዩ። መንግስታት ንተልእኾኦም ብንጹር ይገልጹ፣ ነቲ ቀንዲ ክብርታቶምን ዕላማታቶምን የነጽሩ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ዕጫ (destiny) ናይታ ሃገር የርቅቑ። እዚ ተልእኾ’ዚ ንዜጋታት ኣገልግሎት ምሃብ፡ ልዕልና ሕጊ ምኽባር፡ ቍጠባዊ ብልጽግና ምብራኽ፡ ድሕነት ዜጋታት ካብ ውሽጣውን ግዳማውን ሓደጋታት ምውሓስ፡ ንቍጠባዊ ዕብየት ኣገዳሲ ትሕተ ቅርጺ ምውዳድ፡ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕና፡ ከምኡ እውን ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ምዕሩይ ብዝኾነ ኣገባብ ምዝርጋሕን ምሃብን፡ ምስ ጐረባብትን ማሕበረሰብ ዓለምን ንሓባራዊ ረብሓን ካልእን ኣወንታዊ ዝምድናታት ምሕብሓብ ዘጠቓልል እዩ። ኵሎም’ዞም ልዕል ኢሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ረቛሒታት፡ ህዝቢ ኣቐዲሙ ዘትዩሎም ኣብ ዝሰፈሩ ማሕበረ ቍጠባዊ ኣቀዋውማ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘእተዉ ናይ ፖሊሲ ሰነዳት ዝጥርንፉን ግሉጻትን ክኾኑ ይግባእ። ኣብ ኵሎም’ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕማማት፡ ምዕሩይነት (equity) ልዑል ኣቓልቦ ክወሃቦ ይግባእ።
እቲ ካልኣይ ወይ ስትራተጂያዊ ውጥን ምርቃቕ (እቲ ካልኣይ ዕማም)፡ እምነ ኩርናዕ ናይ ዝኾነ መንግስቲ ሓላፍነት እዩ። መንግስቲ ነዞም ዕላማታት ፖሊሲ ብኸመይ ከተግብሮም ከም ዝሓሰበ ክገልጽ ኣለዎ። እንታይ ዓይነት ኣገባብ’ዩ ክኽተል? ውሽጣውን ግዳማውን ጸጋታት ብኸመይ ከካትት ወይ ከጎሳጉስ እዩ? ኣብ’ዚ ጻዕሪ’ዚ እቲ ብሕታዊ ጽላት እ ንታይ ተ ራ ኣ ለዎ? ዜ ጋታት ነ ዞም ዕ ላማታት’ዚኣቶም ኣ ብ ም ፍጻም እ ንታይ ሓላፍነት ይስከሙ? ኣብ መንጎ እቲ ብሕታውን መንግስታውን ጽላላታት እንታይ ዓይነት ሽርክነት የድሊ? ተራ ናይ ግዳም ርእሰ ማል እንታይ ክኸውን እዩ? ብኸመይከ ናብ ሃገር ይፈስስ? በየናይ መገዲኸ ትጥቀመሉ? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ይጽበዩ።
እቲ ሳልሳይ መሰረታዊ ግደ መንግስቲ፡ ድልዱል ስርዓተ ምቊጽጻር (regulatory mechanism) ምፍጣር እዩ። ብመሰረት ቍጠባውን ማሕበራውን ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት እስያ ፓሲፊክ (United Nations ESCAP)፡ እዚ ስርዓተ ምቊጽጻር ነዞም ዝ ስዕቡ የጠቓልል፥ ሕ ጋዊ መ ሳርሒታት፡ ሕ ግታት፡ ኣገባባትን ኣ ሰራርሓታትን፡ መስርሓትን። እዞም ኣገባባት’ዚኣቶም ንብዙሓት ዕላማታት ዘገልግሉ ኮይኖም፡ ህዝባዊ ረብሓታት ምርግጋጽ፡ ንቴክኒካውን ድሕነታውን ጽፈታውን ደረጃታት (quality standards) ንምሕላው፡ ከምኡ እውን ንልሙዳት ኣገባባት ኣሰራርሓ (compliance) ንምውሓስ ከም ኣብነታት ክጥቀሱ ይኽእሉ (ESCAP, 2008)።[ix]
ራብዓይ ዕማም መንግስቲ ድማ ንሃገራዊ ዳግመ ህንጸትን ልምዓትን ዘድሊ ክኢላ ዓቕሚ ሰብ ንምህናጽ ብማለት ፖሊሲ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ (HDR) ምሕንጻጽ እዩ። ኣብ’ዚ ከይተመለሹ ክሓልፉ ዘይግብኦም ነገራት ኣለዉ። ነዞም ዝስዕቡ ድማ ከጠቓልሉ ይኽእሉ፤ እንታይ ዓይነት ዓቕሚ? እንታይ ዓይነት ክእለት? እንታይ ዓይነት ስነ ምግባር? እቲ ዝውሃብ ትምህርቲ ንናይ መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን ጠለብ ክኢላዊ ዕዮ የማልእ ድዩ? እቲ ዝውሃብ ትምህርትን ስልጠናን ንምርምርን ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባን ዘተባብዕ ድዩ? ምስ ፖሊሲታት ዳግመ ህንጸት ሃገር ዝሳነ ድዩ? ወዘተ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕማማት፡ ንሓንቲ ውልዶ ሃገር ዓበይቲ ብድሆታት እዮም ነይሮም። ኣብ’ዚ፡ እቲ ቁምነገር፡ ካብ’ቶም ድሮ እትውንኖም ልምድታት ጀሚርካ ንሓድሽ ሓሳባት ክፉትን ተቐባልን ኴንካ ምጽናሕ’ዩ ነይሩ። ነዚ መገዲ’ዚ ተኸቲልካ ንምጉዓዝ፡ ፖለቲካዊ ድሌትን ተወፋይነትን የድሊ ነይሩ። ምኽንያቱ ድማ ሰላምን ምርግጋእን ራህዋን ንምስፋን ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበረ።
ነብሳ ዝኸኣለት ኤርትራ ምህናጽ ነዊሕ እዋን ዝሓትት ጻዕሪ እዩ። ነዚ ንምዕዋት ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ኣወንታዊ ዝምድናታት እናኣደንፈዐት ብውሕልነትን ጽፈትን ምስ ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት ክትሰርሕን ክትተሓጋገዝን ነይሩዋ። ኣብ ወሰናስን ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣ ድማ ንረብሓኣ ክውዕል ነይሩዎ።
ንጸጋታት ዓቕሚሰብ ኤርትራ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምብጻሕ
ፍልጠት፡ ክብርታትን ክእለትን፡ ንውልቀ ሰባትን ንማሕበረሰባትን ሕብረተሰባትን ቍጠባዊ ምዕባለ ንምውሓስ ይሕግዞም። ዝተማህሩ ሰባት ዝያዳ ኣፍረይቲ እዮም፣ ኣብ ምዕባይ ቍጠባ ድማ ዝያዳ ኣበርክቶ ይገብሩ። ኣብ ትምህርቲ ዝግበር ወፍሪ ብመንጽር ውልቃዊ ኣታዊታት ብተዛማዲ ዓቢ ረብሓ ይህብ። ምጽሓፍን ምንባብን ቁጽርን ንሕብረተሰባት ዓይነት ናይ’ቲ ዓያዪ ሓይሊ ንምድንፋዕ ይሕግዞም። ትምህርቲ፡ ደረጃ መነባብሮ ንምዕባይን ሰባት ካብ ድኽነት ንምውጻእን ቀንዲ ረቛሒ እዩ።
ትምህርቲ ንቍጠባዊ ዕብየት ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ደረጃ መነባብሮ ክመሓየሽ እንተ ኾይኑ፡ ቍጠባዊ ዕብየትን ልዑል ኣፍራዪ ጉልበት ሰብን ይሓትት። እዚ ክኸውን ዝኽእል ኣብ ዓይነት ዓያዪ ክፋል ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ለውጢ ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። ብትምህርትን ስልጠናን ጥራይ’ዩ ድማ ናብኡ ዝብጻሕ (James M. Cypher, 2004)።[x]
ይኹን’ምበር፡ ብገለ ሃገራት ዝቐርብ ኣገልግሎት ትምህርቲ ጽሬት ይጎድሎ እዩ። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ’ተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ጎሊሑ ይረአ። ትምህርቲ ካብ ምሽምዳድ ወጺኡ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባ ከተባብዕን ነቲ ኵሉ ግዜ ዝቀያየር ጠለብ ዕዳጋ ዕዮ ድማ ከከም ኩነታቱ ክገጥሞን ክብድሆን ማዕረ ማዕሪኡ ክኸይድን ይግባእ። ስለዚ ዓይነት ወይ ጽሬት ትምህርቲ ምምሕያሽ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ጉዳይ ክኸውን ይግባእ። ሮዛሊን ማክኪዮን ኣብ መሳርሒታት ትምህርቲ ንዘላቒ ልምዓት (Education for Sustainable Development Toolkit)፡ ኣብ ዝብል ጽሑፋ፡ ትምህርቲ፡ ኣብቶም ንተሳትፎ ህዝብን ወሰንቲ ኣካላት ማሕበረሰብን ዘተባብዑን ዝድግፉን ጥበባትን ክብርታትን ኣረኣእያታትን ከተኩር ከም ዘለዎ ትሕብር። ትምህርቲ፡ ብገምጋም ንኹሉ ሕብረተሰብ ዝስሕብ ኣ ድማሳውን ንኹሉ ዝሓቁፍን ክኸውን ከም ዘለዎ ድ ማ ትሙጉት (McKeown, 2002)።[xi] ሓደ ብOECD (Organisation for E conomic Cooperation and Development) ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ናይ ዓቕሚ ሰብ ምምዕባል ረቛሒታት ኣብ ኣርባዕተ ቀንዲ ባእታታት ክጠቓለሉ ይኽእሉ እዮም ይብል። እዚኣቶም ድማ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ክእለት ዓያዪ ሓይሊ፡ ጥዕና ህዝቢ፡ ከምኡ እውን ንሰባት ምስ ናይ ዕዮ ዕዳጋ ዘራኽቡን ምስ ሓደስቲ ብድሆታት ብቕልጡፍ ንኽላመዱ ዕድላት ዝህቡን ፖሊሲታት (OECD, 2005) ኢዮም።[xii]
መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ዝበረኸ ኣጠቓቕማ ሰብኣዊ ዓቕሚ ወይ ሰብኣዊ ርእሰ ማል ከምኡ ድማ ኣብ ንምፍራይ ዝሕግዘካ ፍልጠት፡ ቍጠባ ንኽዓቢ ካብ ዝድርኹ ረቛሒታት’ዮም (Dietz, The Process of Economic Development, 2004)።[xiii] ስለዚ ከኣ መንግስቲ ብትምህርቲ፣ ኣብ ውሽጢ ስራሕ ብዝካየድ ስልጠና፡ ኣመጋግባ፡ ክንክን ጥዕናን ጽሬትን ኣቢሉ ኣብ ሰባት ወፍሪ ብምግባር ዓይነትን ደረጃን ናይ’ቲ ዝተቘጽረ ሓይሊ ዕዮ ከም ዝውስኽ ክገብር ይግባእ (James M. Cypher, 2004)።[xiv] ካብ’ዚ ብምብጋስ ጥዑይ ፖሊሲ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ንልምዓት ዘድሊ ቅድመ ኩነት እዩ። ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ደቡብ ኮረያ ኣብ ሰብኣዊ ርእሰ ማላ ዓቢ ወፍሪ ብምግባር ቅልጡፍ ዕብየት ከርእያ ካብ ዝኸኣላ ሃገራት ሓንቲ እያ።
ኣብ ህዝባ ወፍሪ ምግባር ንኤርትራ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ ነይሩ። ልዑል ትምህርቲ ዝቐሰሙ ኤርትራውያን ብ ደረጃ ዓለም ዝድነቑ ወፍርታት ክስሕቡ ይኽእሉ ነይሮም። እቲ ሓደ ሽሕ ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ነዊሕ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ፡ ምዕቡል ናይ ቱሪስት ኢንዱስትሪ ንምፍጣር ክውዕል ይኽእል ነይሩ። ኤርትራ ንናይ ኣገልግሎት ኢንዱስትሪን ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጅን (IT) ብዝምልከት እውን ማእከል ስሕበት ክትከውን ተኽእሎ ነይሩ።
መንእሰያትና ኣፍረይቲ ክኾኑ ብፍልጠት ዝሰነቑ፡ ምስ’ቲ ዓለም በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ምዕባለ (ስነ ፍልጠት፡ ተክኖሎጂ፡ ስነ ጥበብ፡ ስፖርት ወዘተ) ክላለዩ ጥራይ ዘይኮነስ ክመልክዎምን ክጥቀሙሎምን ከም ዝኽእሉ ምግባር፡ ልዑል ስነ ምግባርን ማሕበራዊ ክብርታትን ዘሳስዩ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ድማ ዘተግብሩ፡ ሃገሮምን ህዝቦምን ዘፍቕሩ፡ ብሃገሮም ዝንየቱ፡ ንመሰሎም ንምጥባቕ ድሕር ዘይብሉ፡ ንምርምርን ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባን (critical thinking) ዘጋልጾምን ዘላልዮምን ትምህርቲ ክቐስሙን ስልጡናትን ፍ ልልያት ዝጻወሩን ንክኾኑ ዘኽእሎም ት ምህርቲ ከም ዝቐስሙ ምግባር ኣገዳሲ ናይ ፖሊሲ ባእታ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ዘይተፈተነ ኣይኮነን። ክንደይ ሰብ ሞያ ንትምህርትን ስልጠናን ንወጻኢ ዘይተላእኩ። ክንደይ ተመሃሮ ንልዑል ትምህርቲ ናብ ከም ብዓል ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰላ ሃገራት ዘይተላእኩ። ውጽኢቱ ግን ኣዕጋቢ ኣይነበረን። ተማሂርካ መጺእካ መተባብዒ (ብመልክዕ ደሞዝ፡ ሓላፍነት፡ ናይ ስራሕ ርውየት፡ ወዘተ) ዘይትረኽበሉ እንተ ዄንካ፡ ብሞያኻ ንኽትሰርሕ ወይ እውን ከተገለግል ዘመቻቹ ትካላዊ ኣሰራርሓ እንተ ዘየልዩ፡ ወይ እውን ከም ብዓል ሞያ መጠን ዝግበኣካ ኣኽብሮት ዘይትረክብ እንተ ዄንካ፡ ሞያኻ ኣብ መዓላ ምውዓል በዳሂ እዩ። በዞም ዝተጠቕሱ ምኽንያታት ከኣ ኢዩ ውጽኢቱ ኣዕጋቢ ኣይነበረን ዝበሃል።
ዓቕሚ ዲያስፖራ ምምዝማዝ፥ ንዲያስፖራ ኣብ ሃገራዊ ዳግመህንጸት ምውህሃድ
ናይ ዓለማዊ ባንክ[xv] (WB) ኣብ 1994 ዓ.ም. ቊጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ከም ዝነበረ ገምጋም ከም ዝነበሮ ገሊጹ (Miovic, 1994)።[xvi] ዲያስፖራ ከም ዓቢ ሓይሊ ተወዲቡ ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝገበረን ኣብ ተጋድሎ ንናጽነት ኤርትራ ብዙሕ መ ስዋእቲ ከ ም ዝ ኸፈለን ክ ዝከር ዘ ለዎ ጉ ዳይ እ ዩ። ህ ዝባዊ ግ ንባር ሓ ርነት ኤርትራ፡ ካብ’ቶም ዓበይቲ ዓለማውያን ፖለቲካውያን ተዋሳእቲ (ምዕራባውያን ኣብ ዙርያ ኣመሪካ፡ እቲ ማሕበርነታዊ ደምበ ከኣ ኣብ ዙርያ ሕብረት ሶቭየት ነበር) ምስ ተነጸለ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝተወደበ ሓፋሽ ውዳበታቱ ኣቢሉ፡ ንዲያስፖራ ከም ሓደ ዓቢ ፖለቲካዊ ዓንዲ ሕቖን ከም ሓደ ናይ ገንዘብ ኣታዊ ምንጭን ተጠቒሙሉ እዩ። ኣብ 1991 ዓ.ም. መንግስቲ ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናይ ዲያስፖራ ግብሪ ኣተኣታትዩ፣ እዚ ድማ ካብ ስራሕ ይኹን ካብ ማሕበራዊ ድሕነት ዝረኽቡዎ ኣታዊታት ብዘየገድስ ካብ ዓመታዊ ኣታዊኦም ክልተ ሚእታዊት’ዩ ነይሩ (Hirt, 2014)።[xvii] ዲያስፖራ፡ ናይ’ቲ ግንባር ዓቢ ምንጪ እቶት ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ነቲ ንናጽነት ዝግበር ምንቅስቓስ እውን ዘይተኣደነ ፖለቲካዊ ደገፍ ይገብር ነይሩ እዩ። ብህዝባዊ ዲፕሎማሲ ገይሩ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ፖለቲካዊ መድረኻት ድምጺ ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ኤምባሲታት ኤርትራ ካብ ዲያስፖራ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ኣብ ምእካብ ንጡፋት ኮይነን ጸኒሐን እየን። ኣምሳያ ናቱ ድማ ኣባላት ዲያስፖራ መ ንግስታዊ ኣገልግሎታት ክረኽቡ ዘኽእሎም ፍቓድ ተዋሂቡዎም። እዚ ድማ ናይ ልደትን መርዓን ምስክር ወረቐት ምርካብ፡ ኣብ ኤርትራ መሬት ናይ ምግዛእ መሰል ምህላው፡ ናይ ንግዲ ስራሕ ዕድል፡ ከምኡ እውን ናይ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣዝማድ መውጽኢ ቪዛ ናይ ምርካብ ዕድላት ተዋሂቡዎም (Reich, 2015)።
ንድሕሪት ተመሊስና እንተ ርኢናዮ፡ ኤርትራ ካልእ ኣገባብ ብምኽታል ንዲያስፖራ ብዝበለጸ ክትጥቀመሉ ትኽእል ነይራ እያ። ኣብ ክንዲ ካብ ደሞዞም ክልተ ሚእታዊት ግብሪ እትወስድ፡ ኣብ ዓዶም ወፍሪ ንኽገብሩ ከተነቓቕሖምን ከተተባብዖምን ትኽእል ነይራ፡ በዚ ድማ ሰፊሕ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣታዊታት ናብ’ታ ሃገር ክትስሕብ ምኸኣለት። እዚ ድማ ብግዴኡ ነታ ሃገር ኣብ ጥዑይ ናይ ዕብየት መስመር (trajectory) ከቐምጣ ይኽእል ነይሩ።
ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣካላት፡ ሲቪካዊ ውዳበታት፡ ሃይማኖታዊ ትካላትን ብዲያስፖራን ዝቖመ ስሙር ግንባር፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ ኣብ ሃገራዊ ዕርቂ ዝተመስረተ መንግስቲ ንምህናጽ መገዲ ክጸርግ ይኽእል ነይሩ። እቲ ድሕሪ ናጽነት ዘጋጠመ ዝኸፍአ ነገር፡ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ዲያስፖራ ዝተበገሰን ኮነ ኢሉ ዝተዀስኰሰን ናይ ፖለቲካ ምምቕቓልን ምርሕሓቕን መንፈስን ሃዋህውን’ዩ ነይሩ።
ምህናጽ ውሁድ ሃገራዊ መንነት
ብባህሎም፡ መንነቶም፡ ታሪኾም፡ ስርዓተ ክብርታቶምን ዝሕበኑ ማሕበረሰባት፡ ዋላ’ኳ ዘገም ኢሉ ዝጐዓዝ ይኹን፡ ዘላቒ ምዕባለ ከርእዩ ተኽእሎ ኣሎ። ሃገራዊ መንነት፡ ንሰባት ኣብ ዙርያ ህንጸት ሃገር ዝኣመሰሉ ቅዱሳትን ልዑላትን ባህግታት ኣብ ምጉስጓስ ዘገልግል ኣድማዒ መሳርሒ እዩ። ኣብ ኤርትራ ህንጸት ሃገር ኣብ መወዳእታ 1880ታት ኢጣልያ ንኤርትራ ብመግዛእቲ ኣብ ዝጐበጠትላ እዋን እዩ ጀሚሩ። ድሕሪኡ ዝመጸ መግዛእታዊ ምምሕዳር (ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር) ነቲ ኣብ ሓደ እዋን ተዓፊኑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ንቕሓት ኣብ ምዕባይ ግደ ነይሩዎ። እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ፈደራላዊ ስርርዕ፡ ንኤርትራ ብ1962 ማለት ኤርትራ ብሃጸያዊት ኢትዮጵያ ክሳዕ እትጉበጥ፡ ናይ መጀመርታ ዕድል ርእሰ ምሕደራ ሂቡዋ እዩ። እዚ ድማ ካብ ኵሉ ጽፍሕታት ሕብረተሰብ ንዝመጹ ዜጋታት ንሓባራዊ ዕላማ (ናጽነት) ዝእክብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ወሊዱ። በዚ ድማ ህንጸት ሃገር ኣብ ኤርትራ ብርግጽ ኣቐዲሙ ብምጅማር፡ ኣብ’ቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ኲናት ናጽነት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
ኲናት ናጽነት፡ ዝተሳገሮ ዓቐበ ቊልቁል ብዘየገድስ፡ ኣብ ኤርትራውያን ሓያል ናይ ሃገራዊ መንነት ስምዒት ኣለዓዒሉ እዩ። ካብ ክልቲኡ ደምበታት ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ተነጺሎምን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝኾነ ደገፍ ኣብ ዘይነበሮን ሃዋህው፡ ምንቅስቓሳት ናጽነት፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸጋታት (ብዓቢኡ ድማ ዓቕሚ ህዝቢ ኤርትራ) ካብ ምጽጋዕ ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን። ጒዕዞ ናጽነት ነዊሕን ኣድካምን፡ እቲ ጸላኢ ሓያልን ዝተራቐቐን፡ (ብሕብረት ሶቭየትን መሻርኽታን ዝድገፍ)፡ ዝተኸፍለ ዋጋ ድማ ከቢድ’ዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ እቶም ንናጽነት ዝጠመቱ ምንቅስቓሳት ንመብዛሕትኡ ህዝቦም ኣብ ዙርያ’ቲ ክቡር ዕላማ ከም ዝዓስል ገይሮምዎ። እዚ ዝወለዶ ናይ ኩርዓትን ሃገራዊ መንነትን ስምዒት እሞ ሕሰቡዎ!
ድሕረ ናጽነት፡ ኤርትራ፡ ሃገራዊ መንነት ንምድልዳልን ንምድራዕን ኣብ’ዚ መሰረት’ዚ ክትህነጽ ትኽእል ነይራ። ብዘይካ’ቲ ሃገራዊ መንነት ኣብ ምድልዳል ኣበርክቶ ዝገበረ ናይ ሰላሳ ዓመት ኲናት፡ ካልኦት ናብ’ቲ ዝቕጽል ደረጃ ንምስግጋር መሳርሒ ክኾኑ ዝኽእሉ ረቛሒታት ነይሮም እዮም። እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ የጥቓልሉ፤ ምዕቡልን ውሁድን ቍጠባ፡ ዝተማህረን ዝሰልጠነን ህዝቢ፡ ዘመናዊ ትሕተ ቅርጺን ናይ መራኸቢ መስመራትን ሰናይ ምሕደራ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ መንጎ ዜጋታት ናይ ሓባር ረብሓታትን ዕላማታትን ምርጫታትን ምፍጣር (Reich, 2015)።[xviii]
ስርዓት ኤርትራ መኽሰቡ ከደልድልን፡ ሃገራዊ መንነት ንምዕባይ ድማ ንጥፈታቱ ክብ ከብልን እኹል ዕድል ነይሩዎ። ስዒቡ ድማ እቲ ብግቡእ ዝተኾስኮሰ ሓድሽ ወለዶ፡ እዞም ክብርታት እዚኣቶም ምስ ግ ዜ ናብኡ ምስ ተመሓላለፉ፡ ናብ’ቲ ዝቕጽል ደረጃ ከሰጋግሮም ይኽእል ነይሩ።
ምትእትታው ሰፊሕ ናይ ፖለቲካ ተራጻምነት (polarization) ባህሊ፡ ንጒዕዞ ገስጋስ ሃገራዊ መንነት ዕንቅፋት’ዩ ነይሩ። ኤርትራ፡ ህዝባ ንፖለቲካዊ ሳዕቤናት (political repercussion) ከይፈርሐ ኣብ ሃገራዊ ዳግመ ህንጸት ኣበርክቶ ክገብር ዝደፋፍኣሉ ሃዋህው ከተዕቢ ነይሩዋ።
ሞያዊ ሰራዊት ምህናጽ
ኣብ መንጎ ልዑላውያን ሃገራት ዝፍጠር ውግኣት ወይ ወተሃደራዊ ረጽምታት ብዝተኻእለ መጠን ክውገድ ይግባእ። እቲ ኣዕናዊ ባህርያት ውግእ ንማንም ኣይምሕርን እዩ፣ ሳዕቤናቱ ድማ ንኹሉ ዝትንክፍ እዩ። ንኸም’ዚ ዓይነት ግርጭታት ንምክልኻል እቲ ዝበለጸ ኣድማዒ ኣገባብ ዲፕሎማስያዊ ዘተን፡ ብ ልዝብ ፍ ታሕ ምድላይን እዩ። ከም ኣማራጺ፡ ናይ ግትኣት ወይ ምድራት (deterence) ስትራተጂታት እውን ክዝውተሩ ይኽእሉ እዮም።
ምምስራት ሓያልን ሞያውን ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ተጻብኦ ንምጅማር ወይ ኣንጻር ጐረባብቲ ሃገራት ውግእ ንምኽፋት ዝዓለመ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ከም መከላኸሊ ወይ መግትኢ መሳርሒ ኮይኑ ከገልግልን ሃገራዊ ድሕነት ንምውሓስን እዩ። ህላወ ሓደ ልዑል ክእለት ዘለዎን ሞያውን ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ኣብ እዋን ቅልውላው፡ ንሃገር ኣብ ምክልኻል ዝድረት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣኽብሮትን ኣድናቖትን ጐረባብቲ ሃገራት ንኽረክብ እውን ይሕግዞ እዩ።
ካብ ደቡብ (ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ካብ ኢትዮጵያ) ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋታት ንምምካት፡ ፖለቲካዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ንምዕጋት፡ ከምኡ እውን ነቲ ዘይርጉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምርግጋእ እጃም ከም ዝህልወካ ንምግባር፡ ምምስራት ዘመናዊ ሞያዊ ሰራዊት (ሓይሊ ምድሪ፡ ሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ኣየር) ኣገዳሲ ነበረ።
ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተዋህለለ ሃብታም ተመክሮ መሰረት ብምግባር፡ ተወፋይነትን ሰናይ ድሌትን ኣባላቱን ህዝቡን ብምጥቃም፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ከውሕስ ዝኽእል፡ ምልምል፡ ዘመናውን ብቕዓት ዘለዎን ሞያዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንክሃንጽ ፍሉይ ዕድል ነይሩዎ። ምስ ኩነታት ኤርትራ ዝቃዶ ወተሃደራዊ ክልሰ ሓሳብን ግብራዊ ፍልጠትን ንምትሕልላፍ ዝተወፈየ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ምምስራት፡ ንኤርትራ ዘገልግሉ፡ ንዕድመ ልክዕ (lifetime) ዝጸንሕ ሞያዊ ብሉጽነት ንምዕቃብ ዝተዳለዉ ወተሃደራዊ መኰንናት መሰልጠነን ምፈጠረን ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ፡ ክንዮ’ቲ ኣብ ምምልማል ሞያውያን መኰንናት ዘለዎ እጃም፡ ንወተሃደራዊ ታሪኽ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን (ELA) ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን (EPLA) ከም ኣገዳሲ ማእከል ምርምርን ስነዳን ኮይኑ ከገልግል ይኽእል ነይሩ። እዚ ድማ ነቲ ናይ’ዘን ውዳበታት ሃብታም ሕድሪ ዓቂቡ ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ካልእ ወለዶ ክመሓላለፍ ምኸኣለ ነይሩ።
ኤርትራ፡ እቲ ብተዛማዲ ንእሽቶ ስፍሓታን ድሩት ጸጋታታን ምስ’ቲ ብሰንኪ ጂኦፖለቲካዊ ኩነታት ክመጽእ ዝኽእል ግዳማዊ ስግኣታት ክነጻጸር እንከሎ፡ እቲ መንግስቲ ግዳማዊ ሓደጋታትን፡ ከጋጥም ዝኽእል ወተሃደራዊ ምትኹታዂን ንምምካትን ምስ ዓበይትን ሓያላትን ሃገራት ወተሃደራዊ ምሕዝነት ንምምስራትን ዘኽእል ሜ ላታት ክድህስስ ይኽእል እውን ነ ይሩ። ከ ም ናይ ቀረባ ኣብነት፡ ጐ ረቤት ሃገር ጂቡቲ ክትጥቀስ ይከኣል እዩ። እዛ ዝተጠቕሰት ሃገር ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፈረንሳ ዝነበረት እያ። ኣብ ኣፍ ደገ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ብምዃና፡ ከም ኣፍ ደገ ግሎባዊ ንግዲ፡ ስትራተጂያዊ ቦታ ሒዛ ኣላ። ብታሪኽ፡ ጂቡቲ ነታ መውጽኢ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ኣገዳሲት መውጽኢ ባሕሪ ኮይና’ያ እትረአ። ጂቡቲ ብሰንኪ ውሑድ ህዝባን ተቓላዕነታን፡ ካብ ጐረባብታ ሃገራት ንዝመጽእ መጥቃዕቲ ቅልዕቲ’ያ ነይራ።
ጂቡቲ ብጐረባብታ ክትፍራሕን ተኸቢራ ክትጸንሕን ዝኸኣለት በቲ ምስ ፈረንሳ ዝገበረቶ ስትራተጂያዊ ወተሃደራዊ ምሕዝነትን ውዕልን እዩ። ብርግጽ እዚ ምሕዝነት’ዚ ኣብ’ቲ ዞባ ንጂኦፖለቲካዊ ረብሓታት ፈረንሳ እውን ጠቒሙ እዩ። ብናተይ ኣረኣእያ፡ መንግስቲ ጂቡቲ ህላወኡ ንምርግጋጽን ኣብ’ቲ ዞባ ከም ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ተዋሳኢ ኮይኑ ንምቕጻልን፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ሽርክነት ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግንዛቡ በሊሕ ጀኦፖለቲካዊ ብቕዓት ኣርኢዩ እዩ። ሓደ ኣብ መወዳእታ 1990ታት ኣምባሳደር ጂቡቲ ኣብ ዒራቕ ዝነበረን ናይ ቀረባ ዓርከይ፡ ሓደ እዋን (ክልቴና ከም ኣባላት ቦርድ ኣህጉራዊ ቤት ትምህርቲ ባቕዳድ ኴንና ነገልግል ኣብ ዝነበርናሉ እዋን) ልቦናዊ ኣረኣእያ ኣካፊሉኒ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ፡ ኣብ ዒራቕ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ምግልጋል ፍሉይ ዕድል ረኺበ ነይረ። እቲ ኣብ ዒራቕ ዝነበረ ናይ ጅቡቲ ኣምባሳደር ነበር፡ ዒራቕ ንኩወይት ኣካል ሕጋዊ ግዝኣታ ምዃና ብተደጋጋሚ’ኳ እንተ ገለጸት፡ ኩወታውያን ዝፈጸሙዎ ዝዓበየ ጌጋ፡ ነቲ ናይ ሳዳም ሑሴን ኣብ ልዕሊ ልኡላውነቶም ዘንበሮ ጥሙሕ ኣቃሊልካ ምርኣይ’ዩ ዝብል እምነት ነይሩዎ። ቀጺሉ ድማ “ንሕና ሰበኽ ሳግም ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ግን ከኣ ባህርያዊ ናይ ምንባር ጠባይ (instinct) ንውንን ኢና። ምስ ፈረንሳውያን እንተ ዘይንመሓዞ፡ ብቐሊሉ ግዳይ ከም ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ምኾንና ኔርና። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ጂቡቲ ብተደጋጋሚ መገዲ መጠንቀቕታታት’ኳ እንተ ሃበት፡ ኩወይት ንኣመሪካውያን ይኹን ካልእ ምዕራባዊ ሓይሊ ክትዕድምን ወተሃደራዊ ህላወ ክትምስርትን ዝሃብናዮ ምኽሪ ኣይሰምዓቶን። ሳዕቤን ውሳነኣ ድማ ብዘሕዝን መገዲ ተጋሂዱ።” ኢሉ።
ኣብ እዋናዊ ፖለቲካ እንተ መጺእና፡ ሃገራት ባልቲክ ናብ ውድብ ውዕል ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) እ ንተ ዘ ይጽንበራ ነ ይረን ዕ ጫአን እ ንታይ ክ ኸውን ከ ም ዝ ኽእል ምግማት ኣየሸግርን።
ምስ ፈጠራ/ምህዞ/ታት ምጕዓዝ፡ ዓለም ከተቕርቦ እትኽእል ዕድላት ምጥቃም
ምህዞ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ተክኖሎጂ ንዓለም ብዕምቈት ከም ዝቐየራ ዝኽሕድ ሰብ የለን። ይኹን’ምበር፡ ትርጉሙ ክንዮ ምዕባለታት ተክኖሎጂ ዝዝርጋሕ እዩ። እቲ ናይ ምህዞ ሕመረታዊ ትርጉም ንዕብየት፡ ዕድላት ብምምችቻእ ንዓቕሚ ደቂ ሰባት ብዝለዓለ ደረጃ ዕድላት ምርሓውን ምምዝማዝን ማለት እዩ። ከም’ዚ ንምግባር ድማ ዓቕሚ ሰብ ንምምዕባል ዝዓለመ ብፍላይ ድማ ንመንእሰይ ወለዶ ኣብ ገበታ ትምህርቲ ከም ዝሳተፍን ምዕቡል ትምህርቲ ከም ዝሰንቕን ንምግባር እዩ። ዕላማ ናይ’ዚ ድማ ክብሪ ዘለዎ ሰብኣዊ ጸጋ ምኹስኳስ እዩ።
ምህዞ፡ ምስ’ቲ ካብ ሳንዱቕ ወጺእካ ምሕሳብን ካብ ልሙድ መስርሕ ኣተሓሳስባ ምልጋስን (diverge ም ግባር) ዝ መሳሰል ት ርጉም ኣ ለዎ። ንኣቝሑትን ኣገልግሎታትን ክብሪ ምውሳኽ (value-added) ዝብል ኣምር ዘጠቓልል እውን ኮይኑ፡ ሕብረተሰባዊ ጽልዋ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ ዝግበር ጻዕርታት ምዕባይ ድማ ይጠልብ። ምህዞ፡ ውህለላ ርእሰ ማል ይሓትት። ንተክኖሎጂያዊ መልክዕ መሬት ዳግማይ ዝቐርጽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንቍጠባ፡ ንትምህርቲ፡ ንፈጠራን ማሕበራዊ ምዕባለን ንምድንፋዕ እንጥቀመሉ ኣገባብ ዝቐርጽ ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ኣምር እዩ።
ዓለም ኣብ 1990ታት ዓሚቝ ለውጢ ኣ ጋጢሙዋ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኢዩ ንፈለማ እዋን ሓበሬታ ንተጠቀምቲ ንምዝርጋሕ ዘመቻችእ ዓለምለኻዊ መርበብ ሓበሬታን ናይ ብራውዘር ዝውተራን እተማህዘ። እዚ ምህዞ’ዚ ኣብ ናይ መራኸቢታት ተክኖሎጂ ሱር ነቀል ለውጢ ብምምጻእ፡ ሰባት ሞባይላትን ውልቃዊ ኮምፒዩተራትን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ከዘውትሩ ዝጀመሩሉ ዘመን ኣበጊሱ። ቅልጡፍ ዝርገሐ ሓበሬታ ንዓለምለኻዊ ምትእስሳር ንምቅልጣፍ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ነዚ ምዕባለታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኤርትራ ንልምዓታዊ ዕላማታታ ንምድጋፍ፡ ዓቕሚ መንእሰይ ወለዶኣ ብዝሰጐመ (advanced) ትምህርትን ተክኖሎጅን ከተበርኽ ፍሉይ ዕድል ረኺባ ነይራ። ህዝቢ ብቐሊሉ ብዙሕ ሓበሬታ ምስ ዝረክብ፡ ነዚ ፍልጠት’ዚ ተጠቒሙ ምዕባለን ለውጥን ከምጽእ ይኽእል ነይሩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ኤርትራ ዲጂታላዊ ተክኖሎጂ ኣብ ስርዓተ ትምህርታ ብዘይ ገለ ጸገም ከተዋሃህዶ ትኽእል ነይራ፡ በዚ ድማ ምዕባለታት ክትቅስቅስን፡ ጠለባት ቍጠባን ዲፕሎማስን መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን ከማልእ ዝኽእል ብዲጂታል ትምህርቲ ዝሰነቐ ሓድሽ ወለዶ ክትሕብሕብን ምኸኣለት። ከምኡ ብምግባራ ኤርትራ ንነብሳ ኣብ ዓለም ከም ኣገዳሲት ተዋሳኢት ገይራ ክትሰርዓ ምኸኣለት ነይራ።
ኤርትራ ኣብ ተክኖሎጂ ዘለዋ ተቓውሞ ምስ ሓደ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኣብ’ቲ ዞባ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን USAID ነበር ብዝገበርኩዎ ዕላል ክበርህ እደሊ። ንሱ ከም ዝበለኒ፡ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ክልተኣዊ ዝምድናታት ንምዝታይ ናብ ኣስመራ ዑደት ኣካይዱ። ካብ’ቶም ዝተዘተየሎም ኣርእስታት፡ ኤርትራ ኣብ ምትእትታው ተነቀሳቓሲ (ሞባይል) ተሌፎን ክትረኽቦ እትኽእል ደገፍ’ዩ ነይሩ።ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዝሃቦ መልሲ ግን፡ ካብ ሞባይል ቴክኖሎጂ ንላዕሊ ብቐዳምነት ዝስራዕ ዝያዳ ተኣፋፊ ቀዳምነታት ከም ዝነበሮ ዝገልጽ ነበረ። እቲ ልኡኽ፡ እቲ ዘቕረቦ ዕድመ ክንጸግ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ገረሞ።
ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕብረት ተሌኮሙኒኬሽን፡ ኣብ 2021 ዓ.ም. ካብ 100 ነበርቲ እተገብረ ምዝገባ ሞባይል ሴሉላር፡ 50 ሚእታዊት ነይሩ። ኣብ ገዝኦም ኢንተርነት ዝጥቀሙ ስድራቤታት ኤርትራ 1.92 ሚእታዊት ኮይኑ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ዝነጻጻር (18%)፡ ጂቡቲ (52.6%)፡ ኬንያ (24.1%)፡ ሱዳን (16.2%)፡ ሩዋንዳ (18.5%) ኢዩ (ITU, n.d.) ነይሩ።[xix]
ብሓፈሻ ኤርትራ ንባዕላን ንህዝባን ብሩህ መጻኢ ክትቀርጽ ዓቕሚ ነይሩዋ። እንተኾነ ግን ስትራተጂያዊ ወይ ኣርሒቕካ ምጥማት፡ ልቦና ዝመልኦ ኣመራርሓ፡ ከምኡ ድማ ንነዊሕ እዋን ዝዓለመ ተወፋይነትን መሃዝነትን ዝሓትት ነበረ።
ድሕረ-ጽሑፋት
[i] Louise Fox – editor, Robert Liebenthal—editor, AttackingAfrica’s Poverty: Experience from the Ground. Contributors:(Washington: World Bank, 2006) 26, https://openknowledge.worldbank.org/ server/api/core/ bitstreams/23392c87-efd7-5ba0- b055-474e33c9da68/content Accessed on October 11,2023
[ii] Webster’s II New Riverside University Dictionary, (Boston: The Riverside Publishing Company, 1984)
[iii] http://info.worldbank.org/governance/wgi/index.aspAccessed on October 11, 2023
[iv] P Rogers, Kazi F Jalal, and John A Boyd, An Introduction to Sustainable Development (London: Earthscan, 2009), 62
[v] Peter P Rogers, Kazi F Jalal, and John A Boyd, An Introduction to Sustainable Development (London: Earthscan, 2009), 62
[vi] Robert Calderisi, The Trouble with Africa, Why Foreign Aid is not Working (New York: Palgrave Macmillan, 2006), 160
[vii] Paul Collier and Jan Willem Gunning, “Explaining AfricanEconomic Performance.” Journal of Economic Literature 37, no. 1 (1999): 64-111.
[viii] Paul Collier, New Rules for Rebuilding a Broken Nation, TEDGlobal, 2009, http://www.ted.com/talks/paul_collier_s_new_rules_for_rebuilding_a_broken_ nation.html
[ix] United Nations Economic and Social Commission for Asia and the Pacific, https://www.unescap.org/ttdw/ ppp/ppp_primer/51_functions_of_a_regulator. html Accessed on September 25, 2023
[x] James M. Cypher, and James L. Dietz, The Process of EconomicDevelopment (New York: Routledge, 2004) 362, Questia, Web, November 6, 2011
[xi] Rosalyn McKeown, Education for Sustainable DevelopmentToolkit, July 2022, Accessed on October 11, 2023
[xii] OECD, A Policy Framework for Investment: Human ResourceDevelopment Policy, 25-27 October 2005, Rio de Janeiro, Brazil https://www.oecd.org/invest-ment/investmentfordevelopment/35518811.pdf Accessed on October 11, 2023
[xiii] James M. Cypher, and James L. Dietz, The Process of EconomicDevelopment (New York: Routledge, 2004) 19, Questia, Web, November 6, 201
[xiv] Ibid
[xv] Eritrea Options and Strategies for Growth, The WBG, November 10, 1994 https://documents1.worldbank.org/curated/es/401511468752060584/pdf/multi0page. PdfAccessed on September 21, 2023
[xvi] The Eritrean diaspora and its impact on regime stability: Responses to UN sanctions, Nicolle Hirt, African Affairs, Volume 114, Issue 454, January 2015, Pages 115–135, https://doi.org/10.1093/afraf/adu061 https:// academic.oup.com/ afraf/article/114/454/115/2195155 Accessed on September 21, 2023
[xvii] Ibid
[xviii] Nation-building, Alberto Alesina and Bryony Reich, HarvardUniversity, February 2015, https://scholar.harvard.edu/files/alesina/files/nation_building_ feb_2015_0.pdf Accessed on September 21, 2023
[xix] h t t p s : // d a t a h u b . i t u . i n t / d a s h b o a r d s / umc/?e=USA&c=ERI Accessed on October 11, 2023
መወከሲታት
Alesina, Alberto and Bryony Reich, Nation-building, Harvard University, February 2015
Calderisi, Robert, The Trouble with Africa, Why Foreign Aid is not Working, New York, Palgrave Macmillan, 2006
Collier, Paul and Jan Willem Gunning, “Explaining African Economic Performance, Journal of Economic Literature 37, no. 1, 1999
Collier, Paul Collier, New Rules for Rebuilding a Broken Nation, TED Global, 2009
Cypher, James M. and James L. Dietz, The Process of Economic Development, New York, Routledge, 2004
Fox, Louise and Robert Liebenthal, Attacking Africa’s Poverty: Experience from the Ground. Contributors: The World Bank, 2006
Hirt, Nicole, The Eritrean diaspora and its impact on regime stabil- ity: Responses to UN sanctions, African Affairs, Volume 114, Issue 454, January 2015
McKeown, Rosalyn, Education for Sustainable Development Toolkit, July 2022
OECD, APolicy Framework for Investment: Human Resource Development Policy, 25-27 October 2005, Rio de Janeiro, Brazil
Rogers, Peter P, Kazi F Jalal, and John A Boyd, An Introduction to Sustainable Development, London, Earthscan, 2009
Solomon. S., ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ, Ingramspark, La Vergne, 2024
United Nations Economic and Social Commission for Asia and the Pacific, A Primer to Public-Private Partnerships in Infrastructure Development
Webster’s II New Riverside University Dictionary, Boston, The Riverside Publishing Company, 1984
World Bank, Eritrea Options and Strategies for Growth, The WBG, November 10, 1994
Comments