ትብዓት፡ ግሉጽነትን ሓይሊ ይቕሬታን ጸሓፊ ሰመረ ሰሎሞን ነዛ ድሕሪ’ዚ ሓጺር ጽሑፍ ዘላ ግጥሚ ወለደ …

ፍረ ሓሳብ፡ ሰመረ ሰሎሞን

ጸሓፊ/ገጣሚ፡ ጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ)

ጥሪ 2025

ትብዓት፡ ግሉጽነትን ሓይሊ ይቕሬታን ጸሓፊ ሰመረ ሰሎሞን ነዛ ድሕሪ’ዚ ሓጺር ጽሑፍ ዘላ ግጥሚ ወለደ …

     **           *           *

ኣብ ናይ ፈለማ ምስ ኣዳላዊ ዳሃይ ኤርትራ ሳሙኤል ገብርሂወት (ዓካዓካ) ዝገበሮ ንመጽሓፉ ማእከል ዝገበረ ቃለ መሕተት ብትብዓትን ቅንዕናን “ንሕና ነዚ ህዝቢ monster ወይ ግናይ ሒዝናሉ ኢና መጺእና። ኣብዚ ሰዓት እዚ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ይቕሬታ ክንሓቶ ኣለና” ብምባል ምስክርነቱን ቅንዕናን መንፈሳዊ ሓይልን ዝደሊ ይቕሬታኡን ንህዝቢ ሂቡ።

ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንካልኦት መቓልስቱ ብትዕቢትን ስእነት ትብዓት ናይ ይቕሬታ መንፈስን ዘለዎም ዝሃብዎ ምስርነታት ብሞያውን ስነ ምግባራውን ኣንደበት ክብድሆም ተዓቢዘበዮ። ካብዚ ተበጊሰ ምስጋናይን ኣፍልጦይን ብጽሑፍ ሃብኪዎ። ብቀጥታ ረኺበ ብሽም እዚ ሓድሽ ወለዶ ንትብዓትካ፡ ቅንዕናኻ፡ ግሉጽነትካን ናይ ይቕሬታ ሓይሊ መንፈስካን እመስግነካ ክብሎ ነይሩኒ። ተሌፎኑ ካብ ሄኖክ ተኽለ ረኺበ ዝመደብኩዎ ገበርኩ። ካብቲ ኣብ ቃለ መስተቱ መሊሱ ትሕትናን ርትዓውነትን ዝመልኦ ኣቦ ኰይኑ ጸኒሑኒ። እቲ ናቱ ትብዓት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ክጠቕሶ እንከለኹ ስለዘሰተብሃለን ብፍላይ ድማ እታ  ንሱ ነዚ ንዓድና ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ” monster  ወይ ግናይ” ብምባል ስለምንታይ ሰይምዎ ንኽገልጸለይ መፍትሕ ቃላት ጽሒፉ ሰዲዱለይ። ካብኡን ካብቲ ህልው ባህርን ግብርን ናይዚ ስርዓትን ተበጊሰ ብመልክዕ ግጥሚ ክጽሕፋ ዝኽእል እንድሕር ኰይነ ሓቲቱኒ። ወኒ ግጥሚ ምስ ነውነወኒ ክሰርሓ ይኽእል’የ ብምባል መደብ ሒዝና። እንሆ ሓደ ረፍዲ ወኒ ግጥሚ ነዋነወኒ እሞ ብከምዚ ጸሓፍኩዋ። ምስጋና ንጸሓፊ ሰመረ ሰለሙን ሰናይ ንባብ ንዓኹም።

*

ጽዋ ስደተይ፥ ንሳነት’ቲ ግናይ

 *          *         *

ምኽባር  ንሰብ-ነት ፡ ናይ ዝምድና ኣይኰነን ናይ ሕውነት

ናይ ወዲ ባይቶኻ ኣይኰነን ናይ ሓደ ሃገርነት

ውህበትን ርኸበትን ፡ ፍቕርን ክብርን ንሰብ

ናይ ሰብ ምዃን ‘ዩ ናይ ኣዳመ – ሄዋንነት

ናይ መበቆለ-ፍጥረት’ዩ ናይ ደቂ እግዝሄርነት።

ነዚ፡ ንስኻ መስከርካለይ፡ ኣርኣኻኒ

ሰብ ምዃነይ ጥራይ ኣኽበርካኒ

ሰብ ምዃነይ ጥራይ ኣፍቀርካኒ

ሰብ-ነቱ ዝዓቀበ ሰብኣ ሰብ

ሰብ ኢኻ ብሓቂ ኣንታ በዓል ቤተ-ሰብ።

ቅርዓተይ ዘግደፈኒ ዘሕዝን ዘሕርን፡ ዘስቆንቁን፡ ዘስቆርቁር

ካብ ኣደይን ቤተይን ዘርሓቐኒ ግናይ፡ ብሰናይ ዝብህርር

ይትረፈካ ምስማዑ’ቢለ ካብ ኣቕበጽካ

ጽወየኒ ጥራይ’ቢልካ ካብ ኣንቀድካ

እንሀልካ ዛንታይ ኣዳምጽ ክጸውየካ።

*

ራሓቦት ሓፋሽ ዝሕሰሙ

ጽጋብ ሓፋሽ ዓጸቦ ዝፈጥረሉ

 ኣብ ቅርዓትና ግናይ ብምፍጣሩ

 ኣብዚ ዘለኹዎ እነሀለኹ።

ግናይ ብምፍጣሩ ኣብ ቅርዓት ዓደ’ቦ

ሓፋሽ እንተበረሆ ግብ ኢሉ ዝጽልምቶ

ግናይ ብምፍጣሩ ኣብ ቅርዓት ዓደ’ቦ

ግናይ ብግናዩ ግናያት ዝሕንግርዎ

ግናያት ዘግነይዎ።

እንሀለኹልካ ኣብዚ ዘለኹዎ

መንፈስ ዓድይ ዝ’ናፈቖ።

ከመይ ዝበለ ግናይ’ዩ ክንድዚ ዝምኻፋኡ

ብውሽጥኻ ትብለኒ ትህልዉ…

ግናይ ብግናዩ..

ከም ሳጥናኤል ፡ ሓሶት በረከቱ ፣ ጥልመት ዝማልሱ

ንፈጣሪኡ ዝኸሓደ ንመንበር ኣምሊኹ፣ ብስጋ ተሓሊኹ

ከም ሳጥናኤል ትዕቢቱ በረከቱ ፣ትዕቢት ኰይንዋ ዝሃብቱ

ንለዋሃት ኣዴታት ዝደፍር ኣባጭዩ፣ ዘቖዝም ኣቃጪጩ

ከም ሳጥናኤል፡ ሓዘን ምስኪን ዝደስታኡ

መርዑት ዝደርመመ መርዓውቲ ገገፊፉ ብጸላም ጨጨውዩ

ከም ሳጥናኤል ሞት ዘዘሪኡ ፣ ሞት ዝሓፍስ መቓብር ዝቖፍኡ

ኣዴታት መበለታት ዘዀነ ፣ ኣሚናተን ቀቀቲሉ

ከም ሳጥናኤል ብኽያት ዕልልታኡ፣ ብኽያት ዝመፍቶቱ

ህጻናት ዘዘኽትም ወለዶም ቀቲሉ ወለዶም ቀቀቢሩ

ኣቦታት ዝደፍር ብኸፈር ነውርታቱ በቲ ኮንቱነቱ

እወ…

ኣብ ቅርዓትና ግናይ ተፈጢሩ

ግናይ ብግናዩ…ግናያት ዝሰግድሉ

ከምቶም መላእኽቲ ንሶም’ውን ዝኸሓዱ

ናብ ሓመድ ዝወደቑ ሓመድ ዝቕለቡ…

ሰንኩ’የ ኣብዚ ዝነሀለኹ።

ግናይ ናይ ዓድና…

ካህናቱ ከም ፈሪሳውያን፡ ንሱ ከም ይሁዳ

ኣብ መስቀል ክፍኣቱ ዝሸንከረ ንንጽህና

ኣብቲ ናቱ መስቀል ንታሕቲ ዝኣንፈቱ

ህያውያን ዝቐተለ ብመርዚ ሕምቀቱ ብመርዚ ናይ ሞቱ

ነቶም ህያውያን’ወ መቓብር ዝስዕሩ ጽባሕ ዝትንስኡ ኣብ ሞቱ ‘ ብ ሕልፈቱ።

ንዕኡ ፈንፊነ’የ ኣብዚ ዝንሀለኹ።

ናይ ዓድና ግናይ…

እኽለ-ማይ ጾይሙ ስጋ ሰብ ዝፍስግ

ሓለቓ ኣጋንንቲ ብመስቀል ሰናይ ዝብርግግ

ግናይ ናይ ዓድና ካብ ግናያት ዝገነየ

ኣበባ ሓፋሽ ዘሕዝኖ ኣብ ቀብሪ ዝልሀ

ኣብ ሕቖ ሓፋሽ ዘስብር ‘ናተቖጻጸየ

ህይወት ሓፋሽ’ናቖጽየ ፡ እናነጸየ።

ግናይ ዓድና..

ኣርሓ ዝጀረቑ ፡ ዓሰርተ ዝበትሮም ዓሰርተ ዝበትሩ

ግናይ ናይ ዓድና ፈታዊ ገግናዩ

ሃናጺ ጐዳጉዲ  መዕነዊ ሃዳሙ

ሸላታት ዝሃንጽ ቤት ፍልጠት ኣፍሪሱ

ቤት ንቕሓት ዳህሚሱ…

ኣብ ቅርዓት ዓደ’ቦና ግናይ ብምፍጣሩ

ሓፋሽ ኣዀርምዩ እንሆ ኣሳፊሑ

ሓፋሽ እናሕረረ እንሆ ዓምቢቡ

ኣብ ቅርዓትና ግናይ ብምፍጣሩ

ግናይ ብግናዩ ግናያት ዝሰግድሉ

ሰንኪ’ዚ ግናይ’የ ምሳኻ ዘለኹ።

ሰሪ ግርህናና ድዩ ሰሪ ሕመቕ እንዳ’ቦ

ግናይ ተፈጢሩ ኣብ ቅርዓት ዓደ’ቦ

ሓፋሽ እንተነቕሐ ርእሱ ዘናውጾ

ግናይ ብግናዩ…

ድኻ መፍትሕ መቓውሕ በረከቱ

እንሀለ ንዝነበሩ ፣ ንዝዀኑ ኣጥፊኡ

ኣብ ዘይምህላዎም ፈጢሩ ህላወኡ

እምበር ኣይነበረን ነይሩ’ዩ ካብ ኣፍላኡ

ኣይኰነን ነየሩ ካብ ፈለማኡ።

ሰናያት ቀቲሉ ግን ግናይ ተፈጢሩ ግናያት ፈጢሩ

ሰሪ’ዚ ድማ ምሳኻ እንሀለኹ

ወዲ ዓዲ’ኰይነ ርስተይ ‘ናናፈቕኩ።

*

ነዚ ዛንታ ስደተይ ዝጾረ ዓቕልኻ ፣ እኽብሮ እድንቖ

ከምዚ ‘ቢለ ዛንታይ ክዛዝሞ ጽውያይ ክኽንብቶ፥

ጽባሕ ምስ ጸበሐ ግናይ ምስ ተሳዕረ

ኣብ ቅርዓት ዓደይ ሰናይ ምስ ነገሰ

ናብታ ሰናይ ናብቲ ሰናይ ክግስግስ’የ

ምስ መዝሙር ኣዕዋፍ ንጸሓይ ቀዲመ።

ንዓኻ ኣመስጊነ ፡ ንኣመስጋኒ ሂበ።

*

ጥሪ 2025

Comments

Leave a Reply

XHTML: You can use these tags: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <s> <strike> <strong>