ተመስጦታተይ ብዛዕባ መጽሓፍ ጸጋይ መሓሪ ተመርዖ – ገጻት ሓርነተይ

18 ሚያዝያ 2025

ዝኸበረካ ጸጋይ፡

ምስ ኵላቶም ኣባላት ስድራ-ቤትካ ድሓን ክትህሉ ተስፋ እገበር። መጽሓፍካ ካብ ገበር ናብ ገበር ኣንቢበያ። ሓንስእ ምስ ጀመርክዋ ብዘይ ዕረፍት’የ ስትይ ኣቢለያ። እቲ ኣጽሓሕፋኻ ኣዝዩ መሲጡኒ። ኣብ ቋንቛ ትግርኛ ዘሎካ ምልከት ኣድኒቐዮ። ቃላትካ ብየዒንቲ ኣሞራ ከም ዝመረጽካዮም ኮይኖም ተሰሚዖምኒ። ኣገላልጻኻ ስእላዊ (graphic) ኮይኑ ረኺበዮ። ብሉጽ ከኣ። ኣብ’ቲ ትትርኾ ዘለኻ ዛንታ ብኣካልን መንፈስን ሰጢመ። ዝገበርኩ ጌረ ካባኡ ክወጽእ’የ እንተ በልኩ’ውን ፈተነይ ኣይተዓወተን። ከም’ዚ ኣብ ታኼላ ዝኣተዋ ኣእጋር!

ኣብ ቤት-ማእሰርቲ (ወይ’ውን ቤት-ጭውያ) እንታይ ኸጋጥም ከምዝኽእል ኤርትራዊ ዜጋ ኮዩኑ ዘይግምትን ዘይጸናጸንን ሰብ የለን። እቲ ኣብ ትረኻኻ ዘሎ ኣገላልጻ ግን መሰታ-ኣልቦ’ዩ። ስነዳኻ ዝርዝራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ብራሽ (brush) ሒዝካ ብዝተፈላልዩ ንሓንጎል ወዲ-ሰብ ዘባህርሩ ሕብርታት እናተጠቐምካ ዝቐባእካዮ ቅብኣ’ዩ ዝመስል። ገለ ገሊኦም’ውን ንተስፋ፡ ንእምነት፡ ንበተኽነት፡ ንጽንዓትን ናይ ኣኻእሎ ዓቕምን ዝእምቱ ሕብርታት። ዘለዓለለይ ስምዒት ኣዝዩ ብዙሕ፡ ዝተፈራረቐን ተንካፍን’ዩ። እንሓንሳእ ይጭነቕ፡ እንሓንሳእ ይጉሂ፡ እንሓንሳእ ይሽቝረር፡ እንሓንሳእ ይብህርር፡ እንሓንሳእ ድማ ጽልማት ይብለኒ’ሞ ኣበይ ከም ዘለኹ ንምግማት የሸግረኒ ነይሩ። ዝን ምባል’ውን ጀሚረ። ብዓልቲ-ቤተይ ንኩነንታተይ ከየስተውዓለትሉ ኣይተረፈትን። ደሓና ዲካ ድኣ ዝበለትኒ ግዜ ነይሩ።

ናይ ማእሰርትን ተነጽሎን ተመክሮ ሓሊፈዮ’የ፡ ምረቱ ግን ምስ’ዚ ናትካ ከቶ ዝዳረግ ኣይኮነን። እቲ ኡንኮ ተመሳሳልነቱ ምኽንያት መእሰሪኻ ዘይትፈልጥ ምዃን’ዩ። ንኽንደይ ዝኣከል ግዜ ከም ዝሕዙኻ እንዶ ስለ ዘይብልካ’ውን ኣብ ጠል-ጠል ኢኻ እትነብር። ሎሚ ደኾን ጽባሕ ይለቁኒ ክትብል መሬት ትዓርበካ፡ ጸላም ከኣ ትነውሓካ። ሓደ መዓልቲ ገለ-ገለ ነገራት ኣራርዮም መጺኦም ፈርመሉ ከይብሉኻ ድማ ስግኣት ይሓድረካ። ምግዳል (ተጋዲለ ንከይስዋእ) ከይከልኡኒ ዝፈራሕኩሉ ህሞት’ውን ነይሩ። እዚ ዝትርኸልካ ዘለኹ ዛንታ ኣብ’ታ መጽሓፈይ ክትረኽቦ ኢኻ – ኣብ ትሕቲ “ጥማዕ ዝኽርታተይ” ዝብል ሳልሳይ ክፍሊ ናይ’ታ መጽሓፈይ። ድሮ’ውን ነቢብካዮ ትኸውን። እቲ ዘገርም፡ ኣነን ንስኻን ኣብ ተመሳሳሊ ተመክሮ ተመሳሳሊ ፍታሕ ከነናዲ ምፍታንን’ዩ። ክልቴና ንንባብ ከም ሃይማኖት ኣምሊኽናዮ። ንንባብ ከም መዕቆቢ ወሲድናዮ። ንንባብ ካብ ስቓይ ከም መህደሚ ጌርና ተጠቒምናሉ። ክልቴና ካብ’ቶም እነንብቦም ዝነበርና መጻሕፍቲ ዘጸናንዑ መልእክትታት ረኺብና። መንፈሳዊ ሓይልን ስነ-ኣእምሮኣዊ ርግኣትን ድማ ፈጢሮምልና። ኣነ’ውን ኣንባቢ’የ ኔረ’ሞ፡ ነቲ ተመክሮኻም ምስ ኣንበብኩ ድማ ለካስ ወድ-ሰብ ኣብ ግዜ ስቓዩን ተነጽሎኡን ዘይምህዞ ነገር የለን ኢለ።

ምድስካል’ውን ተሞኪረሉ’የ። እዚ’ውን ከም ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ምዕራፍ፡ ኣብቲ ሳልሳይ ክፍሊ ናይ’ታ መጽሕፈይ ክትረኽቦ ኢኻ። “ገለ እንተ ዘይገብርዶ መንግስቲ መደስከሎ” እናተባህለ ድማ በቲ “በሃምን ዘይነቕሐን” ክፋል ናይ ሕብርተ-ሰብና ክንደይ ዘይተባህለን ዘይተወርየን። ነዚ ተሰኪምካ ርእስኻ ኣቕኒዕካ ምኻድ’ውን ከም ተመክሮ ተሓሊፉ’ዩ።

ኣብ’ታ ሸላካ ኴንካ እንሓንሳእ ምስ ነብስኻ፡ እንሓንሳእ ምስ’ተን ረምታ ዝህባ ግጥምታትካ፡ እንሓንሳእ ምስ’ተን ኣዕዋፍ፡ እንሓንሳእ ምስ ከዋኽብቲ ሰማይ፡ እንሓንሳእ ምስ’ቲ ጸጥ ዝብለ ወርሒ ጥራይ እትሕንብሰሉ ጸላም፡ እንሓንሳእ ምስ’ቶም ምሳኻ ዘየለዉ ግን ከኣ ብመንፈስ ምሳኻ ዘለዉ ፍቑራት ቤተ-ሰብካ ክትዋሳእ ከለኻ ኣብ ሓንጎለይ ይስኣለኒ’ሞ ሃጽ ኢለ ኣብ ዓዲ ሃለውለው ይጠፍእ። ጸኒሐ ግን ናብ ንቡር ይምለስ።

ኣብ ቤት-ጭውያ ኴንካ ንኣካላዊ ስቓይ ብሕርያ፡ ብድሌት፡ ብእምነትን ብመንፈሳዊ ሓይልን ክትገጥሞን ክትምክቶን ኣብ ዝወሰንካሉ ህሞት ኣዝዩ ኣስድሚሙኒ። ለካ ሰብ’ሲ እንተ ኣሚኑ ክሳዕ ክንደይ ክኸይድ ከም ዝኽእል መርትዖ ረኺበሉ፣ ሓያልን ነቕ ዘይብልን መርትዖ።

ኣብ እግዚኣብሔር ዝነበረካን ዘለካን ጽኑዕ እምነት ዓጅቡኒ፣ ተማሂረሉ ከኣ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሰለሰተ ግዜ ንላዕሊ ተሓቢአ ኣንቢበዮ ምስ በልካ ሓደ ነገር ኣዘኻኺሩኒ። ሓደ ካብ’ቶም ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ’ሞ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ዒላ-ዒሮ ተሞቚሑ ዝርከብ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ (ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ረኺቡ እንተ ኾይኑ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ ንቤተ-ሰቡ ድማ ጽንዓት ይሃቦም!)። ሓደ ካብ’ቶም ሓለውቱ-ነበር ሕጂ ኣብ ስደት ዝርከብ’ዩ ዘዘንቱ። እዚ ብጻይ ኣብ እምባትካላ (ቅድሚ ናብ ዒላ-ዒሮ ምግዓዞም) ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንሓደ ካብ’ቶም ሓለወቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከምጽኣሉ’ሞ ክንብብ ከም ዝደለየ ኣምሪሩ ለሚንዎ። ኣይሰለጦን ግን። ኣብ ማዕሙቕ ጓሂ፡ ቅብጸትን ጸልማትን ኣብ ዝነበረሉ ህሞት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ከመይ ኮን ምሓገዞ ነይሩ ኢለ ሓሲበ። ከመይ ኮን ምተጸናንዐ ነይሩ ኢለ ገሚተ። ከመይ ኮን ምስ እዝግሄሩ ምተዓረቐ ነይሩ ኢለ ኣስተንቲነ። እንታይ’ሞ ነታ ሓንቲ ጸሎት ንክትገብር ዘየፍቅድ ኣረሜናዊ ስርዓት እንዶ ኣጋጢሙና!  

ሓደ ካልእ ዝገረመኒ ነገር እንተሎ ነቶም ዝበደሉኻ’ውን እንተ ኾነ ሕማቕ ዘይምምናይካ’ዩ። ናይ እግዚኣብሄር ፍርዲ ጥራይ ክብየነሎም ኣዘኻኺርካ። ኣየ ጭውነት!!!!! ብዙሓት ካባና እዛ መሰረታዊት ዝኾነት ናይ ህይወት መርሓ-ጐደና ትጎድለና’ያ። ብዝአበስናዩ ክንጠዓስ፡ ንዝበደለናዮም ይቕረ በሉልና፡ ንዝበደሉና ይቕረ ክንብልን ንስጋዊ ስቓይ ብመንፈሳዊ ሓይሊ ክንገጥምን ኣይተዓደልናን። 

ኣብ ቤት-ጭውያ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን ንቢሮ ከም ትንፋስ ክትሃርፎ እንከለኻ፡ ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ኣብ እትመላለሰሉ ዝነበርካ እዋን እትረኽቦ ዝነበርካ እፎይታን ንዘጋጠመካ ተመክሮ ለይትን መዓልትን ንኽትስንድ እትገብሮ ዝነበርካ ምብልሓትን ዕጹብ ድንቂ ኮይኑ ረኺበዮ። ኣብ ዓለምና መወዳድርቲ ዘይርከቦ መስተንክር!!!!!

ልዕሊ ኵሉ ድማ ብትረኻኻ ኣቢለ ናትካ ገጸ-ባህሪ ክርዳእ በቒዐ። መን ምዃኑ ኣይዝክሮን ግንከ ሓደ ዓቢ ወተሃደራዊ መራሒ ከም’ዚ ክብል ይዝከረኒ። “ገጸ-ባህሪ ማለት ሰብ ከየስተውዓለለካ እንከሎ እትገብሮ ቅኑዕ ተግባር’ዩ” (Character means doing the right thing when nobody was watching)። ኣማን ብኣማን ጸጋይ መሓሪ!!

ዛንታኻ ክሳዕ’ዛ ሕሞት’ዚኣ ካብ እእምሮይ ምድምሳስ ኣብዩኒ። ከም’ዚ ሓደ ኣዝዩ ዝመሰጠካ ግሩም ዝኾነ ፊልም ምስ ርኤኻ ንሰሙናት ኣብ ሓንጎልካ ዝቕረጽ ፍጻመታት ናይ’ታ ፊልም። ልበይ ክሳዕ ሕጂ ካብ’ቲ ንቡር ዝኾነ ህረመታ ንላዕሊ ምህራም  ኣየቛረጸትን። እቲ ዝን ናይ ምባል ኩነተ-ኣእምሮይ ዝገትኦ ስኢኑ’ሎ። ዝገበረኩ እንተ ገበረኩ።

ወዲ-ሰብ ኣብ ዘይወዓለሉ ገበን ክሳብ ክንድ’ዚ ክሳቐ ኣብ ምንትምንታይ!  

ውጻእ-መዓት ሰብእነትካ እንደገና ኣገጣጢምካ ብትብዓት ምትራኽካ ኣዝየ ኰሪዐ። ተሓቢነ። ተመሲጠ። ሓሪነ።

ብሩኽ ፋስጋ ይግበረልካ!

ሓውኻን ኣያኻን ሰመረ ሰሎሞን

Comments

Leave a Reply

XHTML: You can use these tags: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <s> <strike> <strong>