ባህሊ ከም መሳርሒ ዘላቒ ቍጠባዊ ዕብየት፡ ሓፈሻዊ ስእሊ ኤርትራኸ እንታይ ይመስል?
ባህሊ ከም መሳርሒ ዘላቒ ቍጠባዊ ዕብየት፡
ሓፈሻዊ ስእሊ ኤርትራኸ እንታይ ይመስል?
ሰመረ ሰሎሞን
06 ሰነ 2025
መእተዊ
ባህሊ ንመንነትና ዝገልጽ በብግዚኡ እናፈለቐ (evolve) ዝኸይድ ዳይናሚካዊ ተርእዮ እዩ። ብዛዕባ ከባቢናን ዓለምን ዘሎና መረዳእታ ቅርጺ የልብስ። ኣብ ውሽጠናን ክኔው ገዛእ-ርእሰናን እንገብሮ ውስስእ (interaction) ድማ የማእዝን። ባህሊ ንቛንቋ፡ ሓሳባት፡ እምነታት፡ ክብርታት፡ ልምድታት፡ ደንብታት፡ ትካላት፡ መሳርሒታት፡ ስነ-ጥበባዊ ስምዒታት ወይ መግለጺታት፡ ወግዒታት (rituals)፡ ጽንብላት፡ ወዘተ ይሓቍፍ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እቲ ኣብ መንጎ ባህልን ሃይማኖትን ዘሎ ኣፈላላይ (distinction) ምንጻር ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ንረኽቦ።
ባህሊ ንሰብኣዊ ገስጋስ ይጸሉ፡ ምስ ቍጠባዊ ምዕባለ ድማ ተመጋጋቢ (symbiotic) ዝምድና ኣለዎ። ኣብ ታሪኽ፡ ባህሊ ኣብ ምህናጽ እምበራጦርያታት በቲ ሓደ ወገን፡ ኣብ ምዕናው ናይ ካልኦት ድማ በቲ ካልእ ዓቢ ግደ ነይርዎ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብምስምስ ባህላዊ ልዑላውነት፡ ወተሃደራዊ ወራራት ተኻይዶምን ህዝብታት’ውን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ከም ዝቝረኑን ተገይሩ’ዩ። ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃን ትንሳኤ (rise) ናዚ ጀርመንን ክጥቀሱ ካብ ዝኽእሉ ውሑዳት ኣብነታት’ዮም።
ብኣንጻር’ዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣበሃህላ፡ ባህሊ ናይ ሓርነትን ማሕበራዊ ለውጥን ሓይሊ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ባህሊ ኣብ ምውዳቕ መስፍንነትን ምምስራት ረፑብሊካትን ዝገበሮ ኣበርክቶ’ምበኣር ነዚ ዘመላኽት’ዩ።
ኣብ ግሎባዊ መዳይ፡ ባህሊ ንፍሉይነት ነፍስ-ወከፍ መንነትን ንሓባራዊ ተመክሮታትን የጸንብል። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ቅየራ (social transformation) ኣብ እንዝትየሉ እዋን፡ ካብቲ ብዛዕባ ባህሊ ዘሎና መረዳእታን ግንዛበን ነጺልና ክንርእዮ ኣይግባእን። መረዳእታና ብዛዕባ ባህሊ እናበረኸ ብዝኸደ መጠን፡ ዝጠጥሐ ማሕበራውን ቍጠባውን ምስግጋር ከውሕስ ከም ዝኽእል’ምበኣር ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብኣንጻር’ዚ ድማ፡ ሰባት ነንሓድሕዶም ብማዕረ ክሳብ ዘይተረኣኣዩ ማሕበራዊ፡ ቍጠባዊ ይኹን ፖለቲካዊ ገስጋስ ክህሉ ዘይሕሰብ’ዩ። ኣብ በበይኖም ሃገራት ዝርአዩ ኣብ ዓሌታዊ፡ ጾታዊ፡ ኤትኒካውን ሃይማኖታውን ኣድልዎ ዝተመስረቱ ባህላዊ ክብርታት ጸረ ምዕባለ’ዮም።
ኣብዛ ነንሓድሕዳ ዝተኣሳሰረት ዓለም፡ ብዙሕነት ክብሪ ንኽወሃቦ ዝተባባዕ’ኳ እንተ ኾነ፡ ብሕትውና ናይ’ቲ ዓብላሊ ምዕራባዊ ባህሊ ከም ዘብርኽ ግን ክንዝንግዖ የብልናን። ስለዚ ከኣ’ዩ ነዚ ዕብለላ’ዚ ንምብዳህ ኣብ ምትሕልላፍ ባህላዊ ክብርታትን (ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ) ትዅረት ክንገብር ዘሎና።
ብባህሎም፡ መንነቶም፡ ታሪኾም፡ ክብርታቶምን ወግዕታቶምን ዝሕበኑ ሕብረተሰባት ወላ’ኳ ዘገምታዊ ይኹን’ምበር ዘላቒ ዕብየት ከም ዘረጋግጹ ተመስኪሩ’ዩ። ኣብ ሃገራዊ ሓበን፡ ምርድዳእ፡ ምክብባርን (ንመንነትን ብዙሕነትን) ሃናጺ ጽምዶን ዝተመስረቱ ወግዕታትን ክብርታትን ርግኣት ዝዓሰሎምን ጽኑዓትን ሕብረተሰባት ይፈጥሩ።
ባህሊ፡ ኣብ ሕብረተሰባዊ ክብርታትን ወግዕታትን ዝተመስረቱ ሰናይ ምሕደራታት ንምህናጽ ዘኽእል መሳርሒ ክኸውን’ውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ብርክት ዝበላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብሓፈሻ፡ ያታውያን ናይ ኣፍሪቃ ሕብረተሰባት ድማ ብፍላይ፡ ባይቶ ልምዳውያን መራሕቲ፡ ህዝቢ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ተናቢቡ ንኽሰርሕ ኣበርክቶ ክገብሩ ይርአዩ’ዮም። እዚ ዝምድና’ዚ ድማ ንዘላቒ ዕብየት ኣገዳሲ’ዩ።
ባህሊ፡ መንፈስ ኮማዊ ሓበን ንኽዅስኰስ የተባብዕ፣ ብዙሕነት ምሕቋፍን ምጽንባልን ድማ ቍልፊ ረቛሒ ንዘላቒ ዕብየት/ምዕባለ’ዩ። ንዅሉ ዘርብሕ ዘላቒ ዕብየት ንምውሓስ፡ ንቅየራዊ (transformative) ሓይሊ ናይ ባህሊ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ንምዕዋት፡ ኣቀራርባና ንልምዓት ባህለ-ተኣፋፊ (culturally sensitive) ክኸውንን ፍሉያት ክብርታትን ልምድታትን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ዘኽብር ጥራይ ዘይኮነ ዝጽንብልን ኣብ ግምት ዘእቱን ክኸውን ይግባእ። ሕብረተሰባት፡ ንመስርሕ ልምዓት ንምምራሕ፡ ያታውያንን (traditional) ዘመናውያንን መዋቕራቶምን እምነታቶምን ስርዓተ-ክብርታቶምን ምስ ዝጥቀሙ ሃቐነታቶም ዘላቒ ንክኸውን ይሕግዞም።
መርሓ-መትከላት
ንኽትዕ ክጥዕመና ምእንቲ፡ እዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ምንጻር ወይ ኣብ ግምት ምእታው ከድሊ እዩ፦
- ለውጢ ምድላይ፡ ምስ ሕብረተሰባት መፋጥርቲ (inherent) ዝኾነ ባህርይ እዩ። ነዚ ንምውሓስ ዝፈዀሰ ዝገብሮ ድማ ኣብቲ ናይ ለውጢ መስርሕ እሂን ምሂን እናተባህሉ እጅገኦም ሰብሲቦም ክዋስኡ እንከለዉ’ዩ። እዚ ናይ ምምኽኻር መስርሕ’ዚ፡ ባህግታቶም ኣብ መፈጸምታኡ ንኽበጽሕ ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ።
- ነፍስ-ወከፍ ሕብረተሰብ ናይ ባዕሉ ፍሉይነታት ኣለዎ። እቲ ዝመርጾ ጐደና ምዕባለ ወይ ስትራተጂ ድማ ምስ ናቱ ባህግታትን ስጕሚን (pace) ዝናበብ’ዩ። ለውጢ ድማ ወለዶታት ዝወስድ መስርሕ’ዩ።
- ማሕበራዊ ለውጢ ዝተወሳሳበ መስርሕ’ዩ። ንዅሉ ዘገልግል ተመሳሳሊ ፍታሕ ንምርካብ ድማ ኣሸጋሪ’ዩ። እንታይ ደኣ ንፍሉያት ድሌታትን ኵነታትን ናይ ሓደ ሕብረተሰብን ኣብ ግምት ዘእትዉ’ዮም።
- ሕብረተሰባት ባዕሎም ዝውንንዎም ምሕደራዊ ቅርጽታት (እንተላይ ያታውያን)፡ ስርዓተ-ክብርታትን እምነታትን ከም መርሓ-ሕንጻጻት ክጥቀሙሎም እንከለው ውጽኢታት ልምዓታዊ ጻዕርታቶም ኣዕገብቲ ይኾኑ።
ግብራዊ ኣተረጓጉማ
ስጕሚ (pace) ቍጠባዊ ዕብየት/ምዕባለ ብዝተፈላለዩ ማሕበራውን ፖለቲካውን ረቛሒታት እዩ ዝውሰን። እቶም ዝድለዩ ቅድመ-ዅነታት ክማልኡ እንከለው ድማ፡ ሃገራት ብዘደንቕ ናህሪ ምዕባለአን ከውሕሳ ይርአያ። እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ ከጠቓልሉ ይኽእሉ፦ ኣብ ሰናይ ምሕደራን ሓቛፍነትን ማእከል ዝገበሩ ወይ ዝተሰረቱ ቅኑዓት ቍጠባዊ ፖሊሲታት፣ ንወፍሪ ዘተባብዕ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር፣ ሰብኣዊ ዓቕሚ ብትምህርትን ስልጠናን ምፍጣር ሽቕለትን (job creation) ምብርባር፣ ከምኡ’ውን ብማሕበራዊ መዋቕር ዝግለጹ ባህላዊ ክብርታት ሓደ ሕብረተሰብ ኣፍልጦ ምሃብ። ሕብረተሰባት፡ ቀዳምነታቶም ንውሽጣዊ ድሌታትን ሃንቀውታታትን ክሳብ ዘንጸባረቑ ድማ፡ ብድሆታት ብዘየገድስ፣ ዕዉታት ንኽኾኑ ዘለዎም ተኽእሎ እናዓበየ ይመጽእ። ኣብ ምቕራጽ ሓባራዊ ትረኻ ባህሊ ኣገዳሲ መተሓውስቲ (ingredient) ምዃኑ ምእማን ከኣ ንኣብ ዘላቒ ዕብየት ዘሎና ኣረኣእያ ምሉእን ዝሰፍሐን ይገብሮ።
ልምዓታዊ ተበግሶታት ምስ ኵነታት ዝዛመዱን ብቑዓትን ምስ ዝኾኑ፡ ፍሉያት ድሌታትን ባህግታትን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ምምላእ ይሕግዙ። ስትራትጂና ባህላዊ ግምታት (considerations) ዘካተተ ምስ ዝኸውን ድማ ጽልዋኡ ኣብ ልምዓታውያን ጻዕርታትና ዘይነዓቕ ይኸውን። እቶም ጻዕርታት ምስ ባህግታት እቲ ዝግልገለሎም ሕብረተሰብ ብዕምቈት ዝናበቡ ንኽኾኑ ድማ የውሕሱ። ኣብ መጠረሽታ፡ ንባህሊ ከም ሓደ ኣገዳሲ መሳርሒ ናይ ቍጠባዊ ምዕባለ ምውሳድ ንሓቛፍነት ምዕባይ ጥራይ ዘይኮነ ሕብረተሰባት ነቲ ልምዓታዊ ጕዕዞ ባዕሎም ወነነቲ ንኽኾኑ ይሕግዝ።
ባህሊ ኣብ ገስጋስ ሓደ ሕብረተሰብ ጸላዊ ረቛሒ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ባህሊ፡ ንመንነት ሓደ ሕብረተሰብ ቅርጺ የትሕዝ፣ ንዘቤታዊ ገስጋስ ይሕግዝን ኣባል ናይ ሕብረተሰብ ናይ ምዃን ስምዒት (belongingness) ድማ ይፈጥር። ባህሊ ማሕበራዊ ስጥመትን ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስን የደንፍዕ። ብባህሉ ዝንየትን ብመንነቱን ታሪኹን ዝሕበንን ሕብረተሰብ ወላ’ኳ ዘገምታዊ እንተኾነ፡ ውጽኢት ጻዕሩ ውሑስን ዘላቕን ከም ዝኸውን ግን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከመይሲ ባህሊ ንመንኰርኮር ታሪኽ ዝደፍእ ኣገዳሲ መተሓውስቲ (ingredient) ወይ ባእታ (element) ስለ ዝኾነ።
ባህላዊ ክብርታት ንጠባያት ደቂ ሰብ፡ ትካላትን ማሕበራዊ ወግዕታትን ብምጽላው ቍጠባዊ ዕብየት ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ልዑል ኣበርክቶ ይገብሩ። ንኣብነት ኮንፉሽያዊ ክብርታት (ብልሒ፡ ትምህርቲ፡ ነፍሰ-ምሕየሻ – self-improvement) ዘሳስዩ ከም ቻይና፡ ደቡብ ኮረያን ሲንጋፖርን ዝኣመሰሉ ሃገራት በጺሖምዎ ዘለዉ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ኣብ ዓለም መዳርግቲ የብሉን። ጃፓናውያን’ውን ዓቃባዊ ባህሎም ብዘየገድስ እቲ ዝለዓለ ምርቓቕ (sophistication) በጺሖምዎ’ዮም። ጕጅላዊ ሓላፍነት (group responsibility)፣ ተኣማነንት ንኩባንያን (company loyalty)፣ ሓድሕዳዊ ምትእምማንን (interpersonal trust) ዝኣመሰሉ ምዕቡላት ክብርታት የስምሩሉ። ንሓያል ናይ ስራሕ ስነ-ምግባርን ዲሲፕሊንን ዘተባብዑ ባህልታት ፍርያምነት የበርኹ። ጀርመናውያንን ናይ ኖርዲክ ሃገራትን ናይዚ ጽቡቕ ኣብነታት’የን። ንኽፉትነት፡ ፈጠራውነትን ዋኒንተኛነትን ዝኹስኵሱ ባህልታት ንተክኖሎጂ ገስጋስ ባብ የርሕዉ። ደቡብ ኮረያ ኣብነት ናይ ከምዚ ዝበለ ባህሊ እተሳሲ ሃገር’ያ። ኣብ ትምህርትን ምምዕባል ሰብኣዊ ርእሰማልን ዘውፍሩ ሃገራት ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብ ኣብ ምፍራይ ይዕወቱ። ግዝኣተ-ሕግን ትካላዊ ጭውነትን (institutional integrity) ዘቐድሙ ሃገራት ወፍሪ ይስሕቡን ኣድማዕነት የዕዝዙን። ሓባራዊ ባህሊ ምኹስኳስ (collectivism) ዝመለለይኦም ህዝብታት ማሕበራዊ ምርግጋእ የውሕሱ። ጾታዊ ማዕርነትን ባህሊ ሓቛፍነትን ዝኹስኵሱ ህዝብታት ተጠቀምቲ ክኢላዊ ዓቕሚ መላእ ሕብረተሰብ ይኾኑ። እቲ እንገብሮ ለውጢ’ምበኣር ኣብ ባህላውን ታሪኻውን ሰረታትና ዝተነድቀ ክኸውን ክንጽዕረሉ ይግባእ። ከመይሲ ኣብ ሰንኮፍ ዝተነድቀ ምዕባለ ፋይዳ ስለ ዘይብሉ።
ብኣንጻር’ዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ምዕቡላት ባህላዊ ክብርታት’ዚኣቶም፡ ብርክት ዝበሉ ንቝጠባዊ ዕብየት ዝሓልኩ ባህላዊ ክብርታት ክዝውተሩ ንርኢ ኢና። እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ ከጠቓልሉ ይኽእሉ፦ ተቓውሞ ንለውጢን ፈጠራውነትን፡ ኣዝዩ ኣርከናዊ (hierarchical) ዝኾነ ማሕበራዊ ቅርጽታት (ንኣብነት ኣብ ዓዲ ህንዲ ዝዝውተር ስርዓተ-ዓጽሚ – caste system)፣ ጾታዊ ዘይምዕሩይነትን፣ ኣብ ጥንቆላን ካልኦት ማሪታዊ እምነታትን ምእማን፡ ብኵራት እምነት ኣብ ልዕሊ ትካላትን ትካላዊ ኣሰራርሓን፣ ብልሽውናን ኣድልዎን፣ ናይ ግዜ ኣምር ዘይምህላው፣ ተቓውሞ ወይ ምጥርጣር ኣብ ልዕሊ ናይ ደገ ጽልዋታት ወዘተ። እዚኣቶም ብኣጋ እንተ ዘይተኣልዮም ንማሕበራውን ቍጠባውን ገስጋስ ዓንቀፍቲ ኽኾኑ ይኽእሉ’ዮም።
ህዝቢ ኤርትራን ብዙሕነቱ ዝሓቝፉ ክጽንበሉ ዘለዎም ባህልታቱን
ህዝቢ ኤርትራ ዓዱ ዘፍቅር፡ ብመንነቱ ዝሕበንን ብጅግንነትን ሓርበኛነትን ዝግለጽ ሃብታም ታሪኽ ዘሎዎን ህዝቢ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 1991 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት ኢትዮጵያን መሻርኽቲ ዓለማውያን ሓይልታትን ዝረኸቦ ዓወት ብቐንዱ እቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝኸፈሎ ክቡር መስዋእቲ’ዩ። ኣብቲ ዘካየዶ ዕጥቃዊ ቃልሲ (ምስ ኵሉ’ቲ ሓጐጽጐጽ)፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሄር፡ ኣውራጃ፡ ሃይማኖት፡ ጾታ፡ ወዘተ ብዘየገድስ ኣብ ሓደ መኣዲ ሰጢሙ፡ ረድዩን ተናቢቡን ተቓሊሱ’ዩ። እዚ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስ ዝተገብረ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ጻዕሪ ወይ ፈተነ’ዩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ፡ ኣብ ታሪኹ፡ ታሪኽ ዝሰርሑ ብርክት ዝበሉ ጎብለላት ኰስኲሱን ፈጢሩን’ዩ። ንታሪኾምን ኣስማቶምን ክንውርቖም፡ ብዛዕባ ሞያኦምን ቍም ነገሮምን ክንዛረብ፡ ንሰማይ ከነዕርጎን እንተ ተኻኢሉ እውን ሓወልትታት ክንሰርሓሎምን ሓላፍነትና’ዩ። ሓርበኛነት እምበኣር ሓደ ካብቲ መለለዪ ባህርያት ህዝብ ኤርትራ’ዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ሓዳግን ብልቦና ዝምራሕን፡ ትሕትና ዝመለለይኡ፡ ጭውነት ዝቝመናኡ፡ ብያታታቱ ዘጌጸን ሰናይ ምሕደራ ዘሳስን ህዝቢ’ዩ። ቅድሚ ሰብ ፊደላት ዝመሃዘ፡ ምሕደራኡ ኣብ ጽሑፍ ዝወረቐን መጐተኡ ብላዛ ዘለዎም ምስላታት ዝወቀበን’ዩ። ብማሰ፡ ብልቕሶ፡ ብግጥሚ፡ ብደርፊ፡ ብሳዕስዒት፡ ብኣፈ-ታሪኽን ጽውጽዋያትን’ውን ሃብታም’ዩ። ንምሕደራ መሬት፡ ንሓዳር፡ ንስድራ ቤት፡ ንእንስሳ፡ ንመጓሰ፡ ንመገሃጫ፡ ንዘራእቲ፡ ንሕዛእቲ፡ ንባእሲ፡ ንገበን፡ ንዕርቂ፡ ንምትሕድዳግ፡ ንዝምድና ምስ ከባቢኡ ወዘተ ኣብ ዝምልከቱ ጕዳያት ብዝጸንሖ ያታዊ ምሕደራዊ ኣገባባት ክመሓደር ዝጸንሐ ህዝቢ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ዳዕሮ ዝምጉትን ዝዳነን፣ ንሕነ ምፍዳይ ብምትሕድዳግን ይቕረ ብምብህሃልን ዝተክአ፣ “ብህድግ ለነ ኣበሳነ” ዝምእዘዝ፣ ንማሕላ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱ፣ ኣብ ቃሉ ዝጸንዕ፣ “ኣይትጥለም ኣማኒኻ ከይጠልመካ ፈጣሪኻ” ዝመትከሉን ለዋህ ህዝቢ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምቕሉልን ተቐባል ጋሻ’ውን እዩ።
ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኽ ስልጣነ’ዩ። ኣብዚ ሕጂ ኤርትራን ትግራይን ተባሂሎም ዝፍለጡ ቦታታት፡ ብባህሊ፡ ተክኖሎጂን ስነ-ጥበብን ዝልለ፣ ብወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን ዝተሰርሐ ሰልዲ (coin) ከም ባጤራ ዝጥቀም ንግዳዊ ንጥፈታቱ ዘሰላስልን ዝነበረን ምስ ካልኦት ሽዑ ኣብቲ ከባቢና ዝነበሩ ስልጣነታት ዝምድና ዝነበሮን ዝተራቐቐ ስልጣነ ነይሩ’ዩ። እዚ ኣብ ኣኽሱምን ከበሳታት ናይ ሕጂ ኤርትራን ዝመደበሩ፣ ብኣዱሊስን ዙላን ኣቢሉ ንደገ ዘስተንፍስን ርክባቱ ዘስፋሕፍሕን ዝነበረ ስልጣነ፣ ኣብ ሓደ እዋን ድማ ክሳብ መረዌ (ናይ ሕጂ ሃገረ ሱዳን) ተዘርጊሑ ከም ዝነበረ ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ይገልጹ። እዚ ስልጣነ’ዚ ናይ ባዕሉ ፊደላትን ጽሑፍን ዘማዕበለ ንወተሃደራዊ ዘመተታትን (expeditions) ካልኦት ኣገደስቲ ፍጻመታትን ኣብ ዝተወቕሩ ኣእማንን (እምነ-ጽሑፋት – inscriptions) ዝስንድ ስልጣነ’ዩ ነይሩ። ኣብ ናይ ሕጂ ኤርትራ ከም መጠራ፡ ቆለወ፡ ኣዱሊስን ዙላን ዝኣመሰሉ ቦታታት ትርፍራፍ ናይዚ ስልጣነ’ዚ’ዮም። ሰላም ተረኺቡ ብዘመናዊ መገዲ ኣርኪዮሎጅያዊ ዅዕታ ምስ ተጀመረ ድማ ምስጢራቶም ክግላህ’ዩ።
ከም ብዓል ኣልበርቶ ፖለራን ኮንቲ ሮሲኒን ዝኣመሰሉ ኢጣልያውያን ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ፡ ብዛዕባ ንግስነትታ ቤጃ ወይ በለው-ከለው ዝፍለጥ መዋእል (ካብ ሻሙናይ ክሳዕ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ክፍለ-ዘመን)፣ ያታታት ጫሉቕ፡ ፋሉቕን ማሉቕን፡ ያታታት ዓሰርተ ክልተ ነገዳት እስራኤል፣ ኣመጻጽኣ ማርዩን ማንሹን፣ ያታታት ሃገር ናግራን (ንጅራን)፣ ያታታት ብሌንን፡ ወዘተ ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕቲ ገይሮም’ዮም። እዞም ውርሻታትን ቅርስታትን ህዝብና ክብርበሩ ዘለዎም ናይ ታሪኽ ዕደናታት’ዮም።
ህዝቢ ኤርትራ ንእምነታት ክርስትናን ምስልምናን ቅድሚ ሰብ’ዩ ተቐቢሉ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ትስዓቱ ቅዱሳን ብምትሕብባር ናብ ቋንቋ ግእዝ ካብ ዝትርጉም ድማ ኣማእታት ዓመታት ሓሊፍዎ’ዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ሃይማኖታዊ ፍልልያቱ ብዘየገድስ ተጸዋዊሩን ተኸባቢሩን ዝነብር ህዝቢ’ዩ። መሬት ኤርትራ፡ ብኣብያተ ክርስትያናት፡ ኣድባራትን መሳጊድን ዘጌጸን ዝተወቀበን’ዩ። እዚ ድማ፡ ምልክት ናይ ልዑል ፈጣርያዊ እምነቱ እዩ። ካልእ መለለዪ ህዝቢ ኤርትራ እቶም ብጭውነት ዝግለጹን ኣብ ፈሪሃ እግዚኣብሄር ዝተመስረቱን ስርዓተ-ክብርታቱን እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዘማዕበሎም ማሕበራዊ ምርግጋእ ዝማእከሎም ልምድታት ጸኒሖምዎ እዮም። ኣብ ግዝኣተ-ሕጊ ዘለዎ ምእዙዝነት ድማ ሓደ ካብቶም ፍሩያት መለለዪ ባህርያቱ እዩ። መንፈስ ሕድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ዲ.ኤን.አይ. (DNA) ናቱ ተሰሪቱ ኣሎ።
ህዝቢ ኤርትራ ተጸዋዊርካ ናይ ምንባርን ምክእኣልን ምምልላእን ልምዲ እውን ኣለዎ። ጕዳያት ናብ ረጽሚ ቕድሚ ምብራኾም ንምግትኦም ዘኽእሉ ልምዳውያን ኣገባባትን ደንብታትን (ሕግታት እንዳባ) ገይሩ ክነባበር ጸኒሑን ኣሎን። ግርጭታት ወይ ዘይምርድዳኣት ኣብ ዝኽሰቱሉ ድማ ኵሎም ዝረብሑሉ ፍታሓት ናይ ምንዳይ ኣገባባት ክበላሓት ጸኒሑን ኣሎን።
ህዝቢ ኤርትራ ንሽግራት ወይ ብድሆታት ብትዕግስቲ ናይ ምግጣም (resilience) ዓቕሚ፡ ብልሕን ልምድን ዘማዕበለ ጻዕረኛን ሓርኮትኮት በሃልን ህዝቢ እዩ። ኣብ እግዚኣብሄሩ ስለ ዝኣምን ድማ ትስፉው፡ ተጸማምን ዓቃልን እዩ። ናይ እሂን ምሂን ልምድን ተላዚብካ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ (consensus) ናይ ምብጻሕ ባህልን’ውን ከዘውትር ጸኒሑን ኣሎን።
ኣብ ኤርትራ ዝሕሰብ ወይ ዝትግበር ለውጢ’ምበኣር ኣብዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ክብርታት ክሰረቱ ዝነበሮን ዘለዎን’ዩ። ኣብዞም ተጠቒሶም ዘለዉ ጸጋታት (assets) ክንደቑ ዝነበሮምን ዘለዎምን’ዩ። ዘላቒ ባህርይ ምእንቲ ክህልዎም። እቶም ክሳዕ ሕጂ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተዓወቱ ልምዓታዊ ተበግሶታትን ስትራተጅታትን ናይ ባህሊ ሓያል ጐድኒ እናተጠቕሙን ንድሑራት ልምድታት እናኣረሙን ዝኸዱን’ዮም። ባህሊ፡ ስትራተጅያዊ ብዝኾነ መገዲ እንተድኣ ተጠቒምናሉ ናብ ረብሓናን ረብሓ ዕብየትናን ከነውዕሎ ንኽእል ኢና።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ መሰረታት ዕብየት ዝኾኑ ታሪኽን ባህልታትን ዝውንን ህዝቢ ቍጠባዊ ዕብየት ኣብ ምውሓስ ክፈሽል ሃየንታ’ዩ። ከነፍቕድ ድማ የብልናን።
ኣብ ኤርትራ ዝዝውተሩ ዘለዉ ኣሉታዊ ባህልታት
ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብጠቕላላ፡ ልክዕ ከም ካልኦት ሕብረተሰባት፡ ጐዳእትን ጠቐምትን፣ ኣፍረስትን ሃነጽትን፣ ድሑራትን ምዕቡላትን፣ ንቕድሚት ኣሰጐምትን ንድሕሪት ጐተትትን ባህልታት ክሳሰዩ ጸኒሖም’ዮም። እዚ ድማ ንቡር’ዩ። ገለ ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ፦ ተቓውሞ ንለውጢ፡ ትሕተ-ሃገራዊ ምትእኽኻብ፡ ጾታዊ ኣድልዎ፡ ኣብ ጥንቆላን ካልኦት ማሪታዊ እምነታትን ምእማን፡ ንኢደ ጥበብ (ማእለማ፡ ስርሓት ወርቂ፡ ብሩርን፡ ሓጺንንን) ምስትንዓቕ፡ ብልሽውናን ኣድልዎን፡ ናይ ግዜ ኣምር ዘይምህላው፡ ምጥርጣር ኣብ ልዕሊ ናይ ደገ ጽልዋታት ወዘተ። እዚኣቶም ኣብ ማሕበራዊ ገስጋስ ዝህልዎም ኣሉታዊ ግደ ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን። ከከም ኣመጻጽእኦም ድማ ክእለዩ ጸኒሖም’ዮም።
ካብ 1991 ንደሓር፡ ኣብ ኤርትራ ኣዝዮም ዘሰክፉ ባህልታት ክምዕብሉ ተራእዮም’ዮም። እዚኣቶም ደይ መደይ ተባሂሉ ዝተሰርሓሎምን ዝስርሓሎም ዘሎን፡ ኣብ ታሪኽ ህዝብና ዘይነበሩን ባህልታት’ዮም። ወለዶን ፈረቓን ኣብ ዝወሰድ ግዜ ክስዕርሩን ንቡራት ኮይኖም ክዝውተሩን’ውን በቒዖም’ዮም። እዚኣቶም ኣብ ምዕንቃፍ ምዕባለ ክህልዎም ዝኽእል ተራ ዝነዓቕ ኣይኮነን። ውሑዳት ንምጥቃስ፦
ኣብ መንጎ መንግስቲ፡ ህግደፍ፡ ሃገርን መራሒ ሃገርን ዘሎ ፍልልይ ኣፍልጦ ዘይምሃብ፦ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ፣ ገዛኢ ሰልፍን (ህግደፍ) ሃገርን ፍልልይ ከም ዘየሎ ክስርሓሉ ጸኒሑን ኣሎን። ሕልፍ ኣብ ዝበሉ እዋናት ድማ ኣብ መንጎ መንግስቲ፡ ህግደፍ፡ ሃገርን ፕረሲደንት ኢሳይያስን ፍልልይ ከም ዘየለ ተጐስጒሱሉ። ህግደፍ ማለት መንግስቲ ማለት እዩ፣ መንግስቲ ማለት ሃገር ማለት እዩ፣ ሃገር ማለት ህግደፍ ማለት እዩ፣ ሃገር ማለት ድማ ኢሳይያስ ማለት እዩ ተባሂሉ ዘመተ ተኻይዱሉ። ነዚ ስነ-መጐት’ዚ እንተ ድኣ ተኸቲልና፡ ንህግደፍ ወይ ንመንግስቲ ኤርትራ ወይ እውን ንኢሳይያስ ዘይድግፍ ወይ ነቐፌታ ዘቕርብ ዜጋ ሃገራዊ ኣይኮነን። ብተመሳሳሊ ስነ-መጐት ድማ ኣብ መሳርዕ’ቶም ጸላእቲ ሃገር ይስራዕ። ምስ ጸላእቲ ሃገር ክሳዕ ዝተሰርዐ ድማ ወይጦ፡ ወያነ፡ ከዳዕ፡ ተምበርካኺ ወይ እውን ሲ.ኣይ.አይ. ተባሂሉ ይጥመቕ። እዚ ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፍን ሓደ መራሕን ዝርአ ዘሎ ዕዉር እምነት ኣዝዩ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ባህሊ’ዩ። እዚ ነቲ “ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጸሓይና” ዝብል ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝጸንሐ ባህሊ ዝመዝመዘ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ብዲዛይን ወይ ብዕላማ ከም ዝተሰርሓሉ ግን ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ተርእዮ’ዚ ተወሳኺ ምርምር ከየድለዮ ኣይክተርፍን’ዩ።
ብኵራት ተሓታትነት፦ ተሓታትነት፡ ኣብ ትካላት ዝህልወካ እምነት ይኹስኵስ፣ ኣድማዕነትን ስሉጥነት ኣሰራርሓን የዕቢ፣ ቅጥዒ-ኣልቦ ዝውተራ (abusive) ስልጣንን ብልሽውናን ይገትእን ስነ-ምግባራዊ ኣከያይዳን ሓላፍነትን ድማ የተባብዕ። ኣብ ኤርትራ፡ ስልጣን ብሓደ ውልቀ-ሰብ ዝተባሕተ’ዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ነንሓድሓዶም ዝተሓታተቱን ዝጸባጸቡን መሓውራት መንግስቲ (ሓጋጊ፡ ፈራድን ፈጻማን) የለዉን። ኣጠቓቕማ መንግስታዊ ጸጋታት ብዕምሉግሉግ ዝበለ መገዲ ይፍጸም። ፖሊሲታት መንግስቲ ብኸመይ ይረቁ፡ ይትግበሩን ይግመገሙን ዘነጽር ኣገባብ (mechanism) የለን። ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ብተግባራቶም ንህዝቢ ተሓተቲ ኣይኮኑን። ንጽብጽብ (audit) ክፉታት’ውን ኣይኮኑን።
ሚኒስትሪታት ንጹር ግደን ሓላፍነትን ዘለወን ኣካላት መንግስቲ ክነሰን ብሰንኪ ኢድ ምትእትታው ህግደፍን ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን በቲ ሓደ ወገን፡ ሕጽረት ባጀት ድማ በቲ ካልእ ብመንግስቲ ዝተዋህበን ሓላፍነት (mandate) ክፍጽማ ኣይርአያን። እቲ መንግስቲ ብቕዋም ስለ ዘይግዛእ ንግዝእተ-ሕጊ ተማእዛዚ ኣይኮነን። ንሞያዊ ጭውነትን (professional integrity) ስነ-ምግባራዊ ኣከያይዳን ዘገድድ ወይ ዘተግብር ኣገባብ ኣሰራርሓ (code of ethics) የለን። ንሰብ-ብርኪ (stakeholders) ኣብ ጽምዶ ንምእታው ዘኽእል ኣገባብ’ውን ከምኡ። ገስጋስ ዕማም ዝግምግም መዐቀኒ ክዝውተር ኣይርአን። ቍጠባ ተመሓይሹዶ ኣይተመሓየሸን? ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተዋሂቡዶ ኣይተዋህበን? ምዕሩይዶኸ ነይሩ? ጽሬቱኸ? ህዝቢ ብመነባብሮኡ ዓጊቡዶ ኣይዓገበን? ደቁኸ ጽሬት ወይ ጽፈት ዘለዎ ትምህርቲ ይባጽሖምዶ ኣሎ? ዝምድናታት ሃገር ምስ ጐደቦ፡ ምስ ዞባን ዓለምን ተመሓይሹዶ ደልዲሉዶ? ኣምሳያ ናቱኸ ረብሓታት ሃገር ንምቕዳም ዝተገብረ ስራሕ ኣበየናይ ደረጃ ተበጺሑ? ንዝብሉ ሕቶታት ዝምልስ ኣይኮነን። ብኵራት ተሓታትነት ዝጠንቍ ብልሽውና ሳዕሪሩ። ገበናት ብዘይ መቕጻዕቲ (with impunity) ይፍጸሙን ይቕጽሉን ኣለዉ።
ብኵራት ትካላውነትን ትካላዊ ኣሰራርሓን፦ ኣብ ኤርትራ ትካላትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ካብ ዝበርስን ውልቀ-ምልኪ ሱር ካብ ዝሰድድን ሓያለይ ግዜ ኮይኑ’ዩ። ውልቀ-ምልክን ቅጥዒ ኣሰራርሓ መንግስትን ዝቦኽሮ ኣከያይዳን መለለዪ ባህርይ ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት’ዩ። ብሕጽረት ተሓታትነት፡ ሰንኮፍ ትካላትን ብልሽውናን ዝልለ ድኹም ምሕደራ ንምርግጋእ ሃገር ኣስጋኢ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ብግዴኡ ኣብ ዜጋታት ተስፋ ናይ ምቝራጽን ዘይምትእምማንን መንፈስ ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ትካላት ናይ ምብሕጓግን ምልማስን መስርሕ’ዚ፡ ናብ’ቲ ሓጋግን ፍርዳውን ኣዕኑድ መንግስቲ’ውን ልሒሙ’ዩ። ኣኼባ ሓጋጊ ኣካል (ሃገራዊ ባይቶ) ካብ ዘይጽዋዕ ዕስራን ክልተን ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣብ ሓደ ሰብ ዝተማእከለ ምሕደራ፡ ንትካላት ብፍላይ ድማ ንዝተነጸረ ዕማምን ፖሊሲን ዘለዎም መንግስታዊ ኣካላት የቆናጽብን ይንዕቅን። እዘን ትካላት’ዚኣተን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰበ-ስልጣን ህግደፍ ይስገራ እየን። ካቢነ ሚኒስተራት ካብ ዘይእከብ ዓመታት ሓሊፋ፣ ኣብ ዝተኣከበሉ እዋን እውን እንተ ኾነ ካባ ምስጢር ተጐልቢቡ’ዩ ዝሰርሕ፣ እቲ ህዝቢ ድማ ፈጺሙ ሓበሬታ ኣይረክብን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንትካላት ኣዳኺምዎ’ዩ። መሽሚሾም’ዮም እንተ ተባህለ ከም ምግናን ክቝጸር የብሉን። እዚ ብግዴኡ፡ ኣብ’ቶም ትካላት እምነት ንኸይህሉ ኣኽኢሉ’ዩ። ብዘይካ’ዚ ሚኒስትሪታት መንግስቲ ኣድማዒ ብዝኾነ መገዲ ንኸይሰርሑን ዓቕሚ ንኸይድልቡን ኣስተዋጽኦ’ውን ገይሩ’ዩ።
ብኵራት ግሉጽነት፦ ግሉጽነት፡ ሓቀኛ፡ ጠቓሚ፡ እሙንን እዋናውን ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ዘኽእል ምሕደራዊ መትከልን መሳርሒን’ዩ። ግሉጽነት፡ ንህዝባዊ ጽምዶ የተባብዕ፣ ተሓታትነት የውሕስ፣ ፖሊሲታት መንግስቲ ብኣግኡ ናብ ህዝቢ ከም ዝግለጹን ግብረ-መልሲ ከም ዝወሃቦን ይገብር፣ ህዝቢ ንመንግስቲ ዘለዎ ሕቶታት ንኽሓትት ባይታ ይፈጥርን ምስጢራዊ ኣሰራርሓ ንከይስዕርር ድማ ይከላኸል። ኣብ ኤርትራ፡ ባጀት (ኣታውን ወጻእን)፡ ተደጋጋሚ/ስሩዕ ባጀት (recurrent budget)፡ ኵናት ምእዋጅ፡ ልምዓታዊ ውጥናት ምትግባር፡ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት (national security)፡ እቶት ዕደና፡ ካብ ዲያስፖራ ዝእከብ 2%ን ካልእን፡ ዓመታዊ ዕብየት ቍጠባ ኣብ በበይኖም ጽላታት (ሕርሻ፡ ምስናዕ፡ ኣገልግሎታት) (GDP)፡ ኣታዊታት ሃገር ካብ ቀረጽ (tax)፡ ኣታዊታት ብህግደፍ ዝመሓደራ ዋኒናት (ዋኒነ-ትካላት)፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ወዘተ ዝበሃሉ ነገራት ኣብ መዝገበ-ቃላት ናይ’ቲ ስርዓት ልሙዳት ኣይኮኑን። ብኵራት ግሉጽነት ዝጠንቁ ህዝቢ ዘይካፈሎ ምስጢራዊ ኣሰራርሓ ሱር ሰዲዱ’ዩ። ኲናት ብስቱር ይእወጅን ይካየድን፣ ዝምድና ኤርትራ ምስ ካልኦት ሃገራት ብዘይ እውጅ መገዲ ይሳለጥ፣ ንግዳዊ ውዕላት ኣብ ትሕቲ ጣውላ ይፍረሙ፣ ዜጋታት ብጸላም ዝስውርን ኣበይ ኣለዉ ዘይበሃሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ ሕልና እሱራት ዘሳሲን ኣሰራርሓ ማዕቢሉ።
ፖለቲካዊ ትፍንን (political polarization)፦ ጭውነት ዝመሰረቱ ምይይጥን ክትዓትን፡ ንፍልልያት ብሃናጺ መገዲ ናይ ምፍታሕ መድረኽን፡ ናይ ኤርትራ እምነ-ኵርናዕ ፖለቲካዊ ባህሊ ክኸውን ክስርሓሉ ይግባእ ነይሩ። ተጻራሪ ርእይቶታት ክጽወር ጥራይ ዘይኮነስ ክጽንበል’ውን ይግብኦ። ከመይ’ሲ ፍልልያትና ምንጪ ሓድነትናን ሓይልናን ስለ ዝኾኑ። ንመንግስቲ ይኹን ንዲያስፖራ ዝውክላ ማዕከናት ዜና ብፍላይ ድማ ናይ ዩትዩብ ቻነላት ስርሐን ጥንቃቐን ሓላፍነታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ክፍጽምኦ ኣይርአያን። ሓሶት ወይ ጭብጢ ዘይብሉ ዜና ካብ ምዝርጋሕን ተሪርን ስነ ስርዓት ዝጐደሎ ቋንቋ ኣብ ምጥቃምን ይነጥፋ። ብተወሳኺ፡ ምፍልላይ ዝኣጀንዳአን፡ ፖለቲካዊ ጽልኢ ዝዘርኣን ዝነዝሓን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ወሳኒ ጉዳያት ዘተኵራ፡ ሰባት ንምጥቃዕ ቀዳምነት ዝህባን ማሕበራዊ መራኸቢታት (ንመንግስቲ ዝድግፋን ዝቃወማን) ዝውቱራት’የን። ምናልባት እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ፡ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ንሓድሕዱ ኣብ ምጽልላም ዘባኽኖ ግዜን ጻዕርን ክኸውን ይኽእል እዩ። “ምሳና ኢኻ ወይ ኣንጻርና ኢኻ” ዝብል ኣበሃህላ ሳዕሪሩ’ዩ። እዚ’ውን እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን ምስቲ ኣብ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዝተራእየ ናይ ምትፍናን ባህሊ ስዒቡ ድማ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ መንጎ’ተን ብረት ዝዓጠቓ ውድባት ዝተኸስተ ጐነጻዊ ኣገባብ ኣፈታትሓ ውሽጣዊ ግርጭታት ዝተበገሰ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ከምኡ ክኸውን ነይርዎ ማለት ግን ኣይኮነን። ካብ ዝሓለፈ ብዙሕ ስለ እትምሃር።
ምዕስካር መላእ ሕብረተሰብ (militarization of the entire society)፦ ምዕስካር መላእ ሕብረተሰብ ኣብ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ተራእዩ ብዘይፍለጥ ናህሪ ተሰሪሑሉ። ህዝቢ፡ ወተሃደራዊ ክብርታት፡ ቅርጽታትን ቀደምትነታትን ብዘርዊ መገዲ ተወዲቡ። ሲቪሊያዊ ህይወቱ፡ ምሕደራኡን ባህሉን ድማ ብኣኡ ይምእዘዝ። ብምስምስ “ሃገራዊ ድሕነት” ቍጽጽርን ድረታ ሓሳብካ ምግላጽን ዝውቱር ኮይኑ። ባጀት ምክልኻል ብዋጋ ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ሰማይ ተሰቒሉ፡ ውደሳ (glorification) ዂናትን ናይ ዂናት ጅግንነንትን ሰማይ ዓሪጉ። እዚ ፕሮፓጋንዳዊ መስርሕ’ዚ ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ናጽነት ዝተኸፍለ መስዋእቲ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ዝሰርጽ ምግባር፤ ኣብ ከም ናደው፡ ውቃው፡ መብረቕ፡ ፈንቅል፡ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ኣንጻር ጐበጣዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ እተኻየዱ ወሰንቲ ውግኣት ንዝተረኽቡ ዓወታት ክብሪ የልብሱዎ፣ ከም መዘና ዘብሎም ዓወታት ገይሮም ድማ የቕርብዎም። ብዘይካ’ዚ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻድሻይ ዝተኻየዱ ወራራት ኢትዮጵያ፡ እንተላይ ንሰላሕታ ወራር ዘጠቓለለ መወዳእታ ዘይብሎም ዛንታታት ይደጋግሙ። ውደሳ ናይ ዓወታት መኣስ ነውሪ ኮይኑ። ደጋጊምካ ንፖለቲካዊ ሃልክን ንጸበብቲ ረብሓታትን ክትጥቀመሉ እንከለኻ ግን ኣድካሚ፡ መሰልቸውን ሓደገኛን ይኸውን።
ብዕድመ ዝደፍኡ ኣቦታት ከይተረፉ ብሓይሊ ከም ዝዓጥቁን ኣብ መሳርዕ’ቲ ሰራዊት ከም ዝእትዉን ተጌሩ’ዩ። ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ዜጋታት ምስ መንግስቲ ተመሳሲሎም ክኸዱ ይቕሰቡ። “ጸላእቲ ሃገር” ከኣ ከም ዝስይጥኑ (demonization) ይግበር። ከምዚ ዝበለ ባህሊ፡ ሕብረተሰብ ተማእዛዚ’ቲ ወተሃደራዊ ስርርዕ ክኸውን፡ ንሒዝዎ ዘሎ ሞያ ክንዕቅን ምስ ሰብ ግዜ ክመሳሰልን ይጅምር። ቈልዑ ከይተረፉ ኣብ ትምህርቶም ኣተኵሮ ኣብ ክንዲ ዝገብሩ፡ በዚ ወተሃደራዊ ባህሊ ይጽለዉ። ስርዓተ-ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ንነቐፌታዊ ኣተሓሳስባን ምምርማርን ዘተባብዕ ንምእዙዝነት (obedience) ጸቢብ ሓርበኛነትን ይዅስኵስ። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሊ ኣብቲ ሕብረተሰብ ማሕበራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጕድኣት የኸትልን ንደሞክራሲያዊ ክብርታት ድማ ይፍሑቕን። ልዕሊ ዅሉ ድማ ሞያ ኣብ ትሕቲ ውትህድርና ከም ዝምእዘዝን ንዕኡ ከም ዘገልግልን ይግበር።
ምዕስካር ዓቢ ክፋል ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ ተራእዩ’ዩ። እቲ ዓቢ ኢጣልያዊ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ – ኣልበርቶ ፖለራ – ኣብ ሓደ እዋን ስሳ ሽሕ ኤርትራውያን መንእሰያት ብገዛኢት ኢጣልያ ተዓስኪሮም ከምዝነበሩ ኣብታ “ደቀባት ህዝብታት ኤርትራ” ዘርእስታ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ሽድሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣቢሉ ይግመት ነይሩ። እዚ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ብዙሕ’ዩ። እንተ ኾነ ግን ምስዚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝርአ ዘሎ ኵነታትን ፖለቲካዊ መበገሲኡን ከቶ ዝወዳደር ኣይኮነን።
ፈትዩ ጸሊኡ፡ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደ ኣተሓሳስባን ትረኻን ከም ዝዓስል ምግባር (regimentation)፦ ንብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባ ምድቋስን ንፍልይ ዝበሉ ርእይቶታት ምጽራርን ንሕስያ ብዘይብሉ መገዲ ምህራምን ሓደ ካልእ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይግባኦ ሳዕሪሩ ዘሎ ባህሊ’ዩ። ዘቤታዊ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ንተቓውሞ ንምጭፍላቕን ንፍልልያት ብሓይሊ ንምህዳእን፡ ብርቱዕ ጐነጽን ኣስገዳድ ሜላታትን ብምጥቃም ይልለ። ናይ ህግደፍ ህላወ፡ ፍጹም ራዕዲ ኣብ ምስራጽን ነዚ ድማ ብዘይ ምቍራጽ ኣብ ምዅስዃስን ዝተመስረተ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ መንእሰይ ከይተረፈ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቊጽጽር ክኣቱ ተበይኑሉ’ዩ። እዚ ክፋል ሕብረተሰብ’ዚ ብመደባት ማሕበራዊ ምህንድስና (social engineering) ህግደፍ ኣቢሉ ከም ሓድሽ ሰብ ክቕረጽ ተፈሪዱ። እዚ ድማ ነቲ ንዓሰርተ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ መደብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ግዴታዊ ተሳትፎ ዘጠቓለለ እዩ። እቲ ዕላማ ንመንእሰያት ብምስሊ ተጋዳላይ ደጊምካ ምቕራጽን ምስራሕን’ዩ። እዚ ስብከት’ዚ፡ መንእሰያት በቲ ህግደፍ ዝደልዮ መገዲ ክሓስቡን ህግደፍ ዝደልዮ ጠባያት ከዘውትሩን ንምግዳድ ወይ እውን ንኽኽተሉ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ናይ መወዳእታ ዕላማኡ ድማ ንኣተሓሳስብኦምን ናጽነቶምን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቊጽጽር ትረኻ ህግደፍ ንምእታው እዩ።
ህግደፍ፡ ቀጻልነት ስልጣኑ ንምርግጋጽን ምኽኑይ ንምግባርን ንናይ ፍርሒ ረቛሒ ከም ምስምስ ብተደጋጋሚ ክጥቀመሉ ይርአ። ግዳማዊ ስግኣታት ብምጉላሕ ኣብ ህዝቢ ናይ ራዕዲ ስምዒት ኣስሪጹ እዩ። ነዚ ምስምስ’ዚ ብምጥቃም፡ ከም ምትግባር ቅዋም፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ መደባት ልምዓት ምጅማርን ንጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ምፍታሕ ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ሃገራዊ ተበግሶታት ንዘይተወሰነ እዋን ከመሓላልፎም ጸኒሑን ኣሎን። ዓውደ ኣዋርሕ ኤርትራ ብዓመታዊ በዓላት፡ ብፍላይ ድማ ብመዓልቲ ናጽነት፡ ፈንቅል፡ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ መዓልቲ ሸቃሎ፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ ከምኡ እውን ንፈላሚ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝዝክር ባሕቲ መስከረም የጠቓልል። ነዚኦም ምጽንባል ነውሪ ኣይኮነን። ሓሓሊፉ እውን ዝኽሪ ምድምሳስ እዝታት ውቃው፡ ናደው፡ መብረቕ እናተባህለ በዓላት ይውደብን ይካየድን። ካብ ሓምለ ክሳዕ መስከረም ዘሎ ግዜ (ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ) ንሃገራውያን ፈስቲቫላት ይውፈ። መወዳእታ ዘይብሉ ኵዳታትን ዳንኬራታትን ድማ ይግበር። እቲ ዕላማ ርዱእ’ዩ። እቲ ህዝቢ ኣብ ሕመረታውያን ጕዳያት ምእንቲ ከየሓስብ ተባሂሉ ደይ መደይ ኢልካ ዝተሃንደሰ ውዲት’ዩ።
ትሕተ-ሃገራዊ ምትእኽኻባት፦ በቲ ስርዓትን ካብቲ ስርዓት ወጻኢ ብዝኾኑ ኣካላትን ንጸበብቲ ፖለቲካዊ ረብሓታት ተባሂሎም ዝዅስኰሱ ትሕተ-ሃገራዊ ምትእኽኻባት ኣብ ኤርትራውያን ክሊታት ዝውቱራት’ዮም። ገሊኦም ኣብ ኣውራጃ፡ ገሊኦም ኣብ ዓሌት፡ ገሊኦም’ውን ኣብ ሃይማኖት ዝተመስረቱ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። መበገሲኦም ብዘየገድስ፡ ንጸበበቲ ረብሓታት ክሳብ ዘገልገሉ ድማ ጐዳእቲ’ዮም። ከምዚኣቶም ዝባህርያቶም ትሕተ-ሃገራዊ ምትእኽኻባት ሓድነት ህዝቢ ከም ዝልሕልሕ ኣብ ምግባር፣ ስጥመቱ/ጥምረቱ ኣብ ምድኻም፣ ሓርበኛዊ መንፈሱ ኣብ ምብሕጓግን ማሕበራዊ ስኒቱ ኣብ ምርባሽን ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ። ንዕብየቱን ገስጋሱን ድማ ይጻብኡ።
ተመሳሲልካ ምኻድ (conformism)፦ ሓደ ቀንዲ ናይ’ዚ ተመሳሲልካ ምንባር ምኽንያት፡ ካብ’ቲ ኣብ ልዕሌኻ ክፍጸም ዝኽእል ናይ ምፍዳይ ሕነ (ወይ ጭፍለቓ) ስጉምቲ ዝነቐለ ፍርሒ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ንድሕነቶምን ንድሕነት ስድራቤቶምን ክብሉ ብፍቶት ይኹን ብግዲ ነቲ ናይ’ቲ ስርዓት ትረኻታት ክርዕምዎ ይርአዩ። ምስ ትረኻታት ናይ’ቲ ስርዓት ምስምማዕ ከም ናይ ርእሰ-ዕቐባ (self-preservation) ስልቲ ገይሮም ዝወስድዎ ውልቀ ሰባት እውን ኣለዉ። ንምንታይ’ሲ፡ ቅሬታኻ ምግላጽ ከቢድ ሳዕቤን ከኸትል ኣብ ዝኽእለሉ እዋን፡ ከም’ዚ ዓይነት መርገጺ ምውሳድ ኣብ ባህርይ ወዲ ሰብ ሱር ዝሰደደ መሰረታዊ ናይ ነፍሰ-ምድሓን ወይ ነፍሰ-ዕቃበ ስልቲ እዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ምልካውያን ስርዓታት ብተለምዶ ኣብ ልዕሊ ሓበሬታ ጽኑዕ ቊጽጽር ይገብሩን ንኣማራጺ (alternative) መራኸቢ ብዙሓንን ኣረኣእያታትን ድማ ይድርቱን እዮም። እዚ ድማ ነቲ ሰባት ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታትን ትረኻታትን ንምርካብ ዘለዎም ተኽእሎታትን ዕድላትን ብምድራት፡ ነቲ ናይ’ቲ ስርዓት ትረኻ ከም እንኮ ሓቂ ገይሮም ከም ዝቕበልዎ ክገብሮም ይኽእል እዩ። እዚ’ውን እንተ ኾነ ምስቲ “ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ዓዶም ግደፈሎም” ዝብል ኣብ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ሱር ዝሰደደ ብሂል ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል’ዩ። ተወሳኺ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጕዳይ ከይኮነ’ውን ኣይተርፍን።
ሕድሕዳዊ ዘይምትእምማን፦ ምልኪ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዓሚቝ ፖለቲካዊ ምክፍፋል (ኣብ ስልጣን፡ ስነ-ሓሳብን ዕጫ ሃገርን ኣብ ምንቛትን/ምውጣጥን) ከም ዝህሉ ገይሩ’ዩ። እዚ ብግዴኡ፡ ንሓዋሩ ንዝተፈላለዩ ተራጸምቲ ዝመስሉ ኣተሓሳስባታት ምትዕራቕ፡ ንኽርአ ዝኽእል ምውጣጥ ወይ ምሽማው ስልጣን ምምሕዳር፡ ኣብ ትካላት እምነት ከም ዝህሉ ንምግባር ጻዕርታት ክሓትት’ዩ። ኣብ ግዜ ምልኪ ዝተዘርአ ዘይምትእምማን ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ብግዴኡ ማሕበራዊ ስኒት ንከተውሕስን ሃገራዊ መንነት ንምስራጽን ርእሱ ዝኸኣለ ብድሆ ክኸውን’ዩ።
ኵሉ ብዓይኒ ፖለቲካ ምርኣይ (politicization)፦ ኣብ ኤርትራ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ቍጠባውን ጉዳያት ፖለቲካዊ መልክዕ ስለ ዝለበሰ ማሕበራዊ ምክፍፋል ኣስዒቡ’ዩ። “ንሕናን ንስኻትኩምን” ዝብል ኣተሓሳስባ ሳዕሪሩ’ዩ። ትካላት (ንኣብነት መራኸቢ ብዙሓን) በዚ መልክዕ’ዚ ስለ ዝርአዩ ሰባት ኣብ ልዕሌኦም ዘለዎ እምነት ነክዩ’ዩ። እዚ ተርእዮ’ዚ ናብ ኣድልዎ ካብ ዘምርሕ ሓያለይ ኮይኑ’ዩ። ከመይ’ሲ ሓደ ሓደ ጕጅለታት ናይቲ ሕብረተሰብ ብምኽንያት’ቲ ፖለቲካዊ ተኣማንነቶም ናይ ቍጠባ ተረባሕቲ ክኾኑ ስለ ዝኸኣሉ።
ምብሕጓግ መበቈላውያን ኣስማት ዜጋታት፦ መበቈላውያን ኣስማት ዓሚቝ ባህላዊ፡ ታሪኻውን መንፈሳውን ትርጕም ኣለዎም። ትርጕም፡ መንነትን ኣበዋዊ (ancestral) ፍልጠት ይሓቝፉን ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ ድማ የሰጋግሩን። ክንዲ ዝኾነ ድማ ሓደ ካብቶም ክዕቀቡ ዝግብኦም ባህልታትን’ዮም። ሓደ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአ’ሞ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይግብኦ ጉዳይ ግን ኣሎ። እዚ ድማ ምስዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ወለዲ ንደቆም ዝህብዎም ዘለዉ ኣስማት ዝተኣሳሰር’ዩ። መበቈላውያን ኣስማት ምሃብ ተሪፉ ዘመነ ኣምጽኦ ኣስማት ምሃብ፡ እንሓንሳእ ድማ ክልተ ኣስማት ለቓቒብካ ሓድሽ ስም ምፍጣር ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ኮነ ኢልካ እንተ ዘየተጻዒሩሉ፡ ታሪኽና ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ንመንነትና ዝጸሉ ክኸውን’ዩ። ክሕሰበሉ ድማ ኣለዎ።
ኣብ ኤርትራ ተኣታትዩን ሳዕሪሩን ዘሎ ነውራም ባህሊ ናይ ሓዋሩ ሳዕቤናቱ ቀሊል ኣይኮነን። ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል’ውን ክኸውን’ዩ።
መደምደምታ
ሃገር፡ ቍጠባዊ ዕብየታ ዘላቕነት ብዘለዎ መገዲ ከተውሕስ፣ ህዝባ መነባብሮኡ ክመሓየሽ፣ ዕጫኡ ክጽብቕን መጻእቲ ወለዶታት ክሓልፈሎምን ኣብ ባህልታቱ ዘለዎ መረዳእታ ክዓብን ንባህልታቱ ስትራተጅያዊ ብዝኾነ ኣገባብ ክጥቀመሉን ኣብ ረብሓኡ ከውዕሎምን ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ጉዳይ’ዩ። ነዚ ንምዕዋት ኵሎም’ቶም ደፋእቲ ቍጠባዊ ዕብየት ዝኾኑ ባህልታቱን ክብርታቱን ከለልዮምን ከስተብህለሎምን ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ድማ ነቶም ንቝጠባዊ ዕብየት ዕንቅፋት ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ዝብሎም ሳዕሪሮም ዘለዉ ነውራም ባህልታት ድማ ስርዓታዊ (systematic) ብዝኾነ ኣገባብን ደይ መደይ (deliberate) ኢልካን ካብ ሰራውሮም ክምሓዉን ከድሊ’ዩ።
ዕብየት ቍጠባ ብግዴኡ ነቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ዳይናሚካዊ ባህሪ ናይ ባህሊ ስለ ዝጸልዎ፡ ባህሊ ናብ ዝበረኸ ባይታ ወይ ደረጃ ናይ ምስግጋር ዘለዎ ተኽእሎ እናዓበየ ይመጽእ። እዚ ብግዴኡ ንቝጠባ ብኣዎንታ ይጸሉ። እናተመላልኡን እናተናበቡን ድማ ይጐዓዙ። ቍጠባዊ ውህደት/ጥምረት (economic integration) ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ካልእ ኣገዳሲ መሳርሒ ናይ ባህላዊ ተሃድሶ (renaissance) ኮይኑ ከገልግል ይኽእል’ዩ።
ባህላዊ ተሃድሶ ብዘረባ ጥራይ ኣይመጽእን’ዩ። ለይትን መዓልትን ክስርሓሉ ድማ ይግባእ። ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝድይብ ድማ፡ ሃገር ብቝጠባ ኣዝያ ምስ እትምዕብል እዩ። እዚ ንምግባር፡ ምሁር ህዝቢ፡ ዝሰልጠነ ዓቕሚ ሰብ፡ ድልዱልን ዝተራቐቐን ትሕተ ቅርጺ (ናይ መጐዓዝያ መስመራት – ናይ መሬት፡ ባሕሪን ኣየርን)፡ ምዕቡላት መራኸቢታት፡ (ዝተራቐቑ ፋይናንስያውን ካልኦት ኣገልግሎታት ዝህቡ ትካላት፡ ወዘተ)፡ ውዕዉዕ (vibrant) ቍጠባውን ንግዳውን ዝምድናታት ምስ ከባቢኻን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን፡ ወዘተ ክህልዉ ይግባእ። ከምዚ ዝመለለይኡ ቍጠባ ዜጋታት ንኽራኸቡ፡ ውስስኦም (inreaction) ከሐይሉ፡ ተመክሮታቶም ንኽለዋወጡን ብቝጠባ ተረባሕቲ ንኽኾኑ ባይታ ይፈጥር። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ቍጠባ፡ ናይ ባህሊ ጐብለላት (champions)፡ ሰብ ርእሰማል፡ ነጋዶ ወይ ሰብ-ዋኒንን ሰብ-ምህዞን ዜጋታት ይፈጥር። ርእሰማል ዶብ የብሉን ከም ዝበሃል፡ ንዜጋታት (መበቈሎም ብዘየገድስ) ብሓባር ንኽሰርሑን ተረባሕቲ ናይ ሞያኦምን ጻዕሮምን ንኽኾኑን ድማ የኽእል።
ባህልታትና ጌና ኣይተበርበሩን ዘለዉ። ወግዕታትና ብምሉኦም ኣብ ጽሑፍ ኣይሰፈሩን። ኣፈ-ታሪኽናን ያታውያን ብሂላታትንና ዛጊት መልእኽትታቶም ኣይተመሓላለፋን ዘለዉ። እምነ-ጽሑፋትና’ውን ኵሎም ኣይተሰነዱን። ኣይተተርጐሙን’ውን። ስነ-ጽሑፋትና ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ኣይበጽሑን ዘለዉ። ቋንቋታትና ንምስናድ ክሳዕ ሕጂ ዝተገብረ ፈተነ ግን ዝነኣድ’ዩ። ብበይኖም ቋንቋታት ኤርትራ ዝጸሓፉ ዘለዉ መዛግብቲ ቃላት ናይ’ዚ ህያው ምስክራት’ዮም። በዚ ኣጋጣሚ ንሓውናን ኣቦናን ተክአ ተስፋይን ተሓባበርቱን መዝገበ-ቃላት ትግርኛ ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ ዝተጓዕዝዎ ጕዕዞ ከየመስገና ክንሓልፍ ኣይግባእን። ከምኡ’ውን ንዶክተር ኪዳነማርያም ዘርእዝጊ። ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዝነጥፉ ዘለዉ መንእሰያትና ብቝጽሪ ብርክት ዝበሉ’ዮም። ነዚኦም’ውን ምትብባዕ ክግበረሎም ይግባእ። ናይ ቋንቋታት ኣካዳሚታት (language academies) ንምምስራት ዝተገብረ ፈተነ’ውን ኣብ ፍረ ስለ ዘይበጽሐ ግን ብምሉእ ናህሪ ክድፍኣሉ ኣለዎ።
ምዕቡል ስፖርታዊ ባህሊ ምትእትታውን ገንዘባዊ ይኹን ካልኦት መተባብዒታት (incentives) ምልጋስን ናይ ስፖርት ጐብለላት ንኽፍጠሩን ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዞባውን ዓለማውን መድረኻት ብምውድዳር ንሃገሮም ከስምዩን ይሕግዝ። ባህሊ ጕያ እግሪ፡ ኵዕሶ እግርን ቅድድም ብሽግለታን ኣብ ዲ.ኤን.ኤይና (DNA) ዘለዉ ይመስሉ። ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ከነብጽሖም ድማ ተኽእሎ ኣሎ።
ንስነ-ጥበባውያን (ሰኣልቲ፡ ቀረጽቲ፡ ደረስቲ፡ ገጠምቲ፡ ወዘተ) ዜጋታት ምውዳስን ኣኽብሮት ምሃብን ምሕብሓብን ብሉጻት ንዝኾኑ ድማ ኣስማቶምን ዝናኦምን ብሰፊሑ ኣፍልጦ ምሃብን፡ ምጽንባልን ንሃገራውነት ንምብራኽ ጠቓሚ እዩ። እዚ’ውን ክሕሰበሉ ኣለዎ። ናይ ስፖርትን ስነ-ጥበብን ኢንዱስትሪ በዚ ኣገባብ’ዚ’ዩ ዝምዕብል። እዚ ብግዴኡ ቍጠባዊ ረብሓታት የመንጩ፣ ሃገራዊ ሓበን፡ መንነት፡ ናይ’ቲ ህዝቢ ኣካል ናይ ምዃን ስምዒትን ኣብ ምዕባይን ድማ ኣበርክቶ ይገብር።
ርእሱ ዘቕንዕ ህዝቢ ወትሩ ምስ ተዓወተ’ዩ። ብመንነቱን ታሪኹን ዝንየት ህዝቢ ንዝበለጸን ዝሓሸን መጻኢ ምስ ኣቋመተ’ዩ። ጥሙሑ ሰማይ’ዩ ደረቱ። ብሩህ መጻኢኡ ከውሕስን ኣብ ዓለም ቦትኡ ከረጋግጽን ድማ ጸገም የብሉን። እዚ’ዩ መሰረት ናይ ቍጠባዊ ዕብየት።
Comments
Leave a Reply
Educational article!
with a rich content and simple presentation!
Thank you, Mokhsi. This is well-written and highly informative.