ህግደፍን ሃገራውነትን
ህግደፍን ሃገራውነትን
ሰመረ ሰሎሞን
19 መጋቢት 2025
(ካብ መጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን – “ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ” – መስከረም 2024)
ሃገራውነት፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ረብሓታት፡ ባህሊ፡ መንነት ወይ እውን ሓድነት ዘቐድም ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን ስነ ሓሳብ ወይ ኣምር እዩ። ህዝቢ ክንብል ከለና፡ ናይ ሓባር ውርሻ፡ ቋንቋ፡ ታሪኽ ወይ እውን እኩብ እምነታት ዝውንን ኣሃዱ ማለትና እዩ። ሃገራውነት ብዝተፈላለዩ መልክዓት ድማ ክግለጽ ይከኣል (Gellner, 1983)።
ሃገራውነት፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ሓባራዊ መንነትን ሓድነትን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ የማዕብል። ሃገራውነት ንኣገዳስነት ሃገራዊ ልዑላውነትን መሰል ርእሰ ውሳነን ርእሰ ምሕደራን የስምረሉ። ሃገራውነት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓርበኛነት (ሓያል ሃገራዊ ስምዒት) ይትኣሳሰር። ንዕቃበን ምዕባለን ሃገራዊ ባህሊ፡ ታሪኽን ልምድታትን እውን የቐድምን የጐሳጉስን። ብዘይካ’ዚ ሃገራውነት፡ ንፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ናብ’ቲ ዝብህግኦ ሃገር ናይ ምምስራትን ምህናጽን ሸቶ እውን ከም ደራኺ ረቛሒ ኮይኑ ከገልግል ይኽእል (Anderson, 1983)።
ሃገራውነት፡ ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን፡ ነቲ ኣንጻር መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ሓይልታት ዝግበር ዝነበረ ናይ ናጽነትን መሰል ርእሰ ውሳነ ምርግጋጽን ምንቅስቓሳት ጸልዩዎ እዩ (Smith, 1991)። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተገብረ ናይ ናጽነት ቃልሲ፡ ሃገራውነት ኣገዳሲ ግደ ነይሩዎ እዩ።
ሃገራውነት፡ ማሕበራዊ ጥምረት፡ ሃገራዊ ሓበን፡ ከምኡ እውን ኣባል ናይ ሓደ ህዝቢ ናይ ምዃን ስምዒት የደንፍዕ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓደ ሓደ ኣሉታዊ መዳያት ክህልዉዎ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ኣህዛብ ወይ እውን ንዕኦም ዝመርሑ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት (ወይ እውን ሰልፍታት) ብጌጋ ክጥቀሙሎም ምስ ዝጅምሩ ዝኽሰቱ ተርእዮታት እዮም። ሃገራውነት ናብ’ዚ መኣዝን’ዚ ገጹ ክዘዙ እንከሎ፡ ክቱር ጽልኢ፡ ምውጋን (exclusion)፡ ዓሌትነት፡ ዘይተጻዋርነት፡ ረጽሚ ካልኦት ዘይተደልዩ ሳዕቤናትን ከኸትል ይኽእል። እዚ ድማ ኣሉታዊ እዩ። ስለ’ዚ ድማ ክቱር ጥንቓቐ ክግበረሉ ዘለዎ ኣምር ኮይኑ ይስምዓኒ።
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መርሓ ሓሳብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ኤርትራ ሃገራውነት ንምድንፋዕ (ግንከ ብዋጋ ናይ ካልኦት ኣካላት ዘይኮነ) ብርክት ዝበሉ ኣገባባት ኣለዉ።
ቅድም ቀዳድም፡ ሃገራውነትና ኣብ’ቶም ቀንዲ ምዕቡላት መለለይታት ሕብረተሰብና ክምርኮሱ ይግባእ። እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ ከጠቓልሉ ይኽእሉ፤
ህዝቢ ኤርትራ ብጅግንነትን ሓርበኛነትን ዝግለጽ ሃብታም ታሪኽ ኣለዎ። እ ዚ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ መጐሳጐሲ መሳርሒ እዩ። እዚ ግን ክሳብ ናብ ትምክሕቲ ገጹ ዝምጠጥ ክከውን የብሉን። ህዝብታት ዓለም ይንኣስ ይዕበ ኩሎም ዝሕበኑሎም ታሪኽ ከም ዘ ለዎምን ን ዓታቶም ከ ኣ ኣገዳስነት ከም ዘለዎምን ም ግንዛብ ጠቓሚ እዩ። ኣብ ታሪኽና፡ ታሪኽ ዝሰርሑ ብርክት ዝበሉ ጎብለላት ኣለዉ። ንታሪኾምን ኣስማቶምን ንሰማይ ከነዕርጎን እንተ ተኻኢሉ እውን ሓወልትታት ክንሰርሓሎምን ይግባእ።
ካልእ መለለዪ ህዝቢ ኤርትራ እቶም ጭውነት ዝመልኦምን ኣብ ፈሪሃ እግዚኣብሄር ዝተሰረቱ ስርዓተ ክብርታቱ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዘማዕበሎም ማሕበራዊ ም ርግጋእ ዝ ማእከሎም ል ምድታት ጸ ኒሖምዎ እ ዮም። ኣብ ሕጊ ዘለዎ ምእዙዝነት ድማ ሓደ ካብ’ቶም ፍሩያት መለለዪ ባህርያቱ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ተጸዋዊርካ ናይ ምንባርን ምክእኣልን ምምልላእን ልምዲ እውን ኣለዎ። ጉዳያት ኣብ ረጽሚ ቅድሚ ምእታዎም ንምግትኦም ዘኽእሉ ልምዳውያን ሕግታት (ሕግታት እንዳባ) ገይሩ ይነባበር። ግርጭታት ወይ ዘይምርድዳኣት ኣብ ዝኽሰቱሉ ድማ ኩሎም ዝረብሑሉ ፍታሓት የናዲ።
ህዝቢ ኤርትራ ንሽግራት ወይ ብድሆታት ብትዕግስቲ ምግጣም (resilience)፡ ዓቕምን ብልሕን ዘማዕበለ ህዝቢ እዩ። ኣብ እግዚኣብሄሩ ስለ ዝኣምን ድማ ትስፉውን ተጸማምን ዓቃልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ እሂን ምሂን ልምድን ተላዚብካ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ (consensus) ናይ ምብጻሕ ባህልን እውን የዘውትር።
ቍጠባዊ ውህደት (economic integration) ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ካልእ ኣገዳሲ መሳርሒ ናይ ህንጸተ ሃገራውነት እዩ። ሃገራውነት ለፍሊፍካ ጥራይ ኣይመጽእን። ለይትን መዓልትን ክትስርሓሉ ድማ ይግባእ። ሃገራውነት ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝብርኽ፡ ሃገር ብቍጠባ ኣዝያ ምስ እትምዕብል እዩ። እዚ ንምግባር፥ ምሁር ህዝቢ፡ ዝሰልጠነ ዓቕሚ ሰብ፡ ድልዱልን ዝተራቐቐን ትሕተ ቅርጺ (ናይ መጐዓዝያ መስመራት – ናይ መሬት ናይ ባሕሪ ናይ ኣየር – ምዕቡላት መራኸቢታት፡ ዝተራቐቑ ፋይናንስያውን ካልኦትን ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት፡ ወዘተ)፡ ምዉቕ ቍጠባውን ንግዳውን ዝምድናታት ምስ ከባቢኻን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን፡ ወዘተ ክህልዉ ይግባኣ። ከም’ዚ ዝመለለይኡ ቍጠባ፡ ዜ ጋታት ን ክራኸቡ፣ ኣ ብ መንጎ ሓድሕዶም ን ኽዋስኡ፡ ተመክሮታቶም ንኽለዋወጡ፡ ብቍጠባ ተረባሕቲ ንክኾኑ ባይታ ይፈጥር። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ቍጠባ፡ ናይ ቍጠባ ጎብለላት፡ ሰብ ርእሰ ማል፡ ነጋዶ፡ ሰብ ምህዞ ዜጋታት ይፈጥር። ርእሰ ማል ዶብ የብሉን ከም ዝበሃል፡ ንዜጋታት (መበቈሎም ብዘየገድስ) ብሓባር ንኽሰርሑን ተጠቀምቲ ናይ ሞያኦምን ጻዕሮምን ንክኾኑን ድማ የኽእል።
ምዕቡል ስፖርታዊ ባህሊ ምትእትታውን ገንዘባዊ ይኹን ካልኦት መተባብዒታት (incentives) ምሃብን ናይ ስፖርት ጎብለላት ንክፍጠሩን ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዞባውን ዓለማውን መድረኻት ብምውሳእ ንሃገሮም ከስምዩን ይሕግዝ። እዚ ብግዴኡ ሃገራዊ ሓበን፡ መንነት፡ ናይ’ቲ ህዝቢ ኣካል ናይ ምዃን ስምዒት ኣብ ምዕባይን ኣበርክቶ ይገብር።
ንስነ ጥበባውያን (ሰኣልቲ፡ ቀረጽቲ፡ ደረስቲ፡ ገጠምቲ፡ ወዘተ) ዜጋታት ምውዳስን ኣኽብሮት ምሃብን ምሕብሓብን ብሉጻት ንዝኾኑ ድማ ኣስማቶምን ዝናኦምን ብሰፊሑ ኣፍልጦ ምሃብን፡ ሃገራውነት ንምብራኽ ጠቓሚ እዩ። እዚ እውን ክሕሰበሉ ኣለዎ።
ሃገራዊ ምዃን ምስ ሓጥያት ዝቚጸር ኣበሳ ኣይኮነን። ንሃገርካ ምፍታው፡ ንሃገርካ ምሕላይ፡ ንሃገርካ ምውፋይ፥ ንሃገርካ ምምናን (dedication): ብሃገርካ ምዅራዕ፥ ብሃገርካ ምሕባን፥ ብሃገርካ ምስቊርቋር ነውሪ የብሉን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ዘኹርዕ ነገር እዩ። ሃገራውነት ረቂቕ ኣምር ኣይኮነን። ምስ’ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ረቛሒታት ዝተኣስሳአር እዩ።
ነዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ባህርያት ክሳዕ ዝሓዘን ብዋጋ ረብሓታት ካልኦት ሃገራትን ኣህዛብን ክሳብ ዘይተፈጸመን፡ ሃገራውነት ቅዱስ ኢዩ።
እቲ ብህግደፍ ዝሳሰ ሃገራውነት ምስ እንርኢ ግን ቊሩብ ፍልይን ሕልፍን ዝበለ እዩ። እቲ ብህግደፍ ዝጒስጐስ ሃገራውነት ሓደ ኣገዳሲ መለለዪ ባህርይ ኣለዎ። ካብ ሓደ መሰረታዊ ዝኾነ ሓደገኛ ምስምስ ድማ ይነቅል። ንምዝርዛሩ ዝኣክል፤
ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ህግደፍን ሃገርን ፍልልይ የሎን። ሕልፍ ኣብ ዝበሉ እዋናት ድማ ኣብ መንጎ መንግስትን ህግደፍን ሃገርን ኢሳይያስን ፍልልይ የለን። ህግደፍ ማለት መንግስቲ ማለት እዩ፡ መንግስቲ ማለት ሃገር ማለት እዩ፡ ሃገር ማለት ህግደፍ ማለት እዩ። ህግደፍ ማለት ኢሳይያስ ማለት እዩ። ነዚ ስነ መጐት’ዚ እንተ ድኣ ተኸቲልና፡ ንህግደፍ ወይ ንመንግስቲ ኤርትራ ወይ እውን ንኢሳይያስ ዘይድግፍ ሰብ ሃገራዊ ኣይኮነን። ብተመሳሳሊ ስነ መጐት ድማ ኣብ መሳርዕ እቶም ጸላእቲ ሃ ገር ይ ስራዕ። ምስ ጸላእቲ ሃገር ክሳብ ዝተሰርዐ ድማ ወይጦ፡ ወያነ፡ ከዳዕ፡ ተምበርካኺ ወይ እውን ሲ.ኣይ.አይ. ተባሂሉ ይጥመቕ።
እቲ ካልኣይ መለለዪ ባህሪኡ ብቐንዱ ኣብ ውሽጣውን ግዳማውን ስግኣታት ሃገር ዘተኩር ምስምስ እዩ። ዝተጋነነ ስግኣት። ስግኣት ንህላወ ኤርትራ። ብኣበሃህላ ህግደፍ፡ ሃገር ኩሉ ግዜ (ፍጥር ካብ እትብል ጀሚሩ) ኣብ ትሕቲ ስግኣት ናይ ወራርን ወተሃደራዊ ምትእትታውን ኣራግጽን’ያ እትርከብ። ናይታ ሃገር ጆኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡ ተደላይትን ንወራር ዝተቓልዐትን ይገብራ። ብዙሓት ሓያላት ሃገራት ይብህጉዋ። ኣዝዩ ክቡር መስዋእቲ ዝተኸፍለላ ስለ ዝኾነት ድማ ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዋ ይግብኣና። ስለ’ዚ ኣብ ጽልኢ ዝተመርኮሰ ሃገራውነት ክህነጽ ኣለዎ። ጸላእቲ ምስ ዝውሕዱ እውን ካልኦት ክናደዩ ወይ ሃሰው ክበሃሉ ኣለዎም። እቲ ናይ ፕሮፓጋንዳ ዘመተ እምበኣር፡ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ጽልኢ ኣጀንዳታት ኮነ ኢሉ ይተሓሓዞ፤
- ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት – ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ የመን (ኣብ ሓደ እዋን እውን ቀጠር)፣
- ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ወያነ፣
- ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ወይ ሲ.ኣይ.አይ.፣
- ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ሞሳድ፣
- ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ሃገራት፣
- ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባትን ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን፣
- ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ፍትሓውያን ፖለቲካዊ ጠለባት ሒዞም ንዝተላዕሉ ብጉጅለ 15ን ኣብ ናዕቢ ፎርቶ ዝተሳተፉ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ነበር፣
- ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ እምነት፣
- ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ካብ ናይ መንግስትን ግንባርን ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ዘሎዎም ዜጋታት፣
- ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ንመንግስቲ ዝጻረሩ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን፣
- ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ልምድታት ህዝቢ፣
- ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ትካልን ትካላዊ ኣሰራርሓ ወይ ውዳበ።
ዝርዝር ውሽጣውያን ጸላእቲ ናይ’ቲ ስርዓት ነዊሕ እዩ። ከም ብዓል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ጉጅለ 15፡ መራሕትን ሰዓብትን ናዕቢ ፎርቶ፡ ብርጌድ ንሓመዱ (ሰማያዊ ማዕበል)፡ ፈልሲ፡ ብሩህ መጻኢ፡ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ኣሰና፡ ኤሪሳት፡ ኤሪፒም፡ ደሃይ ኤርትራ፡ ጉጅለ 13ን ካልኦት ተቓወምቲ ውልቀ ሰባትን (ብርሃነ ኣብርሀ፡ ቢትወደድ ኣብርሃ፡ ሓጅ ሙሳ፡ ኣቡ ዓረ፡ ዓብዱ ሀጂ፡ መሓመድ ዓሊ ዕመሩ፡ ወዘተ) ድማ ዘጠቓለለ እዩ። ብዛዕባ እዞም ተቓወምቲ ብዙሕ ተጻሒፉን ተዘሪቡን እዩ። ጉጅለ 15 ደሓር ከኣ እቲ ብስም ናይ ፎርቶ ናዕቢ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ መጀመርታ ኣስማቶምን ዝናኦምን ጸሊም ቀለም ከም ዝቕባእ ምግባር፡ ደሓር ከኣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዒራ ዒሮን ካልኦት መዳጐኒ ማእከላትን ክምህምኑ ምግዳፎም፡ ቅዳሕ ናይ’ቲ ጨካን ሳሕላዊ ሜላታት እዩ።
ኣባላት ጉጅለ 15፡ “ከዳዓት”፡ “ተሓባበርቲ ወያነ”፡ “ተንበርከኽቲ” “መሳርሒታት ሲ.ኣይ.አይ” ወዘተ ተባሂሎም። ናይ ጥሪ 2103 ዓ.ም. ኣባላት ናዕቢ ፎርቶ “እስላማውያን” ዝብል ስያመ ተዋሂቡዎም።
ካልኦት ህግደፍ ሃገራውነት ንምህናጽ ዝጥቀመሎም ሜላታት እውን ኣለዉ። ገለ ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፤
ህግደፍ; ሃገራውነት ንምስራጽ ካብ ዝጥቀመሉ ሜላታት ሓደ ምኽባር ዓመታዊ በዓላትን ምድላው ፈንጠዝያ ዝተሓወሶ ፈስቲቫላትን እዩ። ዓውደ ኣዋርሕ ኤርትራ ብዓመታዊ በዓላት፡ ብፍላይ ድማ ብመዓልቲ ናጽነት፡ ፈንቅል፡ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ መዓልቲ ሸቃሎ፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ ከምኡ እውን ንፈላሚ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝዝክር ባሕቲ መስከረም፡ ወዘተ የጠቓልል። ካብ ሓምለ ክሳዕ መስከረም ዘሎ ግዜ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ብዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝኽበሩ ሃገራውያን ፈስቲቫላት ይውፈ። መወዳእታ ዘይብሉ ኩዳታትን ዳንኬራን ድማ ይግበር። ሓደ ዘተኣማምን ምንጪ ናይ ሓበሬታ ዘለዎ መሳርሕተይ ዝነበረ ሰብ (ስሙ ብጸጥታዊ ምኽንያት ክጠቕሶ ዘይደሊ) ነዚ ኣመልኪቱ ከም’ዚ ዝስዕብ ይብል፤
ምድላዋት ናይ’ቶም ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ዝካየዱ ዓመታዊ በዓላት ዳርጋ ዓመት መመላእታ እዩ ዝወስድ። እተን ምምሕዳራዊ ዞባታት ነቲ ዝካየድ ዘሎ በዓል ምስ ዛዘማ ብቕጽበት ንዝመጽእ ዓመት ምድላዋት ክጅምራ ኣለወን። እዚ ድማ ቀጻሊ ዑደት በዓላት ብምፍጣር ንኣቓልቦ ህዝቢ ካብ’ቲ ተኣፋፊ ጉዳያት ንምእላይ ዝዓለመ እዩ። እቶም ኣብ’ቲ በዓላት ዝሳተፉ ደቂ ሃገር (ተዋሳእትን ኣለይቶምን) ኣዝዩ’ዩ ዝስልችዎም። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ምድላው በዓላት ዝባኽን ግዜኦም ድማ ብዙሕ’ዮም ዘዕዘምዝሙ።
ውሽጣዊ ካርታ ኤርትራ ዳግም ብምስኣልን ኣብ ዞባታት ብምምቓልን ሃገራውነት ንምስፋን ዝተገብረ ፈተነ ከም ዘሎ እውን ክንርስዕ ኣይግባእን።
ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ ህግደፍ ብእሙናት ሰዓብቱ ኣቢሉ ናይ ከባቢና ህዝብታት (ብፍላይ ድማ ኣብ ደቡብ ዝርከብ ህዝቢ) ዝንየተሉ ታሪኽ ከም ዘይብሉ ዘስምዕ ትረኻታት ከቃልሑ እንከለዉ ክትሰምዕ እንከሎኻ እቲ ብህግደፍ ዝፍኖ ዘመተታት ክሳዕ ክንደይ ኣዝዩ ጸቢብን ሓደገኛን እናኾነ ይመጽእ ከም ዘሎ ትዕዘብ።
ኣብ መጠረሽታ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይግብኦ ድማ እቲ ብህግደፍ ዝስበኽ ሃገራውነት፡ ኣ ብ ዙርያ ህግደፍ ዝዘውርን (revolve ዝገብር) ንህግደፍ ከም ማእከል ስሕበት ገይሩ ዝጒስጉስን ምዃኑ እዩ። ህግደፍ ንሃገራውነት ከም ናይ ብሕቱ ዋንነት ገይሩ ይርኢ። ሃገር ንምምጻእ ኣብ ዝተገብረ ቃልስን ዝተረኽቡ ዓወታትን ኩሎም ብህግደፍ እዮም ዝውነኑ ይብል። ዝኾነ ይኹን ካልእ ሓይሊ ይግብኣኒ’ዩ ክብል ድማ መሰል የብሉን። ነዚ ስነ መጐት’ዚ ክንክተል እንተ ዄንና፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ህግደፍ ካልእ ንኤርትራ ከመሓድር ዝኽእል ፖለቲካዊ ውድብ የለን ማለት እዩ። እዚ ብዓንደ ርእሱ ምስ ግበታ ስልጣን ዝተኣሳሰር እዩ።
ብኣንጻር’ዚ መጐተ’ዚ፡ ቀንዲ ጸገም ህዝብናን ሃገርናን ሃገራውነት’ዩ ዝብሉ ዜጋታት እውን ኣይሰኣኑን እዮም። እዚኣቶም ብኣንጻርቲ ህግደፍ ዝጒስጉሶ ሃገራውነት፡ ንሃገራውንት ከም ንሓደ ሕብረተሰብ ንምምራዝ እትጥቀመሉ መርዚ ወይ ሓሽሽ ገይሮም ይርእዩዎ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ፡ ንሃገራውነት ዘይትርጉሙ ካብ ምሃብ፡ ኣብ ኤርትራ ሃገራውነት ከመይ ገይሩ ከም ዝማዕበለ ካብ ዘይምርዳእን ዝነቐለ ኮይኑ ይስምዓኒ። ክልቲኦም ድማ ሓደገኛ ዝንባለታት ኢዮም።
መወከሲታት
Anderson, B., Imagined Communities: Reflections on the Origin and Spread of Nationalism, Verso, 1983
Gellner, E., Nations and Nationalism, Cornell University Press, 1983
Solomon. S., ረዚን ዋጋ ዝተፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን፡ ብኣረኣእያ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ, Ingramspark, La Vergne, 2024
Smith, A. D., National Identity, University of Nevada Press, 1991
Comments