ኤርትራ፡ ንቕድመ-ለውጥን ድሕረ-ለውጥን ዝምልከቱ ገለ ገለ ሓሳባት
(ናይ ክትዕ ወረቐት)
ሰመረ ሰሎሞን
20 ለካቲት 2025
ሕመኣ
መእተዊ
ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ፖለቲካዊ ጭፍለቓ፡ ቍጠባዊ ምንቊልቋልን ማሕበራዊ ብርሰትን ንማንም ስዉር ኣይኮነን። ኣገዳስነትን ህጹጽነትን ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝድለ ዘሎ ለውጥን ኣድላይነት ናይ’ቲ ናብኡ ንምስግጋር ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብድሆታት ንምስዓርን ብኣኡ ኣቢልካ ድማ ለውጢ ንምውሓስን እምበኣር ንጽባሕ ዘይበሃሎ ጉዳይ እዩ። ካብ’ዚ ንድሓር ድሕነትን ህላወን ሃገር ኣብ ሓደጋ ስለ ዝኣቱ።
Read more: ኤርትራ፡ ንቕድመ-ለውጥን ድሕረ-ለውጥን ዝምልከቱ ገለ ገለ ሓሳባትእዚ እማመ’ዚ ንዅሎም ንማሕበራዊ ፍትሒ፡ ጥዑይ ምሕደራን ሃገራዊ ልዑላውነትን ንምውሓስ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ከም ሓደ ሓፈሻዊ መበገሲ ሓሳብ ኮይኑ ንኸገልግል ኣገዳስነት ክህልዎ ይኽእል። እዚ እማመ’ዚ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ኣተኲሩ ይዝቲ፦
ሀ. ምእላይ ምልካዊ ምሕደራ፣
ለ. ንዂሉ ኤርትራዊ ዘሳትፍ፡ ብሓቛፍነት፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝልለ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም፣
ሐ. ብምምስራት ቅዋማዊ መንግስቲ ኣቢልካ ናብ ሃገራዊ ህንጸትን ዘላቒ ልምዓትን ምስግጋር።
እዚ እማመ’ዚ፡ ሓንቲ ደሞክራሲያዊትን ሓድነታ ዘረጋገጸትን ኤርትራ ንምውሓስ ዘገልግል ቅርጻ-መቓን (framework) ኮይኑ ይቐርብ። ኵሎም ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ደለይቲ ለውጢን ፍትሕን ድማ ኣብ ከባቢኡ ክዓስሉን ብኣኡ ኣቢሎም ድማ ሓርነት፡ ፍትሕን ብልጽግናን ንምርግጋጽ ክጽዕቱ ይጽውዕ።
ሕመረታውያን መትከላት (Core Principles)
- ናይ ኤርትራ ብዙሕነት (ፖለቲካዊ፡ ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ወዘተ) ምኽባርን ሃገራዊ ልዑላውነትን ሓድነትን ምቕዳምን፣
- ኣብ ደሞክራሲያዊ ሰብኣዊ መሰላትን ግዝኣተ-ሕግን ምእማን፣
- ውክልናን ተሳትፎን ናይ ኵሎም ክፋላት ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ ምውሓስ፣
- ብግሉጽነትን ብተሓታትነትን ዝልለ መሪሕነት ምቛምን ምትእምማን ምውሓስን።
ተልእኾን ዕላማታትን
- ተወፋይነት ንፍትሒ፡ ደሞክራሲ፡ ሓቛፍነትን ሃገራዊ ሓድነትን ልዑላውነትን
ዕላማታት
ሀ. ስርዓተ-ምልኪ ምእላይ፡ ኣሎ ዝበሃል ናይ ቃልሲ ኣገባባት እንተላይ ሰላማውን ዘይሰላማውን ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት (ሲቪል ዲስኦቢዲየንስን ካልእን) ብምዝውታር ዕምሪ’ቲ ህልዊ ምልካዊ ስርዓት ከም ዘከትም ምግባር፣
ለ. መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም፡ ንዅሉ ኤርትራዊ ዘሳትፍን ብሓቛፍነት ዝልለን ሃገራዊ ዋዕላ ዝውድብ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛምን ነታ ሃገር ድማ ናብ ደሞክራሲያዊ ምስግጋር ምድላውን፣
ሐ. ምምስራት ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ምንዳፋን ምትግባርን ደሞክራሲያዊ ቅዋምን ትግባረ ናጻን ፍትሓውን ምርጫታትን።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሰለስተ ዕላማታት (ስርዓት ምእላይ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም፡ ምምስራት ቅዋማዊ መንግስቲ) ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘይኣትው እምነታት ይኾኑ። ንዅሎም ካልኦት ፖለቲካዊ ተበግሶታትን (political initiatives) ውሳነታት ድማ የማእዝኑ።
ስትራተጅያውያን ባእታታት
ሀ. ስርዓት ምእላይ
- ናይ ኵሎም ዘቤታውያንን ኣብ ደገ ዝነጥፉ ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ኣብ ዳያስፖራ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሕን፡ ካልኦት ንለውጢ ዝመነኑ ቀስቀስትን (activists) ልፍንቲ ወይ ስሙር ግንባር ምምስራት፣
- ንኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ኣብ’ዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ውዓል-ሕደር ዘይበሃለሎም ዕላማታት ንምጉስጓስ ዝሕግዝ ናይ መራኸቢታት ስትራትጂ (communication strategy) ምርቃቕን ምትግባርን፣
- ስርዓት ምእላይ፡ ኣሎ ዝበሃል ናይ ቃልሲ ኣገባባት እንተላይ ሰላማውን ዘይሰላማዊን ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት (ሲቪል ዲስኦቢዲየንስን – civil disobedience – ካልእን) ብምዝውታር ዕምሪ’ቲ ህልዊ ምልካዊ ስርዓት ከም ዘኸትም ምግባር፣
- ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕላማታት ንምውሓስ ንዝውሰዱ ተበግሶታት ንምቕዳም ምስ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ኣካላት ኣብ መትከላት ሽርክነት ዝተመስረቱ ኪዳናትን ምሕዝነታትን ምምስራትን ምድልዳልን።
ለ. ባእታታትን መሰጋገሪ መንግስትን ኣተገባብርኦምን
- ናይ መሰጋገሪ እዋን ቻርተር ምሕንጻጽ
- ቀንዲ ዕማማት፡ ሓላፍነታትን (mandate) መምርሒ መትከላትን ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ምንጻር። እዚኣቶም ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፡ ምዝርጋሕ ኣገልግሎታት፡ ቁጠባዊ ውሕስነት፡ መሰጋገሪ ፍትሒ (transitional justice)፡ ጸጥታዊ ምርግጋእን ግዝኣተ-ሕግ ምውሓስን የጠቓልሉ።
- ቅርጺ፡ ዕማማት፡ ሓላፍነታትን ዕድመን መሰጋገሪ መንግስቲ ምንጻርን
- ዋዕላ ሃገራዊ ልዝብ (National Dialogue Conference)
- ንመሰጋገሪ መንግስቲ ዘገልግል መርሓ-ጐደና ንምርቃቕ ንዅሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ዋዕላ ከም ዝጋባእ ምግባር። እዚ ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፦
- ናይ ምግላል ስምዒት ንምውጋድ፡ ተሳታፍነት ናይ ኵሎም ፖለቲካዊ፡ ኤትኒካዊ፡ ሃይማኖታውን ጾታውን ጉጅለታት (ክፋላት) ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ምርግጋጽ፣
- ንኣብ ድያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን (ዝያዳ ናጽነት ናይ ውደባ፡ ጸጋታትን ጽልዋን ስለ ዘለዎም) ብዝግባእ ምጒስጓስ፣
- ንመንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ብንጥፈት ብምጉስጓስን ሓደስቲ ሓሳባት ከም ዘፈልፍሉ ምግባርን ንነዊሕ እዋን ዝጠመተ ዘላቕነት ዘለዎ ተሳትፎ ምርግጋጽን፣
- ኣብ መንጎ ኲሎም ሰብ ብርኪ (stakeholders) ናይ ዘተን ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ (consensus) ናይ ምብጻሕን ኣገባባት ልምድን ከም ዝተኣታተዉን ዝምዕብሉ ምግባር።
- ባይቶ መሰጋገሪ መንግስቲ
- ካብ ኵሎም ዘቤታውያንን ኣብ ደገ ዝነጥፉን ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ኣብ ዳያስፖራ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ንለውጢ ዝመነኑ ቀስቀስትን (activists) ካልኦት ናጻ ድምጽታትን (independent voices) ዝተዋጽአ ባይቶ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም፣
- ዕብለላ ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ምእንቲ ከይርአ፡ ሽርክነትን ማዕርነትን ዝማእከሉ ኣተዓዳድላ ስልጣን ብውክልና (representation) ደረጃ ምርግጋጽ፣
- ኣብ ውሽጢ’ቲ ልፍንቲ ምግምማዕ ንምውጋድ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ (consensus) ናይ ምብጻሕን ኣገባባት ዝተመስረተ መስርሕ ውሳነ (decision making process) ምርቃቕን ምዝውታርን።
- መሰጋገሪ ፍትሒ (Transitional Justice)
- ብሰንኪ ብኩራት ፍትሒ፡ ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታት ግዳያት ናይ ማእሰርቲ፡ መቕተልቲ፡ ስቓይን፡ ምሕቃቕን (disappearnace) ኮይኖም ክሳቐዩ ጸኒሖም’ዮም። እዚ ተግባር’ዚ ኣብ ልዕሊ’ቶም ግዳያትን ስድራ ቤታቶምን ዘኸተሎ ስቓይ ብቐሊል ዝርአ ኣይኮነን።
- ከምዚ ዝበለ ኣጸያፊ ባህሊ ንኸይቅጽልን ግዳያት ፍትሒ ዝረኽቡሉ ኩነታት ንምፍጣርን፡ ሓደ ኣዝዩ ዘተኣማምንን ትካላውን መስርሕ ዝኽተል ኣገባብ ምትእትታውን ምትግባርን ከድሊ’ዩ። እዚ ኣገባብ’ዚ፡ ግዳያት ፍትሒ ዝረኽቡሉ ዝተፈላለዩ ዕድላት ዘመቻችእ ክኸውን ይግባእ።
- መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ንመስርሕን ኣገባብን ኣብ መስርሕ ምስግጋር (ካብ ግጭት፡ ጭፍለቓን ምልካዊ ኣገዛዝኣን ናብ ግዝኣተ-ሰላምን ደሞክራስን) ዝርከቡ ሕብረተ-ሰባት ዝምልከት ኮይኑ ንዝተፈጸሙ መጠነ-ሰፊሕ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ኢፍትሓዊ ተግባራትን (injustices) ንምእላይ እትጥቀመሉ መሳርሒ’ዩ። ኣተገባብርኡ ጥንቁቕ ኣተሓሕዛን ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝብን ዘድልዮ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ፍትሒ፡ ዕርቅን ምርግጋእን ሚዛን ምሕላው የድሊ።
- መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ንኣብ ባይታ ዘለዉ ፍሉያት ክውንነታት ኣብ ግምት ብዘእቱን ምስ ኣህጉራዊ መትከላትን ልምድታት (standards) ብዝናበብን መገዲ እንተድኣ ተተግቢሩ ድማ ውጺእታውነቱ ዘላቂ ክኸውን ይኽእል። ነዞም ዝስዕቡ ባእታታት ከጠቓልሉ ድማ ይኽእሉ (ኣብ’ዚኣቶም ዝተሓጽሩ ጥራይ ግን ኣይኮኑን)፦
- ምድላይ ሓቅን ዕርቅን (truth-seeking and reconciliation)
- ተሓታትነትን ፍርድን
- ካሕሳ ንግዳያት ዓመጽ
- ትካላዊ ጽገና
- መዘከርታትን ትምህርትን (memorialization and education)
- መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ነዞም ዝስዕቡ ባእታታት የጠቓልል፦
- ግምገማ ናይ’ቲ ፍሉይ ኵነታት፡
- ጽምዶ ምስ ሰብ ብርኪ፡
- ኵለንተናዊ ናይ ትግባረ ቅርጻ-መቓን (operational framework) ምምዕባል፡
- ንትግባረኡ ዘኽእሉ ጸጋታት ምጒስጓስን ዓቕምታት ምድላብን፡
- ህዝባዊ ክትዓትን ዕርቅን ምድንፋዕ፡
- ምቍጽጻርን ምስ ግዜን ኵነታትን እናተዓጻጽፍካ ምስራሕን።
- ኵሎም’ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕማማት ብሰብ ሞያን ሰብ ተመክሮን ክእለዩ፡ ክሳለጡን ክትግበሩን የድሊ።
ሐ. መርሓ ጐደና ንቅዋማዊ ምሕደራ
ፖለቲካዊ መስርሕ
- ብኣድማሳዊ ክብርታት ናይ ማዕርነትን ፍትሕን ዝቕየድን ናይ ኤርትራ ማሕበረ-ቍጠባዊ ኣቀዋውማ ኣብ ግምት ዘእቱን መስርሕ ምንዳፍ-ቅዋም ግሉጽን ኣሳታፍን ብዝኾነ መገዲ ምጅማር፣
- ግዝኣተ-ሕግን ደሞክራሲያዊ መስርሕ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ንምውሓስ ከም ናይ ምርጫ ኮሚሽን፡ ስርዓተ ፍትሒን ናይ መራኸቢ ብዙሓን መቈጻጻሪ ኣካላትን ዝኣመሰሉ ናጻ ትካላት ምቛም፣
- ኣብ ምንዳፍ ቅዋም ኣበርክቶ ናይ ኵሎም ክፋላት ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ምርግጋጽ፣
- ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ንምክያድ ክውንነታውን ንጹርን ናይ ግዜ ገደብ ምሃብ፣
- ቅዋማዊ መንግስቲ ከም ሓደ በብግዜኡ እናተመዓራረየን እናተመሓየሸን ዝኸይድ መስርሕ ምርኣይ (work in progress)።
ጸጥታን ምርግጋእን
- ሞያዊ ሰራዊት ምህናጽን ብረት ምውራድን ዳግመ-ምጥያስ ብረት ዝዓጠቑ ዜጋታትን
- ሞያዊ ሰራዊት፡ ፖሊስን፡ ናይ ጸጥታ መጋበርያታትን ቅድሚ ዝኣገረ ንምህናጽ ምድላዋት ምግባር፡ ድሕነት ሃገር ንከውሕሱ ድማ ምምእዛን፣
- ድሕነት ዜጋታት ንምውሓስ፡ ዝዓጠቑ ጉጅለታት ዕጥቆም ከም ዘውርዱን ንዳግመ-ጥየሳኦም ዘገልግሉ መደባት ምርቃቕን ምትግባርን፣
- ኣብ እዋን ምስግጋር፡ ማሕበረ-ኮም ዝሰረቱ ጸጥታዊ ውዳበታት ምምዕባል/ምርግጋግጽ፣
- መሰጋገሪ ፍትሒ (transitional justice) ንምትግባር ዘኽእሉ ኣገባባት (mechanism) ንምምዕባል ናይ ፍትሕን ዕርቅን ቅርጻ-መቓን (framework) ምርቃቕን ምትግባርን። እዚ ንሕሉፍ እከይ ተግባራት ንምሕዋይን ንሃገራዊ ዕርቂ ንምትብባዕን ንምብራኽን ይሕግዝ።
ጸጋታት ምጉስጓስ
- ፋይናንስያዊ፡ ሎጂስቲካውን ጐስጓሳውን ደገፋት ንምርካብ ናይ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ዓቕሚ ምብርባርን ምብራኽን፣
- ምስ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ብምርኻብ ተክኒካውን ፋይናንስያውን ደገፋት ሃሰው ምባል፣
- ምስ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን በብእዋኑ ርክብ ዝግበረሉ ኵነታት ብምፍጣር ናይ ምትእምማንን ተሳታፍነትን መንፈስ ምዂስኳስ።
መራኸቢታትን ህዝባዊ ጽምዶን ልዝብን
- ግሉጽነት ዝመሰረቱ ህዝባዊ ጽምዶን ልዝብን (public engagement and discourse) በብእዋኑ ምውዳብን ምክያድን። ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣጋጣሚታት ኩሎም ብኣዎንታን ኣሉታን ዝግለጹ ምዕባለታት ንህዝቢ ምግላጽ፣
- ኣብዚ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ሓደ ባይታ (platform) ንምምጻእ ዝግበር ቃልሲ ምትእምማን ንምውሓስ ብቑዕ ስትራተጂ ምርቃቕ።
ራእይ ድሕረ ምስግጋር
ቍጠባዊ ሕውየት
– ናይ ኤርትራ ቍጠባን ትሕተ-ቅርጽን ንምህናጽ ኵለንተናዊ ውጥን ምሕንጻጽን ምትግባርን፣
ሲቪካዊ ትምህርቲ
– ደሞክራሲያዊ ክብርታትን ዜግነታዊ ተሳትፎን ንምውሓስ ትምህርትን ህዝባዊ ክትዓትን ከም ዝተባብዑ ምግባር
ኣገዳስነት ሓደ ሕጋውነት ዘለዎ ኣሳለጢ ኣካል (facilitator) ምህላው
ብመገዲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቢልካ ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ምስግጋር ግዙፍን ዝተሓላለኸን ዕማም’ዩ። ብግቡእ እንተ ዘይተማእዚኑን ዘይተኣልዩን ድማ ሓደጋታቱ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ መስርሕ’ዚ ዘማእዝን ግዝያዊ ሕጋውነት ዝለበሰ መሪሕ ኣካል ክህሉ ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ’ዩ።
እዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝማእከሉ መሪሕነት’ዚ ምስ’ቶም ኣብ ግዳም ኮይኖም ክቃለሱ ዝጸንሑ ውዳበታት ድልዱል ልፍንቲ (coalition) ይፈጥርን ንጥፈታቱ ብሓባር ምስኣታቶም ኮይኑ የወሃህድን። እዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኑ ንለውጢ ዘማእዝን ውዳበ’ዚ፡ ኵሎም ጸጋታት ሃገር (እንተላይ ፖለቲካዊ ደገፍ) ናይ’ቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ዜጋታት ከጐሳጉስ ኣድላዪ እዩ። እዚ ከም ኣማራጺ ዝውሰድ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ከም ሓደ ስትራተጅያዊ ኣድላይነት (strategic imperative) ክውሰድ ኣለዎ።