(ናይ ክትዕ ወረቐት) 

ሰመረ ሰሎሞን

20 ለካቲት 2025

ሕመኣ

መእተዊ

ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ፖለቲካዊ ጭፍለቓ፡ ቁጠባዊ ምንቊልቋልን ማሕበራዊ ብርሰትን ንማንም ስዉር ኣይኮነን። ኣገዳስነትን ህጹጽነትን ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝድለ ዘሎ ለውጥን ኣድላይነት ናይ’ቲ ናብኡ ንምስግጋር ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብድሆታት ንምስዓርን ብኣኡ ኣቢላካ ድማ ለውጢ ንምውሓስን እምበኣር ጽባሕ ዘይበሃሎ ጉዳይ እዩ። ካብ’ዚ ንድሓር ድሕነትን ህላወን ሃገር ኣብ ሓደጋ ስለ ዝኣቱ።